[1] ቀጺሉውን ኢየሱስ ኣብዙይ ቆይሞም ካብ ዘለዉ ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ብኃይሊ ኽትመጽእ እንተላ ኽሳዕ ዝርእይዋ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ እማን እብለኩም ኣለኹ፤ በሎም።
[2] ድኅሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸዓ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ያዕቆብን ዮሓንስን ንበይኖም ወሲዱ ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦም፤ ኣብ ቅድሚኦምውን ትርኢቱ ተለወጠ።
[3] ክዳኑ ድማ ኬርና ኣንጸባረቐ፤ ኣብ ምድሪ ሓደ ሓጻባይ ከምኡ ገይሩ ኸፃዕድዎ ክሳዕ ዘይኽእል ከዓ ፃዕደወ።
[4] ሽዑ ሙሴን ኤልያስን ምስ ኢየሱስ እናተዘራረቡ እንተለዉ ተርአይዎም።
[5] ጴጥሮስ ከዓ ንኢየሱስ መምህር! ንኣና ኣብዙይ ምንባር ጽቡቕ እዩ፤ ሓደ ንኣኻ ሓደ ንሙሴ ሓደ ንኤልያስ ሠለስተ ዳስ ንሥራሕ! በሎ።
[6] የመና ደንጊፆም ስለ ዝነበሩ እቲ ዝብሎ ኣይፈልጥን ነበረ።
[7] ብሩህ ደመና መጺኡ ድማ ሸፈኖም፤ ካብቲ ደመና ኸዓ እዙይ እቲ ዝፈትዎ ወደይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ! ዝብል ድምፂ መጸ።
[8] ብድንገት ኣብ ዙርያኦም ቈላሕ እንተ በሉ ኸዓ ኢየሱስ በይኑ እምበር ሓደኳ ምስኣቶም ኣይረአዩን።
[9] ካብ እምባ ኽወርዱ እንተለዉ ድማ ወዲ ሰብ ካብ ሞት ምስ ተሥአ እንተ ዘይኮይኑ ነቲ ዝረአይዎ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።
[10] ነቲ ቓል ኣብ ልቦም ዓቝሮም ካብ ሞት ምትሣእ ማለት እንታይ ማለት እዩ? እናበሉ ድማ ንስንሳቶም ተዘራረቡ።
[11] ንሳቶም ከዓ ስለምንታይ ደኣ መምህራን ሕጊ ቕድም ኤልያስ ክመጽእ ኣለዎ› ዝብሉ? ኢሎም ጠየቕዎ።
[12] -
[13] ንሱ ኸዓ ኤልያስ ብርግጽ ኣቐዲሙ ኽመጽእ እዩ፤ ንዂሉውን ከቃንዕ እዩ፤ ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ብዙኅ መከራ ኸም ዝቕበልን ከም ዝነዓቕን ስለምንታይ ድዩ ተጽሒፉ ኣሎ? ኣነ ግና ኤልያስ ብርግጽ መጺኡ እዩ፤ ከምቲ ብዛዕባኡ ተጽሒፉ ዘሎ ድማ ዝደለይዎ ዂሉ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝገበሩ እብለኩም ኣለኹ በሎም።
[14] ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መጸ ድማ ብዙኅ ሕዝቢ ኸቢብዎም መምህራን ሕጊውን ክከራኸርዎም እንተለዉ ረአየ።
[15] ሽዑ እቶም ሕዝቢ ምስ ረአይዎ ደንገፁ፤ ናብኡ ጐይዮም ከዓ ሰላም በልዎ።
[16] ነቶም መምህራን ሕጊ ድማ ብዛዕባ እንታይ ትከራኸርዎም ኣለኹም? ኢሉ ጠየቖም።
[17] ሓደ ኻብቶም ሕዝቢ ኸዓ መምህር! ንወደይ በሃም ጋኔን ስለ ዝኃዞ ናባኻ ኣምጺአዮ ኣለኹ።
[18] ክለዓሎ እንተሎ የውድቖ፤ የዕፍሮ፤ ኣስናኑውን ይሕርቅም፤ ይነቅጽውን፤ ንደቀ መዛሙርትኻ ኸውፅእዎ ጠይቐዮምስ ኣይከኣሉን፤ በሎ።
[19] ንሱ ኸዓ ኣታ ዘይኣምን ትውልዲ! ኽሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሠኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምጽእዎ! በሎም።
[20] ናብኡ ድማ ኣምጽእዎ፤ እቲ ርኹስ መንፈስ ምስ ረአዮ ሽዑ ንሽዑ ናብ ምድሪ ነጽሖ፤ ኣንፈርፈረ፤ ዓፈረውን።
[21] ኢየሱስ ድማ ነቦኡ ካብ መኣዝ ጀሚሩ እዩ ዝኃዞ? ኢሉ ጠየቖ፤ ንሱ ኸዓ ካብ ንእስነቱ እዩ፤
[22] ክቐትሎ ደልዩ ኸዓ ብዙኅ ሻዕ ኣብ ኃውን ኣብ ማይን የውድቖ፤ ትኽእል እንተኾይንካ ራህርሀልና! ርድአናውን! በሎ።
[23] ኢየሱስ ድማ ትኽእል እንተኾይንካዶ ትብል ኣለኻ? ንዝኣምን ኲሉ ይከኣል እዩ በሎ።
[24] ሽዑ ኣቦ እቲ ቖልዓ ኣኣምን እየ፤ ግና ጕድለት እምነተይ ክርሕቐለይ ደግፈኒ! እናበለ ጸርሐ።
[25] ኢየሱስ እቶም ሰብ ናብኡ እንትጐዩ ምስ ረአየ ነቲ ርኹስ መንፈስ ኣታ በሃምን ጸማምን መንፈስ እእዝዘካ ኣለኹ፤ ካብኡ ውፃእ! ድኅሪ ደጊም ናብኡ ኣይትእቶ! እናበለ ገሠጾ።
[26] እቲ ርኹስ መንፈስ ገዓረ፤ ነቲ ቖልዓ ድማ ፈርፈር ኣቢልዎ ወፀ። ብዙኃት ሞይቱ ክሳዕ ዝብሉ ኸዓ ከም ሬሳ ኾነ።
[27] ኢየሱስ ድማ ብኢዱ ኂዙ ኣተሥኦ፤ ንሱውን ተሥአ።
[28] ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ደቀ መዛሙርቱ ንበይንቶም ኮይኖም ስለ ምንታይ ንሕና ምውፃኡ ዝሰኣንና? ኢሎም ጠየቕዎ።
[29] ንሱ ኸዓ እዝ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ርኹስ መንፈስ ብጾምን ብጸሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ፤ በሎም።
[30] ካብኡ ወፂኦም ብገሊላ ኃለፉ፤ ኢየሱስ ነዝ ነገርዙይ ሓደኳ ኽፈልጦ ኣይደለየን።
[31] ንደቀ መዛሙርቱውን ንወዲ ሰብ ናብ ኢድ ሰብ ኣኅሊፎም ክህብዎ ክቐትልዎ እዮም፤ ምስ ተቐትለ ድማ ብሣልሰይቲ መዓልቲ ኽትሥእ እዩ፤ ኢሉ ይምህሮም ስለ ዝነበረ እዩ።
[32] ንሳቶም ግና ነቲ ዝበሎም ቃል ኣየስተውዓልዎን፤ ከይጥይቕዎ ድማ ፈርኁ።
[33] ኣብ ቅፍርናሆም በጺሑ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ኸዓ ኣብ መንገዲ እትካትዑ ሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ? ኢሉ ጠየቖም።
[34] ንሳቶም ከዓ ኣብ መንገዲ መን ከም ዝዓቢ ንስንሳቶም ይካትዑ ነበሩ እሞ ስቕ በሉ።
[35] ኢየሱስ ምስ ተቐመጠ ድማ ነቶም ዓሠርተ ኽልተ ጸዊዑ እቲ ሓለቓ ክኸውን ዝደሊ ትሕቲ ዂሉን ኣገልጋሊ ዂሉን ይኹን፤ በሎም።
[36] ሓደ ቖልዓ ወሲዱ ድማ ኣብ ማእኸሎም ኣቖሞ፤ ሓቝፉ ኸዓ፦
[37] ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ቖልዑ ንሓደ ብስመይ ዝቕበል ንኣይ እዩ ዝቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ከዓ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር ንኣይ ኣይኮነን ዝቕበል፤ በሎም።
[38] ዮሓንስ ንኢየሱስ መምህር! ሓደ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ ምሳና ስለ ዘይተኸተለካ ኸልኪልናዮ፤ በሎ።
[39] ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በለ፦ ብስመይ ተኣምራት ዝገብር ሽዑ ንሽዑ ድማ ብኣይ ክፉእ ክዛረብ ዝኽእል የለንሞ ኣይትኸልክልዎ።
[40] ዘይቃወመና ዂሉ ምሳና እዩ።
[41] ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ስለ ዝኾንኩም ጽዋዕ ማይ ብስመይ ዘስትየኩም ኲሉ ዓስቡ ኸም ዘይስእን እማን እብለኩም ኣለኹ።
[42] ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ኣናእሽተይ ንሓደ ዘስሕት እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ እንተዝሰጥም ምሐሾ ነይሩ።
[43] -
[44] ኢድካ እንተስሓተትካ ቝረጻ፤ ምስ ክልተ ኢድካ ናብቲ ሓሰኻኡ ዘይመውት ኃዉውን ዘይጠፍእ ናብ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ ቈራጽ ኴንካ ናብ ሕይወት ምእታው ይሕሸካ።
[45] -
[46] እግርኻ እንተስሓተትካውን ቊረጻ፤ ምስ ክልተ እግርኻ ሓሰኻኡ ናብ ዘይመውት ሓዉውን ናብ ዘይጠፍእ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ ሓንካስ ኴንካ ናብ ሕይወት ምእታው ይሕሸካ።
[47] -
[48] ዓይንኻ እንተስሓተትካ ጐጥጕጥካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ዓዒንትኻ ናብቲ ሓሰኻኡ ዘይመውት ሓዉውን ዘይጠፍእ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ ነቛር ኴንካ ናብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ምእታው ይሕሸካ።
[49] ኲሉ ብሓዊ እዩ ዝምቅር ኲሉ መሥዋዕቲ ድማ ብጨው እዩ ዝምቅር።
[50] ጨው ጽቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ ብምንታይ ተመቅርዎ? እምበኣር ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩምውን ተሰማሚዕኹም ብሰላም ንበሩ።