Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:01

[1] ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ክወፅእ እንተሎ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ መምህር! ህንፃኡን እምኑን ክንደይ ከም ዘደንቕ ርአ! በሎ።

[2] ኢየሱስ ከዓ ነዝ ዓብዪ ሕንፃዶ ትርእዮ ኣለኻ? እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይተረፈ ዂሉ ኽፈርስ እዩ፤ ኢሉ መለሰሉ።

[3] ኢየሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ መንጽር ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ እንተሎ ጴጥሮስን ያዕቆብን ዮሓንስን እንድርያስን ንበይኖም ቅርብ ኢሎም፦

[4] እዝ ነገራት እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? እዝ ዂሉ መኣዝ ከም ዝፍጸምከ ምልክቱ እንታይ እዩ እስኪ ንገረና? ኢሎም ጠየቕዎ።

[5] ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ ሓደኳ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ፤

[6] ብዙኃት ኣነ ክርስቶስ እየ!› እናበሉ ብስመይ ክመጹ እዮም፤ ንብዙኃት ከዓ ኸስሕቱ እዮም።

[7] ውግእን ወረ ውግእን ምስ ሰማዕኹም ኣይትሸበሩ፤ እዙይ ክኸውን ግድን እዩ፤ ግና መወዳእታኡ ገና እዩ።

[8] ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ መንግሥቲውን ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ኽለዓል እዩ፤ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ክኸውን እዩ፤ እዝ ነገራት እዙይ ናይቲ ቕልውላው መጀመርታ እዩ።

[9] ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን ብኣይ ምኽንያት ንፍርዲ ኣኅሊፎም ክህቡኹም ኣብ ኣብያተ ጸሎቶምውን ክገርፉኹም ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገሥታትን ከዓ ደው ከብሉኹም እዮም እሞ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።

[10] ኣቐዲሙ ግና ንዂሎም ኣሕዛብ ወንጌል ክስበኽ ግድን እዩ።

[11] ኣኅሊፎም ንኽህቡኹም ክወስዱኹም እንተለዉ እንታይ ክንብል ኢና? እንታይከ ኽንዛረብ ኢና? ኢልኩም ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ። ሽዑ ዝውሃበኩም ተዛረቡ፤ እትዛረቡ ንስኻትኹም ኣይኮንኩምን መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር።

[12] ኃው ንኃዉ ወላዲ ንውሉዱ ኣኅሊፉ ንሞት ክህብ እዩ፤ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ተሢኦም ክቐትልዎም እዮም።

[13] ምእንቲ ስመይ ብዂሉ ዝተጸላእኹም ክትኮኑ ኢኹም፤ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገሥ ግና ንሱ ኽድኅን እዩ።

[14] እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተብሃለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት› ኣብ ዘይግብኦ ቕዱስ ስፍራ ቖይሙ ምስ ረአኹም እቲ ዘንብብ የስተውዕል፤ ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ፤

[15] እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸዓ ናብ ገዛ ኣይውረድ፤ ዝኾነ ኽማላእ ኢሉውን ኣይእቶ።

[16] እቲ ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸዓ ኽዳኑ ኽማላእ ንድኅሪት ኣይመለስ።

[17] በታ እዋን እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለአን!

[18] ህድማኹም ብኽረምቲ ኸይኸውን ጸልዩ።

[19] ካብታ እግዚኣብሔር መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ኾይኑ ዘይፈልጥ ድኅሪ ሕዚውን ከቶ ዘይኸውን መከራ በታ እዋን እቲኣ ክኸውን እዩሞ።

[20] ነተን መዓልትታት እቲኣተን እግዚኣብሔር እንተ ዘየሕፅረንስ ሥጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣይምደኃነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ኅሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኣተን ክሓፅራ እየን።

[21] ሽዑ ሓደኳ ክርስቶስ ኣብዙይ እንሆ!› ወይ ኣብቱይ ኣሎ!› እንተበለኩም ኣይትእመኑ።

[22] ሓሰውቲ መሢሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም እሞ፤ እንተ ተኽኢልዎምስ ነቶም ኅሩያትውን ከስሕቱ ምልክትን ዘደንቑ ነገራትን ክገብሩ እዮም።

[23] ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ! እንሆ ኣቐዲመ ዂሉ ነጊረኩም ኣለኹ።

[24] እንተኾነ በተን መዓልትታት እቲኣተን ድኅሪ እዝ መከራ እዙይ ፀሓይ ክትጽልምት እያ፤ ወርኂውን ብርሃና ኣይትህብን እያ።

[25] ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ክወድቁ ኃይልታት ሰማያትውን ክናወጹ እዮም።

[26] ሽዑ ንወዲ ሰብ ብብዙኅ ኃይልን ክብርን ብደመና ኽመጽእ እንተሎ ኽርእይዎ እዮም።

[27] ሽዑ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ነቶም ኅሩያቱ ኻብ ኣርባዕተ መኣዝን ዓለም ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ክእክብዎም እዮም።

[28] ናይዙይ ምስላ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ፤ ጨናፍራ ምስ ለምለመ ቖጽላውን ምስ ጠጥዐ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።

[29] ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ እዝ ነገራት እዙይ ክኸውን እንተሎ ምስ ረአኹም ምጽኣት ጐይታ ኣብ ኣፍ ደገ ኸምዝበጽሐ ፍለጡ።

[30] እዝ ዂሉ ኽሳዕ ዝኸውን እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይኃልፍ እማን እብለኩም ኣለኹ።

[31] ሰማይን ምድርን ክኃልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይኃልፍን።

[32] ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ወይ እታ ሰዓት እቲኣ እንትርፊ ኣብ መላእኽቲ ሰማይ ኮኑ ወይ ወልድ ሓደኳ ዝፈልጣ የለን።

[33] ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ ተጠንቀቑ! ንቕሑን ጸልዩን።

[34] ከምቲ ገዝኡ ኃዲጉ ዝገይሽ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ንነፍስ ወከፎም ኃላፍነት ሂቡ ሰሥራሖም ዘትኅዞም ነቲ ሓላው ኣፍ ደገ ኸዓ ኽነቅሕ ከም ዝእዝዞ እዩ።

[35] -

[36] እቲ በዓል ገዛ ምሸት ወይ ፍርቂ ለይቲ ወይ ደርሆ ነቆ ወይ ከዓ ንግሆ መዓዝ ከም ዝመጽእ ስለ ዘይትፈልጡ ድንገት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምስ ንቕሑ።

[37] እዝ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ ንዂሉ እየ ዝብሎ ዘለኹ፤ ንቕሑ!›።

ወንጌል ማርቆስ — Chapters