Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:50

[1] ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ማዕዶ ባሕሪ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን በጽሑ።

[2] ካብ ጃልባ ምስ ወረደ ድማ ሓደ ርኹስ መንፈስ ዝኃደሮ ሰብ ካብ መቓብር ወፂኡ ተራኸቦ።

[3] ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፤ ብሰንሰለት ኣሲሩ ኸጽንዖ ዝኽእል ሓደኳ ኣይነበረን።

[4] ብመቑሕን ብሰንሰለትን ብዙኅ ጊዜ ይእሰር ነበረ፤ እንተኾነ ነቲ ሰንሰለት ይበታትኾ ነቲ መቑሕ ከዓ ይሰባብሮ ስለ ዝነበረ ኂዙ ኸጽንዖ ዝኽእል ሓደኳ ኣይነበረን።

[5] ኲልሻዕ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ እምባታትን ኮይኑ የእዊ፤ ሰብነቱ ኸዓ ብጽንጽልሒት ይትልትል ነበረ።

[6] ንኢየሱስ ብርሑቕ ምስ ረአዮ ጐዪዩ ሰገደሉ፤

[7] ኦ ኢየሱስ ወዲ ልዑ ል እግዚኣብሔር! ንስኻ ምሳይ እንታይ ኣለካ? ከይተሳቕየኒ ብእግዚኣብሔር ኣማኅፂነካ ኣለኹ! እናበለ ብዓብዪ ድምፂ ኣእወየ።

[8] እዙይ ከዓ ኢየሱስ ኣታ ርኹስ መንፈስ! ካብዝ ሰብ እዙይ ውፃእ! ኢልዎ ስለ ዝነበረ እዩ።

[9] ኢየሱስ ከዓ ስምካ መን እዩ? ኢሉ ጠየቖ። እቲ ጋኔን ድማ ብዙኃት ኢናሞ ስመይ ለጌዎን› እዩ ኢሉ መለሰ።

[10] ካብታ ዓዲ ኣውፂኡ ኸይሰዶም ከዓ ብዙኅ ለመኖ።

[11] እንሆ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ጸግዒ እምባ ብዙኅ መጓሰ ሓሰማታት ተዋፊረን ነበራ።

[12] ንሳቶም ከዓ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ ናብኣተን ክንኣቱ ኢሎም ለመንዎ።

[13] ኢየሱስ ድማ ፈቐደሎም፤ እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ኸዓ ካብቲ ሰብ ወፂኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እተን ክልተ ሽሕ ዝኣኽላ ሓሰማታት በርጊገን በቲ ጸድፊ ናብቲ ባሕሪ ጠሊቐን ሞታ።

[14] እቶም ጓሶት ድማ ሃደሙ፤ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከዓ ኣውረዩ፤ እቶም ሕዝብውን ነቲ ዝኾነ ነገር ክርእዩ ወፁ።

[15] ናብ ኢየሱስ ምስ መጹ ድማ እቲ ጋኔን ኂዝዎ ለጌዎን ኃዲርዎ ዝነበረ ሰብ ኮፍ ኢሉ ኽዳኑ ተኸዲኑ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረአይዎ እሞ ፈርኁ።

[16] እቶም ዝረአይዎ ድማ ነቲ ብዛዕባ እቲ ጋኔን ኃዲርዎ ዝነበረ ሰብን ብዛዕባ እተን ሓሰማታት ዝኾነ ነገርን ነገርዎም።

[17] ሽዑ እቶም ሕዝቢ ኻብ ዓዶም ክወጸሎም ክልምንዎ ጀመሩ።

[18] ኢየሱስ ናብ ጃልባ ኣናደየበ እንተሎ ድማ እቲ ጋኔን ኃዲርዎ ዝነበረ ሰብ ምስኡ ክኸይድ ለመኖ።

[19] ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሉን፤ ናብ ገዛኻን ናብ ወገናትካን ኪድ! እቲ እግዚኣብሔር ዝገበረልካን ዝመሓረካን ኲሉ ድማ ንገሮም! በሎ።

[20] ንሱ ኸዓ እቲ ኢየሱስ ዝገበረሉ ዂሉ ናብ ዴካፖሊስ ዝበሃል ከተማ ኸይዱ ኽነግር ጀመረ፤ ኲሎምውን ተገረሙ።

[21] ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ብጃልባ ናብ ማዕዶ ምስ ተሳገረ፤ ብዙኅ ሕዝቢ ናብ ወሰን ባሕሪ ናብኡ ተኣከበ።

[22] ኢያኢሮስ ዝስሙ ሓደ ኻብቶም መራሕቲ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ናብኡ መጸ፤ ምስ ረአዮ ኸዓ ኣብ እግሩ ተደፊኡ ሰገደሉ።

[23] ጓለይ ክትመውት ስለ ዝቐረበት ምእንቲ ኃውያ ብሕይወት ክትነብር መጺእኻ ኢድካ ኣንብረላ እናበለ ኣበርቲዑ ለመኖ።

[24] ኢየሱስ ድማ ምስኡ ኸደ፤ ብዙኅ ሕዝቢውን ሰዓቦ፤ ኣብ ዙርያኡውን ይደፋፍኡ ነበሩ።

[25] እንሆ ኸዓ ኻብ ዓሠርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈሳ ሰበይቲ ነበረት።

[26] ናብ ብዙኃት ሓኻይም ብምኻድ ብዙኅ ተሳቐየት፤ ኲሉ ገንዘባውን ወድአት፤ እንተኾነ ገደዳ ደኣ እምበር ኣይጠቐማን።

[27] -

[28] ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰምዐት ክዳኑ እንተ ነኺአ ኽሓዊ እየ፤ ኢላ ብማእኸል እቶም ሕዝቢ ኃሊፋ ብድኅሪኡ መጺኣ ኽዳኑ ነኽአት።

[29] እቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደማ ኸዓ ብቕጽበት ቆመ፤ ካብ ሕማማ ከም ዝሓወየትውን ተፈለጣ።

[30] ኢየሱስ ከዓ ሽዑ ኻብኡ ኃይሊ ኸም ዝወፀ ብውሽጡ ተፈሊጥዎ ናብቶም ሕዝቢ ግልጽ ኢሉ መን እዩ ኽዳነይ ዝነኽአ? በለ።

[31] ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሕዝቢ ናባኻ እንትጸቓቐጥ እናረአኻ መን እዩ ዝነኽአኒ ትብል ኣለኻ? በልዎ።

[32] ኢየሱስ ነቲ እዙይ ዝገበረ ንኽርኢ ምልስ ኢሉ ጠመተ።

[33] እታ ሰበይቲ ግና እቲ ኣብኣ ዝኾነ ስለ ዝፈለጠት ብፍርኃት እናንቀጥቀጠት መጺኣ ሰገደትሉ፤ ኲሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ።

[34] ንሱ ኸዓ ጓለይ እምነትኪ እያ ዘሕወየትኪ ብሰላም ኪዲ! ካብ ሕማምኪውን ሕወዪ! በላ።

[35] ኢየሱስ ገና እዙይ ኽዛረብ እንተሎ ካብቲ ገዛ መራሕ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ሰባት መጺኦም ጓልካ ሞይታ እያ፤ ደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር እተድክሞ? በልዎ።

[36] ኢየሱስ ከዓ እቲ ዝተዛረብዎ ሰሚዑ ነቲ መራሕ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣይትፍራኅ! እመን ደኣ! በሎ።

[37] እንትርፊ ጴጥሮስን ያዕቆብን ኃው ያዕቆብ ዮሓንስን ሓደኳ ኽስዕቦ ኣይፈቐደን።

[38] ናብ ገዛ እቲ መራሕ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ምስ ኣተዉ ኸዓ ብዙኃት ዘልቅሱን ዝበኽዩን ዋይ ዋይ ዝብሉን ረአየ።

[39] ኣትዩ ስለምንታይ ዋይ ዋይ ትብሉን ትበኽዩን? እዛ ቖልዓኮ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን፤ በሎም።

[40] ንሳቶም ከዓ ሰሓቕዎ፤ ንሱ ግና ንዂሎም ኣውፂኡ ነቦ እታ ቈልዓን ንኖኣን ነቶም ምስኡ ዝነበሩን ኂዙ ናብቲ እታ ቖልዓ ዘላቶ ኣተወ።

[41] ነታ ቖልዓ ብኢዳ ኂዙ ኸዓ ጣቢታ ቁሚ! በላ። ትርጓሜኡ ኣቲ ጓል ተሥኢ እብለኪ ኣለኹ! ማለት እዩ።

[42] እታ ጓል ድማ ብቕጽበት ተሢኣ ተዋሳወሰት፤ ዕድሚኣ ድማ ዓሠርተ ኽልተ ዓመት ነበረ። ሽዑ የመና ተገረሙ።

[43] ንሱ ኸዓ ነዙይ ሓደኳ ኸይፈልጦ ብጽኑዕ ኣዘዞም፤ ዝብላዕ ኽህብዋ ድማ ነገሮም።

ወንጌል ማርቆስ — Chapters