Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:28

[1] ብፍቓድ እግዚኣብሔር ሓዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስን ካብ ኃውና ጢሞቴዎስን ናብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሔርን ናብቶም ኣብ ኲላ ሃገር ኣካይያ ዘለዉ ዂሎም ቅዱሳንን።

[2] ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።

[3] እቲ ኣቦ ምሕረትን [ ኣምላኽ] ኲሉ ምጽንናዕን ዝኾነ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ይመስገን።

[4] በቲ ንርእስና ኻብ እግዚኣብሔር እንጸናንዐሉ ምጽንናዕ ነቶም ኣብ መከራ ዘለዉ ዂላቶም ክነጸናንዕ ምእንቲ ኽከኣለና ብመከራና ዂሉ ዘጸናንዐና ንሱ እዩ።

[5] ከምቲ ናይ ክርስቶስ መከራ ብብዝኂ ተኻፈልቲ ዝኾንና ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ምጽንናዕ ብብዝኂ ንረክብ።

[6] ንሕና መከራ እንተተቐበልና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትጸናንዑ ን ክትድኅኑን እዩ፤ ንሕና እንተተጸናኒዕና ድማ ንሕና እንቕበሎ ዓይነት መከራ እንትትቅበሉ ብትዕግሥቲ ብምቕባል ምእንቲ ኽትጸናንዑ እዩ።

[7] ከምቲ ኣብ መከራና ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ኣብ ምጽንናዕናውን ከም እትካፈሉ ስለ እንፈልጥ እታ ኣባኻትኩም ዘላትና ተስፋ ጽንዕቲ እያ።

[8] ኣኅዋትና! ኣብ እስያ ዝረኸብናዮ መከራ ኽትፈልጡ እደሊ። ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለ ዝኸበደና ንሕይወትና ቐቢጽናያ ነበርና።

[9] ንሞት ከም ዝተፈረድና ይስመዐና ነይሩ፤ እዙይ ከዓ ንምዉታት ዘተሥእ እግዚኣብሔር እምበር ብርእስና ምእንቲ ኸይንተኣማመን እዩ።

[10] ንሱ ንሞት ካብ ዘብጽሕ ሓደጋ ኣድኂኑና እዩ፤ ከድኅነና ድማ እዩ፤ ንዳኅራይውን ከም ዘድኅነና ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣለና።

[11] ንስኻትኩም ከዓ ብጸሎትኩም ክትድግፉና ይግባእ፤ በቲ ናይ ብዙኃት ጸሎት እንረኽቦ ውህብቶ ጸጋ ድማ ብዙኃት ሰባት ብዛዕባና ንእግዚኣብሔር ከመስግኑ እዮም።

[12] ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣውራ ኸዓ በቲ ምሳኻትኩም ዘለና ርክብ በቲ ኻብ እግዚኣብሔር ዝርከብ ቅድስናን ቅንዕናን ከም ዝነበርና ሕሊናና ይምስክረልና እዩ። ነዙይ ከዓ ብጥበብ ሰብ ዘይኮነስ ብጸጋ እግዚኣብሔር ስለ ዝገበርናዮ ንምካሕ ኢና።

[13] -

[14] ብዘይ እቲ እተንብብዎን እተስተውዕልዎን ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና፤ ሕዚ ብሓደ ወገን ኢኹም እትፈልጡና። በታ ጐይታና ኢየሱስ ዝመጸላ መዓልቲ ግና ከምቲ ንስኻትኩም ትምክሕትና ዝኾንኩም ንሕናውን ትምክሕትኹም ከም ዝኾንና ኣጸቢቕኩም ከም እትፈልጡ ተስፋ እገብር ኣለኹ።

[15] በዙይ ርግጸኛ ስለ ዝነበርኩን ድርብ ጥቕሚ ምእንቲ ኽትረኽቡን ብመጀመርታ ናባኻትኩም ክመጽእ ደልየ ነይረ።

[16] በኣኻትኩም ኣቢለ ኸዓ ናብ መቄዶንያ ኽኃልፍ እንትምለስ ድማ ኻብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመጽእ ንስኻትኩም ድማ ዘድልየኒ ሂብኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ሓሲበ ነይረ።

[17] ከምዙይ ኢለ ኽውስን እንተለኹ ቅዉም ሓሳብ ስለ ዘይብለይ ድየ? ወይ እወ እወ ክብል ጸኒሐ ኣይኮነን ኣይኮነን ብዝብል ልማድ እዛ ዓለም ዝምራሕ ስለ ዝኾንኩ ድየ?

[18] እግዚኣብሔር እሙን ከም ዝኾነ ዝነገርናኩም ቃልና እወ ን ኣይኮነን ኣይነበረን።

[19] እቲ ብኣይን ብስልዋኖስን ብጢሞቴዎስን ኣባኻትኩም ዝሰበኽናዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሔር እወ ን ኣይኮነን ን ኣይነበረን፤ ብእኡ ዂልሻዕ እወ እዩ እምበር።

[20] ብእግዚኣብሔር ተውሂቡ ዘሎ ተስፋ ዂሉ እወ ዝኸውን ብክርስቶስ እዩ፤ ስለዙይ ከዓ እዩ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኣሜን እንብል።

[21] እቲ ንኣናን ንኣኻትኩምን ብክርስቶስ ዘጽንዐናን ንሥራሕ ዝፈለየናን እግዚኣብሔር እዩ።

[22] ናቱ ኸም ዝኾንና ማኅተም መፈለጥታ ዝገበረልና ኣብ ልብና መተኣማመኒ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበና እግዚኣብሔር እዩ።

[23] እቲ ናብ ቆሮንቶስ ዘይምምጽአይ ንኣኻትኩም ስለ ዝሓለኹልኩም ከም ዝኾነ እግዚኣብሔር ምስክረይ እዩ።

[24] ብእምነት ጸኒዕኹም ስለ ዘለኹም ምእንቲ ኽትሕጐሱ ኃቢርና እንሠርሕ ደኣ ኢና እምበር ኣብ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኮናን።

2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ — Chapters