[1] ሕዚ ኸዓ ኣኅዋተይ! ብዛዕባ መንፈሳዊ ውህብቶ ፍልጠት ዘይብልኩም ክትኮኑ ኣይደልን እየ።
[2] ኣሕዛብ ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ ተታሊልኩም ናብቶም በሃማት ኣማልኽቲ ትምርሑ ኸምዝነበርኩም ትፈልጡ ኢኹም።
[3] ስለዙይ ከምቲ ብመንፈስ እግዚኣብሔር ዝዛረብ ኢየሱስ ርጉም እዩ ክብል ዘይኽእል ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኮይኑ ድማ ኢየሱስ ጐይታ እዩ ክብል ዝኽእል ሓደኳ ኸምዘየለ ኣፍልጠኩም ኣለኹ።
[4] እምበኣርከስ በብዓይነቱ ውህብቶ ኣሎ፤ መንፈስ ቅዱስ ግና ሓደ ንሱ እዩ።
[5] በብዓይነቱ ኣገልግሎት ኣሎ፤ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ።
[6] በብዓይነቱ ዝኾነ ተግባራት ኣሎ፤ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዝገብር እግዚኣብሔር ግና ሓደ ንሱ እዩ።
[7] ምግላጽ መንፈስ ቅዱስ ንጥቕሚ ብዙኃት ንነፍስ ወከፍ ሰብ ይወሃቦ እዩ።
[8] ንሓደ ብመንፈስ ቃል ጥበብ ይወሃቦ፤ ነቲ ሓደ ኸዓ በቲ መንፈስ እቱይ ቃል ፍልጠት ይወሃቦ።
[9] ንሓደ በቲ ሓደ መንፈስ እምነት፤ ንሓደ ድማ በቲ መንፈስ እቱይ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ይወሃቦ።
[10] ንሓደ ተኣምራት ምግባር ነቲ ሓደ ድማ ትንቢት ምዝራብ ነቲ ሓደውን መናፍስቲ ምልላይ ነቲ ሓደ ኸዓ በብዓይነቱ ቛንቋታት ምዝራብ ነቲ ሓደ ድማ ቋንቋታት ናይ ምትርጓም ውህብቶ ይወሃቦ።
[11] ነዝ ዂሉ ኸዓ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝፈቐዶ ንነፍስ ወከፍ ዝተፈላለየ ውህብቶ ይዕድሎ።
[12] ከምቲ ሰብነት ሓደ እንተሎስ ብዙኅ ኣካላት ዘለዎ እቲ ኣካላት ከዓ ብዙኅ እንተሎ ሓደ ሰብነት ከም ዝኾነ ክርስቶስውን ኸምኡ እዩ።
[13] ንሕና ኣይሁድ ኮንና ግሪካውያን ባሮት ኮንና ነፃ ሰባት ኲልና ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን ብሓደ መንፈስ ተጠመቕና፤ ሓደ መንፈስውን ሰተና።
[14] እቲ ሰብነት ከዓ ብብዙኅ እምበር ብሓደ ኣካል ዝተሠርሐ ኣይኮነን።
[15] እግሪ ኣነ ኢድ ስለ ዘይኮንኩ ናይ ሰብነት ኣካል ኣይኮንኩን እንተ በለ በዙይዶ ናይ ሰብነት ኣካል ምዃኑ ይተርፎ እዩ?
[16] እዝኒ ድማ ኣነ ዓይኒ ስለ ዘይኮንኩ ናይ ሰብነት ኣካል ኣይኮንኩን እንተ በለት በዙይዶ ናይ ሰብነት ኣካል ምዃና ይተርፋ እዩ?
[17] ብዘሎ እቲ ሰብነት ዓይኒ እንተ ዝኸውን ደኣ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ? እቲ ሰብነት ኲለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዝኸውንከ ምሽታት ኣበይ ምተረኽበ?
[18] ሕዚ ግና ኣምላኽ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ ንነፍስ ወከፍ ኣካላት ኣብቲ ሰብነት ሠርዖ።
[19] ኲሉ ሓደ ኣካል እንተ ዝኸውን ሰብነት ኣበይ ምተረኽበ?
[20] ሕዚ ግና እቲ ኣካላት እኳ ብዙኅ እንተ ኾነ እቲ ሰብነት ሓደ እዩ።
[21] ስለዙይ ዓይኒ ንኢድ ኣይደልየክን ክትብላ ኣይትኽእልን እያ፤ ርእሲ ድማ ነእጋር ኣይደልየኩምን ክብሎም ኣይኽእልን እዩ።
[22] እኳ ደኣ እቶም ድኹማት ዝመስሉ ኣካላት ሰብነት እዮም የመና ዘድልዩ።
[23] ነቲ ኣብ ሰብነት ዘሎ ሕሱር ኣካል ዝመስለና ኸዓ ብፍሉይ ክብሪ ንከናኸኖ፤ ንኃፍረትናውን የመና ብኽብሪ ንኸውሎ።
[24] -
[25] እቲ ኽቡር ኣካልና ግና እዙይ ኣየድልዮን እዩ። ግና እቲ ኣካላት ንስንሳቱ ኽፃወር እምበር ኣብቲ ሰብነት ምፍልላይ ምእንቲ ኸይኸውንስ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዝበዝኅ ክብሪ እናሃበ ነቲ ሰብነት ኣጋጠሞ።
[26] ሓደ ኣካል እንተ ተሣቐየ ዂሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሣቐ። ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸዓ ዂሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ።
[27] እምበኣርከ ንስኻትኩም ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፤ ነፍስ ወከፍኩም ከዓ ኣካላቱ ኢኹም።
[28] እግዚኣብሔር ከዓ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ብመጀመርታ ሓዋርያት ካልኣይ ነቢያት ሣልሳይ መምህራን ሸመ፤ ደኃር ተኣምራት ዝገብሩ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ዘለዎም ዝሕግዙ ዘመሓድሩ በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡ ሠርዐ።
[29] ኲላቶምዶ ሓዋርያት እዮም? ኲላቶምከ ነቢያት ድዮም? ኲላቶምዶ መምህራን እዮም? ኲላቶምከ ገበርቲ ተኣምራት ድዮም?
[30] ኲላቶምዶ ውህብቶ ምፍዋስ ዘለዎም እዮም? ኲላቶምዶ ብቛንቋታት ይዛረቡ እዮም? ኲላቶምከ ይትርጕሙ ድዮም?
[31] ነተን ዝዓበያ ውህብቶታት ድኣ ብብርቱዕ ድለዩ። ሕዚ ኸዓ ዝበለጸ መንገዲ ኸርእየኩም እየ።