Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 10:25

[1] ፋሲካን በዓል ቅጫን ክኸውን ክልተ መዓልቲ ተሪፍዎ ነበረ። ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ንኢየሱስ ብተንኰል ኂዞም ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ።

[2] እንተኾነ ኣብ ሕዝቢ ሁከት ከይለዓልስ ብበዓል ኣይኹን፤ በሉ።

[3] ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ ኣብ እንዳ ስምዖን እቲ ለምጻም ኣብ ማእዲ ተቐሚጡ እንተሎ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙኅ ዝዋጋኡ ብጽሩይ ናርዶስ ዝተሰናደወ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሠርሐ ብልቃጥ ኂዛ መጸት፤ ነቲ ብልቃጥ ሰይራ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።

[4] ገሊኦም ዀሪዮም እዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ጥፍኣት ምዑ ዝ ሽቱ ንምንታይ እዩ?

[5] እዝ ሽቱ እዙይ ካብ ሠለስተ ሚእቲ ዲናር ንላዕሊ ተሸይጡ ንድኻታትዶ ግዳ ኣይምተውሃበን ነይሩ! በሉ። ንኣኣውን ነቐፍዋ።

[6] ኢየሱስ ግና ነዛ ሰበይቲ ስለምንታይ ተጕህይዋ ኣለኹም? ኅደግዋ፤ ሠናይ ግብሪ እያ ዝገበረትለይ።

[7] ድኻታትስ ዂልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ሠናይ ግብሪ ኽትገብሩሎም እንተ ደሊኹም ትኽእሉ ኢኹም። ንኣይ ግና ዂልሻዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም።

[8] እዚኣ ዝከኣላ እያ ዝገበረት፤ ኣቐዲማውን ንቐብረይ ሰብነተይ ቀብአት።

[9] እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ዝተሰብኮ ኣብ ኲሉ ዓለም እዝ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር እማን እብለኩም ኣለኹ፤ በሎም።

[10] ካብቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ሓደ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ንኢየሱስ ኣኅሊፉ ኽህቦም ናብ ሊቃነ ካህናት ከደ።

[11] ንሳቶም ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ገንዘብ ክህብዎ ተስማምዑ ፤ ንሱ ድማ ኣኅሊፉ ኽህቦም ምችዊ እዋን ይደሊ ነበረ።

[12] በታ በጊዕ ፋሲካ ዝሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ ደቀ መዛሙርቱ ድራር ፋሲካ ኽትበልዕ ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ? በልዎ።

[13] ኢየሱስ ድማ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ ናብ ከተማ ኺዱ፤ ኣብኡ ዕትሮ ማይ ዝተሰከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ንእኡ ሰዓብዎ።

[14] ናብታ ዝኣትዋ ገዛ ኺዱሞ ነቲ በዓል ገዛ መምህር ምስ ደቀ መዛሙርተይ ድራር ፋሲካ ዝበልዐላ መዕረፊ ጋሻ ኣበይ እያ? ይብለካ ኣሎ፤› በልዎ።

[15] ንሱ ኸዓ ኣብ ደብሪ ዝተነጸፈን ዝተዳለወን ዓብዪ ኣዳራሽ ከርእየኩም እዩ፤ ኣብኡ ኣዳልዉልና በሎም።

[16] እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብታ ኸተማ ኸይዶም ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ፤ ኣብኡውን ድራር ፋሲካ ኣሰናደዉ።

[17] ምስ መሰየ ኢየሱስ ምስቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸደ።

[18] ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እናበልዑ እንተለዉ ኢየሱስ ሓደ ካባኻትኩም እቲ ምሳይ ዝበልዕ ዘሎ ከም ዘትኅዘኒ እማን እብለኩም ኣለኹ በሎም።

[19] ንሳቶም ኸዓ ኽኃዝኑ ጀመሩ፤ በብሓደውን ኣነ ደኾን እኸውን? በሉ።

[20] ኢየሱስ ከዓ ሓደ ኻብቶም ዓሠርተ ኽልተ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዝጸብሕ እዩ፤ በሎም።

[21] ወዲ ሰብስ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተጽሓፈ ኽመውት እዩ፤ እቲ ንወዲ ሰብ ዘትኅዞ ግና ወይልኡ! እቲ ሰብ እቱይስ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ! በሎም።

[22] እናበልዑ እንተለዉ ኢየሱስ ኅብስቲ ኣልዒሉ ባረኸ፤ ቖሪሱ ኸዓ እንኩ እዙይ ሥጋይ እዩ ኢሉ ሃቦም።

[23] ከምኡውን ጽዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ሃቦም፤ ኲሎምውን ካብኡ ሰተዩ።

[24] ንሱ ኸዓ እዙይ ምእንቲ ብዙኃት ዝፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ።

[25] ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ከም ብሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ ካብዝ ፍረ ወይኒ እዙይ ደጊመ ኸም ዘይሰቲ እማን እብለኩም ኣለኹ፤ በሎም።

[26] መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ኸዓ ናብ ደብረ ዘይት ደየቡ።

[27] ኢየሱስ ከዓ ነቲ ጓሳ ክቐትሎ እየ፤ እተን ኣባጊዕ ኸዓ ኽብተና እየን፤› ዝብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ በዛ ለይቲ እዚኣ ዂልኹም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም።

[28] ምስ ተሣእኩ ግና ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ፤ በሎም።

[29] ጴጥሮስ ድማ ዂሎም እኳ እንተ ኸሓዱኻ ኣነስ ከቶ ኣይክሕደካን እየ! በሎ።

[30] ኢየሱስ ከዓ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኽልተ ሻዕ እንተይነቀወ ሠለስተ ሻዕ ኸም እትኽሕደኒ እማን እብለካ ኣለኹ፤ በሎ።

[31] ጴጥሮስ ሽዑ ምሳኻ ደኣ እመውት እምበር ፈጺመ ኣይክሕደካን እየ! እናበለ የመና ኣትሪሩ ተዛረበ፤ ኲሎምውን ከምኡ በሉ።

[32] ጌቴሴማኒ ናብ እትበሃል ቦታ መጹ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ኣብቱይ ከይደ ኽሳዕ ዝጽሊ ኣብዙይ ጽንሑ፤ በሎም።

[33] ንጴጥሮስን ያዕቆብን ዮሓንስን ምስኡ ተማሊኡ ኸዓ ኽኃዝንን ክትክዝን ጀመረ።

[34] ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኃዚና ኣላ ኣብዙይ ጽንሑ፤ ትግሁውን!

[35] ቁሩብ ንቕድሚት ፈንተት ኢሉ ድማ ዝከኣል እንተ ኾይኑስ እታ ሰዓት ካብኡ ኽትኃልፍ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ጸለየ።

[36] ኣባ! ኣቦይ! ኲሉ ይከኣለካ እዩ፤ ነዛ ናይ መከራ ጽዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣኅልፋ፤ ግና ፍቓደይ ዘይኮነስ ፍቓድካ ይኹን፤ በለ።

[37] ተመሊሱ ኸዓ ደቂሶም ረኸቦም፤ ንጴጥሮስ ድማ ስምዖን! ደቂስካዶ? ሓንቲ ሰዓት እኳ ኽትነቅሕዶ ኣይከኣልካን?

[38] ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ ተጊህኹም ጸልዩ፤ መንፈስ ድልዊ እዩ፤ ሥጋ ግና ድኹም እዩሞ፤ በሎ።

[39] ከምኡውን ከይዱ ኸምቲ ቕድም ዝጸለዮ ጸለየ።

[40] ካልኣይ ምስ ተመለሰ ኸዓ ኣዒንቶም ባዕዚዘን ነበራ እሞ ደቂሶም ረኸቦም፤ እንታይ ከም ዝምልሱሉ ድማ ኣይፈልጡን ነበሩ።

[41] ንሣልሳይ ጊዜ መጺኡ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ ሕዚውንዶ ደቂስኩምን ዓሪፍኩምን ኣለኹም? ደጊም የኣክል! እታ ሰዓት በጺሓ እያ! እንሆ ንወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ኃጥኣን ኣኅሊፎም ክህብዎ እዮም።

[42] ተልዓሉ! ንኺድ! እንሆ እቲ ዘትኅዘኒ ቐሪቡ ኣሎ! በሎም።

[43] ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ ሽዑ ንሽዑ ካብቶም ዓሠርተ ኽልተ ሓደ ዝኾነ ይሁዳ መጸ። ምስኡውን ካብ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ዝተልኣኹ ኣስይፍትን ኣብትርትን ዝኃዙ ብዙኃት ሰባት ነበሩ።

[44] እቲ ዘትኅዞ ኸዓ እቲ ኣነ ዝስዕሞ ንሱ እዩ፤ ኣጽኒዕኹም ኂዝኩም ውሰድዎ፤ ኢሉ ምልክት ሂብዎም ነበረ።

[45] ሽዑ ይሁዳ መጺኡ ናብኡ ቐሪቡ መምህር! ኢሉ ሰዓሞ።

[46] ንሳቶም ኸዓ ኃዝዎ።

[47] ካብቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓደ ንሓሽከር ሊቀ ካህናት ሰይፉ መዚዙ ወቕዖ፤ እዝኑውን ቈረጾ።

[48] ኢየሱስ ድማ ከም ከታሪዶ በስይፍትን በብትርትን ክትኅዙኒ መጺእኹም?

[49] ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ምሳኻትኩም እውዕል ነይረ፤ ኣይኃዝኩምንን። እዙይ ዝኾነ ግና እቲ ኣብ መጻሕፍቲ ዝተጽሓፈ ምእንቲ ኽፍጸም እዩ ኢሉ መለሰሎም።

[50] ኲሎም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ኃዲጎምዎ ሃደሙ።

[51] ሓደ ዕርቃኑ ብነጸላ ዝሸፈነ መንእሰይ ድማ ይስዕቦ ነበረ፤ እቶም ኣጓብዝ ኸዓ ኃዝዎ።

[52] ንሱ ድማ ነጸላኡ ኃዲጉሎም ጥራሕ ዝባኑ ሃደመ።

[53] ንኢየሱስ ናብ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ፤ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን መምህራን ሕግን ድማ ብሙሉኦም ናብኡ ተኣከቡ።

[54] ጴጥሮስ ድማ ኽሳዕ ውሽጢ ቕጽሪ ገዛ ሊቀ ካህናት ርኅቕ ኢሉ ሰዓቦ፤ ኣብኡ ምስቶም ሓሻኽር ተቐሚጡ ኃዊ ይስሕን ነበረ።

[55] ሊቃነ ካህናትን ኲሉ እቲ መጋባእያን ንኢየሱስ ክቐትልዎ ምስክር ይደልዩ ነበሩ፤ ግና ኣይረኸቡን።

[56] ብዙኃት ብሓሰት ኣንጻሩ መስከሩ፤ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን።

[57] -

[58] ገሊኦም ሰባት ተሢኦም ኣነ ነዝ ብኢድ ሰብ ዝተሓንጸ ቤተ መቕደስ ኣፍሪሰ ኻልእ ብኢድ ሰብ ዘይተሠርሐ ብሠለስተ መዓልቲ ኽሓንጽ እየ› እንትብል ንሕና ሰሚዕናዮ፤ እናበሉ ብሓሰት መስከሩ።

[59] በዙይውን ምስክርነቶም ኣይተስማምዐን።

[60] እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ በዚ ኣንጻርካ ዝምስክርዎ ዘለዉስ እትምልሶዶ የብልካን ኢኻ? ኢሉ ንኢየሱስ ጠየቖ።

[61] ንሱ ግና መልሲ እንተይሃበ ስቕ በለ፤ እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ደጊሙ ክርስቶስ ወዲ እቲ ቡሩኽ ንስኻ ዲኻ? ኢሉ ጠየቖ።

[62] እወ ኣነ እየ፤ ንወዲ ሰብ ከዓ ኣብ የማን ኃይሊ ተቐሚጡ ኽትርእይዎ ከምኡውን ብደመና ሰማይ ክመጽእ እንተሎ ኽትርእይዎ ኢኹም! በሎ።

[63] እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ኽዳኑ ቐዲዱ ደጊምከ እንታይ መሰኻኽር የድልየና?

[64] ነቲ ንእግዚኣብሔር ዝጸርፎ ዘሎ ባዕልኻትኩም ሰሚዕኹምዎ ኣለኹም፤ እንታይ ትብሉ? በለ። ኲሎም ከዓ ሞት ይግብኦ! ኢሎም ፈረዱ።

[65] ገሊኦም ድማ እንትፍ ይብሉሉን ገጹ ጐልቢቦም እናወቕዑ ተነበየልና! መን እዩ ዝጸፍዐካ! ክብልዎን ጀመሩ፤ እቶም ሓሻኽር ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ።

[66] ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ውሽጢ ቕጽሪ እንተሎ ሓንቲ ኻብተን ኣግራድ ሊቀ ካህናት መጸት።

[67] ጴጥሮስ ኃዊ ኽስሕን እንተሎ ምስ ረአየቶ ኣተኲራ እናጠመተት ንስኻውን ምስ ኢየሱስ ናይ ናዝሬት ኔርካ ኢኻ፤ በለቶ።

[68] ንሱ ግና ኣይፈልጦን፤ እቲ እትብልዮ ዘለኺውን ኣይርድአንን እዩ ኢሉ ኸሓደ፤ ካብ ቀጽሪ ናብ ኣፍ ደገ ድማ ወፀ፤ ደርሆውን ነቀወ።

[69] እታ ገረድ ድማ ረአየቶ፤ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸዓ እዙይውን ካብኣቶም እዩ፤ በለቶም።

[70] ንሱ ግና ደጊሙ ኸሓደ ድኅሪ ቑሩብ ጊዜ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ንጴጥሮስ ንስኻ ብሓቂ ኻብኣቶም ኢኻ፤ ገሊላዊውን ኢኻ፤ ኣዘራርባኻ የፍልጠካ ኣሎ፤ በልዎ።

[71] ንሱ ግና ነዝ እትብልዎ ዘለኹም ሰብ ኣይፈልጦን እየ፤ እናበለ ኽምሕልን ንባዕሉ ኽረግምን ጀመረ።

[72] ሽዑ ንሽዑ ድማ ደርሆ ንኻልኣይ ጊዜ ነቀወ። ጴጥሮስ ኸዓ ነቲ ኢየሱስ ደርሆ ኽልተ ጊዜ እንተይነቀወ፤ ሠለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፤ ዝበሎ ቓል ዘኪሩ ኣምሪሩ በኸየ።

ወንጌል ማርቆስ — Chapters