Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 7:52

[1] ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ናብ ዓዱ ኸደ፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ሰዓብዎ።

[2] ብሰንበት ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ክምህር ጀመረ፤ ብዙኃት ምስ ሰምዕዎ ድማ እዝ ዂሉ ኻበይ ረኸቦ? እዝ ጥበብ እዙይከ ካበይ ተውሃቦ? እዝ ብኢዱ ዝግበር ዘሎ ተኣምራትከ ካበይ ኮነሉ? እናበሉ ተገረሙ።

[3] እዙይስ እቲ ጸራቢ ወዲ ማርያምዶ ኣይኮነን? ኃው ያዕቆብን ዮሳን ይሁዳን ስምዖንንዶ ኣይኮነን? ኣኃቱስ ኣብዙይ ምሳና ዘለዋዶ ኣይኮናን? እናበሉ ብእኡ ተዓንቀፉ።

[4] ኢየሱስ ከዓ ነቢይ እንትርፊ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዓቕን እዩ፤ በሎም።

[5] ብዘይ እቶም ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም ውሑዳት ሕሙማት ኣብኡ ተኣምራት ኣይገበረን።

[6] በቲ ዘይምእማኖም ድማ ተገረመ፤ እናመሃረ ኸዓ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ዓድታት ተዘዋወረ።

[7] ኢየሱስ ነቶም ዓሠርተ ኽልተ ሓዋርያት ናብኡ ጸዊዑ በብኽልተ ገይሩ ለኣኾም፤ ኣብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስቲ ድማ ሥልጣን ሃቦም።

[8] ንመንገዲ ዝኸውን እንትርፊ በትሪ ስንቂ እንጀራ ወይ ከረጢት ኣብ ቅናውቶም ድማ ገንዘብ ከይሕዙ

[9] እንትርፊ ኣብ እግሮም ዘሎ ሣእኒ ኽልተ ኽዳውንቲ ኸይኅዙ ኣዘዞም።

[10] ከምዙይ ድማ በሎም፦ ካብኡ ኽሳዕ እትወፁ ኣብቲ ዝኣተኹምዎ ገዛ ተቐመጡ።

[11] ኣብቲ ዘይተቐበሉኹምን ወይ ዘይሰምዑ ኹምን ዓዲ ካብኡ ወፂእኹም ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ዓዲ እቲኣስ ንሰዶምን ገሞራን ከም ዝቐለለን እማን እብለኩም ኣለኹ።

[12] ንሳቶም ድማ ናብ ዓድታት ወፂኦም ኲሉ ኽንሳሕ ሰበኹ።

[13] ብዙኃት ኣጋንንትውን ኣውፅኡ፤ ንብዙኃት ሕሙማት ድማ ዘይቲ እናቐብኡ ኣሕወይዎም።

[14] ስም ኢየሱስ እምብዛ ገኒኑ ይውረ ስለ ዝነበረ ንጉሥ ሄሮድስ ሰምዐ። ገሊኦም ዮሓንስ መጥምቕ ካብ ምውታን ተሢኡ እዩ፤ ስለዙይ ከምዙይ ዝበለ ተኣምራት ብእኡ ይግበር ኣሎ፤ በሉ።

[15] ካልኦት ግና ኤልያስ እዩ፤ በሉ፤ ገሊኦም ከዓ ነቢይ እዩ፤ ወይ ድማ ሓደ ኻብቶም ነቢያት እዩ፤ በሉ።

[16] ሄሮድስ ግና ነዙይ ምስ ሰምዐ እዙይ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሓንስ እዩ፤ ንሱ ኻብ ምዉታን ተሢኡ እዩ፤ በለ።

[17] ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ኃዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ ብሰንካ ሓሻኽሩ ልኢኹ ንዮሓንስ ኂዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ።

[18] ምኽንያቱ ኸዓ ዮሓንስ ንሄሮድስ ሰበይቲ ኃውካ ኽተእቱ ኣይግብአካን! ይብሎ ስለ ዝነበረ እዩ።

[19] ሄሮድያዳ በዙይ ተቐይማ ኽተቕትሎ ትደሊ ነበረት፤ እንተኾነ ኣይከኣለትን።

[20] ዮሓንስ ቅዱስን ጻድቕን ሰብ ከም ዝኾነ ንጉሥ ሄሮድስ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ይፈርሖን ይሕልዎን ነበረ። ሄሮድስ ዘረባ ዮሓንስ እንትሰምዕ የመና ይጭነቕ ነበረ፤ እንተኾነ እናተሓጐሰ ደኣ ይሰምዖ ነበረ።

[21] ሄሮድስ ዝተወለደላ መዓልቲ ከኽብር ንመሳፍንቲ ንመኳንንቲ ንናይ ገሊላ ዓበይቲ ዓዲ ምሳሕ ምስ ገበረ ሽዑ ምችዊ መዓልቲ ኾነ።

[22] ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዐት፤ ንሄሮድስን ነቶም ምስኡ ኣብ ማእዲ ዝተቐመጡን ከዓ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉሥውን ነታ ጓል ዝደለኽዮ ጠይቕኒ እሞ ኽህበኪ እየ፤

[23] ክሳዕ ፍርቂ መንግሥተይ እንተ ኾነውን ዝጠየቕክኒ ኽህበኪ እየ፤ ኢሉ መሓለላ።

[24] እታ ጓል ድማ ወፂኣ ንኖኣ እንታይ ክጥይቖ? በለታ። ንሳ ኸዓ ርእሲ ዮሓንስ መጥምቕ በለታ።

[25] ሽዑ ቐልጢፋ ናብ ንጉሥ ኣትያ ርእሲ ዮሓንስ መጥምቅ ሕዚ ኣብ ጻሕሊ ጌርካ ሃበኒ፤ በለቶ።

[26] እቲ ንጉሥ ድማ የመና ኃዘነ፤ ምእንቲ ማሕላኡን ምእንቲ እቶም ምስኡ ተቐሚጦም ዝነበሩን ግና ኽኣብያ ኣይደለየን።

[27] ሽዑ እቲ ንጉሥ ሓደ ወታደር ልኢኹ ርእሲ ዮሓንስ ከምጽእ ኣዘዘ፤ ንሱ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሲ ዮሓንስ ሰየፈ።

[28] ነቲ ዝተቖረፀ ርእሱ ድማ ኣብ ጻሕሊ ገይሩ ነታ ጓል ሃባ፤ እታ ጓል ድማ ንኖኣ ሃበታ።

[29] ደቀ መዛሙርት ዮሓንስ ነዙይ ምስ ሰምዑ ኸይዶም ነቲ ሬሳኡ ወሲዶም ቀበርዎ።

[30] ሓዋርያት ድማ ናብ ኢየሱስ ተመሊሶም ዝገበርዎን ዝመሃርዎን ኲሉ ነገርዎ።

[31] እቶም ዝመጹን ዝኸዱን ብዙኃት ነበሩ እሞ ንምብላዕውን ጊዜ ስለ ዘይረኸቡ ኢየሱስ ንበይንኹም ቁሩብ ክተዕርፉ ናብ ጽምዊ ቦታ ንውፃእ ንዑ ናይ በሎም።

[32] ንሳቶም ከዓ ንበይኖም ብጃልባ ተሳጊሮም ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ።

[33] ክኸዱ እንተለዉ ብዙኃት ሕዝቢ ረአይዎምን ኣለለይዎምን። ካብ ኲለን ከተማታት ብእግሪ ናብኡ ጐየዩሞ ቐዲሞምዎም ኣብኡ በጽሑ።

[34] ኢየሱስ ካብ ጃልባ ምስ ወረደ ብዙኅ ሕዝቢ ረአየ። ጓሳ ከም ዘይብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ ራህረሀሎም፤ ብዙኅውን ክምህሮም ጀመረ።

[35] እዋን ምስ ኃለፈ ኸዓ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም እዝ ቦታ እዙይ በረኻ እዩ፤ ጊዜውን የመና መስዩ እዩ።

[36] ዝብላዕ ምግቢ የብሎምን እሞ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ቑሸታትን ዓድታትን ከይዶም ዝበልዕዎ ኽዕድጉ ኣሰናብቶም፤ በልዎ።

[37] ንሱ ግና ዝበልዕዎ ንስኻትኩም ሃብዎም! በሎም። ንሳቶም ድማ ኬድና ብኽልተ ሚእቲ ዲናር እንጀራ ዓዲግናዶ ኽበልዑ ኽንህቦም? በልዎ።

[38] ኢየሱስ ድማ ኽንደይ እንጀራ ኸም ዘለኩም ኪዱ ረአዩ፤ በሎም። ንሳቶም ከዓ ምስ ረአዩ ኃሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሣን ኣሎ በልዎ።

[39] ንዂሎም በብመሥርዖም እናሠርዑ ኣብ ለምለም ሣዕሪ ኸቐምጥዎም ኣዘዞም።

[40] እቶም ሕዝቢ ኸዓ ከከም መሥርዖም በብሚእትን በብኃምሳን ተቐመጡ።

[41] ኢየሱስ ነተን ኃሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሣን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ እናጠመተ ባረኸ፤ ቖሪሱውን ኸቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ከምኡውን እቲ ኽልተ ዓሣ ንዂሎም ኣከፋፈሎም።

[42] ኲሎም ድማ በሊዖም ጸገቡ።

[43] ድኅርዙይ ደቀ መዛሙርቱ ዓሠርተ ኽልተ ቝርስራስ ዝመልአ መሶብ ኣልዓሉ፤ ካብቲ ዓሣ ድማ ኸምኡ።

[44] እቶም እንጀራ ዝበልዑ ኸዓ ኃሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ።

[45] ሽዑ ነቶም ሕዝቢ ኽሳዕ ዘሰናብት ንደቀ መዛሙርቱ ብቕልጡፍ ኣብ ጃልባ ኣትዮም ናብ ማዕዶ ቤተ ሳይዳ ክቕድምዎ ኣዘዞም።

[46] ምሰሰናበቶም ካብኡ ኃሊፉ ኽጽሊ ናብ እምባ ደየበ።

[47] እዋኑ ምስ መሰየ እታ ጃልባ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ነበረት። ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ።

[48] ንፋስ ብቕድሚኦም ነበረ እሞ እናቐዘፉ እንተለዉ ኽጭነቑ ረአዮም። ከባቢ ትሽዓተ ሰዓት ናይ ለይቲ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ብእግሩ እናኸደ ናብኣቶም በጽሐ፤ ክኃልፎምውን ደለየ።

[49] ንሳቶም ግና ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ብእግሩ እንትኸይድ ምስ ረአይዎ ምትሃት መሲልዎም ኣእወዩ።

[50] ኲሎም ምስ ረአይዎ ደንገፁ። ኢየሱስ ግና ኣይዞኹም! ኣነ እየ! ኣይትፍርኁ! በሎም።

[51] ናብታ ንሳቶም ዝነበርዋ ጃልባ ኸዓ ደየበ፤ እቲ ንፋስ ድማ ሃድአ፤ ንሳቶምውን የመና ተገረሙን ተደነቑን።

[52] ልቦም ተደፊኑ ስለ ዝነበረ ነቲ ናይ እንጀራ ተኣምራት ኣየስተውዓልዎን።

[53] ነቲ ባሕሪ ምስ ተሳገሩ ናብ ምድሪ ጌንሴሬጥ መጺኦም ነታ ጃልባ ኣብ ወሰን ኣጸጊዖም ኣቖምዋ።

[54] ካብ ጃልባ ምስ ወፁ እቶም ሕዝቢ ሽዑ ንሽዑ ኣለለይዎ።

[55] ኣብ ኲላ እታ ሃገር እናጐየዩ ኢየሱስ ኣሎ ተባሂሉ፤ ናብ ዝሰምዑ ሉ ቦታ ሕሙማት ብዓራታት እናፆሩ ናብኡ ኸምጽኡ ጀመሩ።

[56] ኣብ ዝኣተዎ ዂሉ ኣብ ዓድታት ኣብ ከተማታት ኣብ ቊሸታት ነቶም ሕሙማት ኣብ ዕዳጋታት የቐምጥዎም እሞ ዘፈር ክዳኑ ጥራሕ ክነክኡ ይልምንዎ ነበሩ፤ እቶም ዝነኽእዎውን ኲሎም የሓውዩ ነበሩ።

ወንጌል ማርቆስ — Chapters