Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:57

[1] ፈሪሳውያንን ካብ ኢየሩሳሌም ዝመጹ መምህራን ሕግን ናብኡ ተኣከቡ።

[2] ገሊኦም ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኣእዳዎም እንተይተሓጸቡ እንጀራ እንትበልዑ ረአይዎም።

[3] ኲሎም ፈሪሳውያንን ኣይሁድን ሥርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኽሕልዉ ኣእዳዎም ኣጸቢቖም እንተይተሓጸቡ ኣይበልዑ ን ነበሩሞ።

[4] ካብ ዕዳጋ እንትምለሱውን ኢዶም እንተይተሓጸቡ ኣይበልዑ ን ነበሩ፤ ካልእውን ብዙኅ ከም ምሕጻብ መሳተያን ኣቑሑ ገዛን ዓታሩን ዓራታትን ዝመስል ክሕልውዎ ዝወረስዎ ልማድ ነበሮም።

[5] መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ሥርዓት ዓበይቲ ዘይሕልዉ? ኣእዳዎም እንተይተሓጸቡኸ እንጀራ ዝበልዑ ? ኢሎም ጠየቕዎ።

[6] -

[7] ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ ኣቱም ግብዛት! ከምቲ ጽሑፍ እዝ ሕዝቢ እዙይ ብኸናፍሩ የኽብረኒ ልቡ ግና ኻባይ የመና ዝረሓቐ እዩ! ግና ትምህርቲ ሥርዓት ሰብ እናመሃሩ ብኸንቱ የምልኹኒ!› ኢሉ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ።

[8] ትእዛዝ እግዚኣብሔር ኃዲግኩም ሥርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣለኹም ከም ምሕጻብ መሳተያን ካልእ ኣቑሑ ገዛን ካልእ ድማ ነዙይ ዝመስልን ትገብሩ ኣለኹም።

[9] ናይ ባዕልኻትኩም ሥርዓት እናሓለኹም ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝ ክትጥሕሱ ግቡእ ድዩ?

[10] ሙሴ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ሕማቕ ቃል ዝተዛረበ ብርግጽ ይሙት፤› ኢሉ ኣሎ።

[11] ንስኻትኩም ግና ኸምዙይ ትብሉ፦ እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ እቲ ካባይ ዝግብአኩም ሓገዝ ቊርባን እዩ፤› ማለት መባእ ይኹነለይ እንተ በሎም

[12] ደጊም ነቦኡ ወይ ንኖኡ ሓደ ነገርኳ ኽገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም።

[13] ስለዙይ ድማ ነቲ ዝሠራዕኹምዎ ሥርዓት ክትብሉ ቓል እግዚኣብሔር ትጥሕሱ ኣለኹም፤ ከምኡውን ነዙይ ዝመስል ብዙኅ ትገብሩ ኣለኹም።

[14] ኢየሱስ መሊሱ ነቶም ሕዝቢ ናብኡ ጸዊዑ ፦ ኲልኹም ስምዑ ፤ ኣስተውዕሉውን።

[15] ካብ ሰብ ዝወፅእ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር ካብ ወፃኢ ናብ ሰብ ዝኣቱስ ከርክሶ ኣይኽእልን እዩ፤

[16] ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ! በሎም።

[17] ካብቶም ሕዝቢ ተፈልዩ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዝ ምስላ እዙይ ጠየቕዎ።

[18] ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ ንስኻትኩምውንዶ ክሳዕ ክንድዙይ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? ካብ ወፃኢ ናብ ኣፍ ሰብ ዝኣቱ ዂሉ ንሰብ ከም ዘየርክሶ ኣይትፈልጡን ዲኹም?

[19] ብኸብዲ ኣቢሉ ንደገ እዩ ዝወፅእ እምበር ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ። ብዙይ ድማ ኢየሱስ ምግቢ ዂሉ ንጹህ ምዃኑ ገለጸ።

[20] ከምዙይ ድማ በሎም፦ ንሰብ ዘርክሶ እቲ ኻብ ሰብ ዝወፅእ እዩ።

[21] ካብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ምንዝርና ስርቂ ቕትለት

[22] ዝሙት ምኽታር ስስዐ ተንኰል ስድነት ቅንኢ ሓሜት ትዕቢት ስንፍና ይወፅእ።

[23] እዝ ዂሉ ኽፋእ ካብ ውሽጢ እዩ ዝወፅእ፤ ንሰብ ከዓ የርክሶ።

[24] ካብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ሓደኳ ኽፈልጦ ኣይደለየን፤ እንተኾነ ኽኅባእ ኣይከኣለን።

[25] ሽዑ ኸዓ ጓላ ርኹስ መንፈስ ዝኃደራ ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባኡ ሰሚዓ መጸት፤ ኣብ እግሩ ተደፊኣውን ሰገደትሉ።

[26] እታ ሰበይቲ ኣብ ሲሮፊንቂያ ዝተወልደት ግሪካዊት ነበረት። ካብ ጓላ ጋኔን ከውፅአላ ድማ ለመነቶ።

[27] ኢየሱስ ድማ እንጀራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኮነን እሞ ኅደጊ! ቅድም እቶም ውሉድ ይጽገቡ፤ በላ።

[28] ንሳ ድማ እወ ጐይታይ! ኣኽላባትውን እንተኾኑ ኣብ ትሕቲ ማእዲ ኾይኖም ዝወደቐ ርፍራፍ ውሉድ ይበልዑ እዮም፤ ኢላ መለሰትሉ።

[29] ንሱ ድማ እዝ ቓል እዙይ ብምባልኪ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወፂኡ እዩ እሞ ኺዲ! በላ።

[30] ናብ ገዝኣ ምስ ተመለሰት ድማ እቲ ጋኔን ወፂኡ እታ ጓላውን ኣብ ዓራት ከፍ ኢላ ረኸበታ።

[31] መሊሱ ካብ ሃገር ጢሮስ ወፂኡ ብሲዶና ገይሩ ብማእኸል ዴካፖሊስ ዝብሃል ዓዲ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ።

[32] ሓደ ጸማምን በሃምን ናብኡ ኣምጺኦም ኢዱ ኸንብረሉ ለመንዎ።

[33] ካብቶም ሕዝቢ ንበይኑ ፍልይ ኣቢሉ ድማ ኣፃብዕቱ ኣብ ኣእዛኑ ኣንበረ፤ እንትፍ ኢሉውን ንመልሓሱ ነኽኦ።

[34] ናብ ሰማይ ቈላሕ ኢሉ ብርህራሄ ኣተንፊሱ ኸዓ ኤፍታሕ! በለ፤ ንሱውን ተኸፈት! ማለት እዩ።

[35] ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፍታ፤ ልሳኑ ድማ ተፈትሐ፤ ኣጽርዩውን ተዛረበ።

[36] ንሓደኳ ኸይነግሩ ብጽኑዕ ኣጠንቀቖም፤ እቶም ሕዝቢ ግና ብመጠን እቲ ዝኸልከሎም ኣብዚሖም ኣውረዩ።

[37] ንሳቶም ከዓ እዝ ሰብዙይ ዝገበሮ ዂሉ ሠናይ እዩ፤ ንጸማማት ክሰምዑ ንበሃማት ክዛረቡ ይገብሮም፤ እናበሉ የመና ይግረሙ ነበሩ።

ወንጌል ማርቆስ — Chapters