Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:32

[1] ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ኢየሩሳሌም ንምእታው ጥቓ ደብረ ዘይት ናብ ዘለዋ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ምስ ቀረቡ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ።

[2] ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ ናብኣ ምስ ኣተኹም ሰብ ዘይተቐመጦ እሱር ጻዕቢ ኽትረኽቡ ኢኹም፤ ፈቲሕኹም ኣምጽኡለይ።

[3] ዝኾነ ሰብ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም እንተ በለኩም ጐይታ ይደልዮ ኣሎ› በሉ፤ ሽዑ ኽሰዶ እዩ በሎም።

[4] ምስ ከዱ ኸዓ ነቲ ጻዕቢ ኣብ ደገ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተኣሲሩ ረኺቦም ፈትሕዎ።

[5] ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ገሊኦም ነቲ ጻዕቢ ንምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም? በልዎም።

[6] ንሳቶም ድማ ኸምቲ ኢየሱስ ዝበሎም በልዎም እሞ ኃደግዎም።

[7] ነቲ ጻዕቢ ናብ ኢየሱስ ወሰድዎ፤ ክዳውንቶምውን ጐዝጐዙሉሞ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ።

[8] ብዙኃት ኣብቲ መንገዲ ኽዳውንቶም ጐዝጐዙ። ካልኦትውን ካብ ኣእዋም ጨናፍር እናሰልዑ ይንስንሱ ነበሩ።

[9] እቶም ዝመርሑን እቶም ዝስዕቡን ድማ ሆሣዕና! ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ቡሩኽ እዩ!

[10] እታ እትመጽእ ዘላ መንግሥቲ ኣቦና ዳዊትውን ብርኽቲ እያ፤ ሆሣዕና ኣብ ኣርያም! እናበሉ ይጸርሑ ነበሩ።

[11] ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሐ ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ፤ ኣብ ዙርያኡ ግልጽ እናበለ ንዂሉ ምስ ረአየ መስዩ ነበረ እሞ ምስቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ቢታንያ ኸደ።

[12] ንጽባሒቱ ካብ ቢታንያ ኽወፁ እንተለዉ ኢየሱስ ጠመየ።

[13] ብርኁቕ ድማ ቖጻል በለስ ረአየ፤ ምናልባሽ ፍረ እንተ ረኸበላ ኽርኢ ናብኣ ኸደ፤ ኣብኣ ምስ በጽሐ ኸዓ ጊዜ በለስ ስለ ዘይነበረ እንትርፊ ቖጽሊ ፍረ ኣይረኸበላን።

[14] ኢየሱስ ደጊም ካባኺ ሓደኳ ንዘለዓለም ፍረ ኣይብላዕ! በላ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ።

[15] ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ነቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ኮይኖም ዝሸጡን ዝዕድጉን ንዝነበሩ ኽሰጎም ጀመረ። ጠረጴዛ መሽረፍትን መደርደሪ ሸየጥቲ ርግብን ገምጠለ።

[16] ሓደኳ ኣቕሓ ፆይሩ በታ ቤተ መቕደስ ከይኃልፍ ከልከለ።

[17] ገዛይ ንዂሎም ኣሕዛብ ቤተ ጸሎት ተብሂሉ ኽጽዋዕ እዩ!› ዝብል ጽሑፍዶ የለን እዩ? ንስኻትኩም ግና በዓቲ ኸተርቲ ገበርክምዎ፤ በሎም።

[18] ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ሰሚዖም ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ይሓስቡ ነበሩ። እንተኾነ ዂሉ ሕዝቢ ብትምህርቱ ይድነቑ ስለ ዝነበሩ ፈርኅዎ።

[19] ምስ መሰየ ድማ ኻብታ ኸተማ ወፀ።

[20] ንግሆ ኽኃልፉ እንተለዉ እታ በለስ ካብ ሡራ ነቒጻ ረአይዋ።

[21] ጴጥሮስ ድማ ዘከረ እሞ መምህር! እኒሃ እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻ በሎ።

[22] ኢየሱስ ከዓ፦ ብእግዚኣብሔር እመኑ!

[23] ብልቡ እንተይተጠራጠረ እቲ ዝልምኖ ኸም ዝፍጸም ዝኣምን ኲሉ ነዝ እምባ እዙይ ካብዙይ ተልዒልካ ናብቲ ባሕሪ ተወርወር፤› እንተበሎ ከም ዝኾነሉ እማን እብለኩም ኣለኹ።

[24] ስለዙይ ኲሉ እትጽልይዎን እትልምንዎን ከም ዝተቐበልኩምዎ እመኑ እሞ ክኾነልኩም እዩ እብለኩም ኣለኹ።

[25] ክትጽልዩ እንተለኹም ከዓ ሰማያዊ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኽኃድገልኩም ንብጻይኩም ዝተቐየምኩምዎ እንተልዩ ኅደጉሉ።

[26] ንስኻትኩም ይቕረ እንተዘይልኩም ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹምውን በደልኩም ይቕረ ኣይብለልኩምን እዩ፤ በሎም።

[27] መሊሶም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ፤ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ክመላለስ እንተሎ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ዓበይትን ናብኡ መጹ።

[28] በየናይ ሥልጣን እዝ ነገራት እዙይ ትገብር ኣለኻ? ወይ ከዓ ነዝ ነገራት እዙይ ኽትገብር ሥልጣን ዝሃበካኸ መን እዩ? በልዎ።

[29] ኢየሱስ ድማ ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም መልሱለይ፤ ኣነውን በየናይ ሥልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ።

[30] ጥምቀት ዮሓንስ ካብ ሰማይ ድዩ ነይሩ ወይ ካብ ሰብ? እስኪ መልሱለይ፤ በሎም።

[31] -

[32] ንሳቶም ከዓ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ ከመይ ደኣ ዘይኣመንክምዎ ኽብለና እዩ፤ ካብ ሰብዶ ኽንብሎ? በሉ። እንተኾነ እቶም ሕዝቢ ዂሎም ንዮሓንስ ከም ነቢይ ይሪእዎ ስለዝነበሩ ነቲ ሕዝቢ ፈርኁ።

[33] ስለዙይ ኣይንፈልጥን ኢሎም መለሱሉ፤ ኢየሱስ ከዓ ኣነውን በየናይ ሥልጣን ነዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን በሎም።

ወንጌል ማርቆስ — Chapters