Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:16

[1] ብዛዕባ እቲ ነቶም ኣመንቲ ክኸውን ዝዋፃእ ገንዘብ ድማ ኣብ ገላትያ ንዘለዉ ምእመናን ከም ዝሠራዕኽዎ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ።

[2] እቲ ምውጻእ ገንዘብ ኣነ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸይኸውን ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍስ ወከፍኩም ከከም እቶቱ ኣዋህሊሉ ኣብ ገዝኡ የቐምጥ።

[3] ኣነ ምስ መጻእኹ ድማ ነቲ ውህብቶኹም ናብ ኢየሩሳሌም ምእንቲ ኸብጽሑ ነቶም ዝኃረኹምዎም ሰባት መልእኽቲ ኣትኂዘ ኽሰዶም እየ። ኣነ ክኸይድ ዘድሊ እንተ ኾይኑ ድማ ምሳይ ይኸዱ።

[5] ብመቄዶንያ ኽኃልፍ ሓሲበ እየሞ ናብ መቄዶንያ እንትኃልፍ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ።

[6] ናብቲ ዝኸዶ ዓዲ ምእንቲ ኸተፋንዉኒ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እጸንሕ ወይ እኸርም እኸውን እየ።

[7] ከም ኃላፍ መንገዲ ኾይነ ኽርእየኩም ኣይፈቱን እየሞ እግዚኣብሔር እንተ ፈቐዶ ቁሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ክጸንሕ ተስፋ ኣለኒ።

[8] ግና ኽሳዕ በዓለ ኃምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ።

[9] ዓብይን ፍረ ዘለዎን ኣፍ ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፤ ተፃረርተይ ግና ብዙኃት እዮም።

[10] ጢሞቴዎስ እንተመጸ ኸዓ ከምዝ ኸማይ ናይ እግዚኣብሔር ሥራሕ እዩ ዝሠርሕ እሞ ብዘይ ስኽፍታ ምሳኻትኩም ከም ዝቕመጥ ግበርዎ።

[11] ሓደኳ ኣይንዓቆ፤ ምስቶም ኣመንቲ ኽመጽእ እጽበዮ ኣለኹ እሞ ዘድልዮ ሂብኩም ብሰላም ኣፋንውዎ።

[12] ብዛዕባ ኣጵሎስ ኅውና ኸዓ ምስቶም ኣመንቲ ናባኻትኩም ክመጽእ ብዙኅ ለሚነዮ ነይረ፤ እንተኾነ ፍቓድ እግዚኣብሔር ስለ ዘይኮነ ሕዚ ኽመጽእ ኣይደለየን። ምስ ጠዓሞ ግና ኽመጽእ እዩ።

[13] ንቕሑ፤ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ ፤ በርትዑ ፤ ጠንክሩ፤

[14] ኲሉ ነገር ብፍቕሪ ግበርዎ።

[15] ኣኅዋተይ! ስድራ እስጢፋኖስ ኣብ ሃገር ኣካይያ ቀዳሞት ኣመንቲ ኸም ዝኾኑን ንኣመንቲ ኸገልግሉ ንባዕላቶም ከም ዘወፈዩ ትፈልጡ ኢኹም።

[16] ንስኻትኩም ከዓ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዝሠርሑን ዝፅዕሩን ክትእዘዝዎም እምዕደኩም ኣለኹ።

[17] እስጢፋኖስን ፎርዱናቱስን ኣካይቆስን ብምምጻኦም ሕጉስ እየ። ክንዳኻትኩም ኮይኖም ነቲ ዝጐደለኒ መሊኦምለይ ኢዮምሞ።

[18] ንመንፈሰይን መንፈስኩምን ኣዕሪፎም እዮም እሞ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም።

[19] እተን ኣብ እስያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣቂላን ጵርስቅላን ምስታ ኣብ ቤቶም እትእከብ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ብጐይታ ብዙኅ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።

[20] ኲላቶም እቶም ኣኅዋት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ሰላምታ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ።

[21] እዛ ሰላምታ እዚኣ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ።

[22] ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተልዩ ንሱ ዝተረገመ ይኹን! ማራናታ!

[23] ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።

[24] ፍቕረይ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ — Chapters