[1] ኣኅዋተይ! ንዂላቶም ኣቦታትና ደመና ኸም ዘጽለለሎም ኲላቶምውን ባሕሪ ኸም ዝተሳገሩ ኽትፈልጡ እደሊ እየ።
[2] ኲላቶም ድማ ምስ ሙሴ ክኃብሩ ብደመናን ብባሕርን ተጠመቑ።
[3] ኲላቶም ከዓ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ ።
[4] ኲላቶምውን ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዝስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ዀዂሒ ሰትዮም እዮምሞ፤ እቲ ዀዂሒ እቱይ ከዓ ክርስቶስ እዩ።
[5] እንተኾነ ብመብዝኅቶም እግዚኣብሔር ኣይተሓጐሰን። ስለዙይ ኣብ ምድረ በዳ ሞይቶም ተረፉ።
[6] እዙይ ከዓ ኸምቲ ንሳቶም ነቲ ኽፉእ ዝተመነይዎ ንሕናውን ምእንቲ ኸይንምነዮ መለበሚ ኾነና።
[7] እቲ ሕዝቢ ኽበልዕን ክሰትን ተቐመጠ፤ ክጻወትውን ተሥአ ዝብል ከም ዝተጽሓፈ ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣዖት ኣይትኹኑ።
[8] ከምቲ ገሊኣቶም ዘመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕሥራን ሠለስተን ሽሕ ዝሞቱ ኣይነመንዝር።
[9] ከምቲ ገሊኣቶም ንጐይታ ዝተፈታተንዎ እሞ ብኣትማን ዝጠፍኡ ንጐይታ ኣይንፈታተን።
[10] ከምኡውን ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕረምረሙ እሞ እቲ ዝቐዝፍ መልኣኽ ዘጥፍኦም ኣይነዕረምርም።
[11] እዝ ዂሉ መለበሚ ክኸውን እዩ ዝበጽሖም፤ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሣጽ ክኾነና እዩ ዝተጽሓፈ።
[12] ስለዙይ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።
[13] ኣብ ሰብ ካብ ዝበጽሕ ፈተና ንላዕሊ ኣይበጽሐኩምን። እግዚኣብሔር እሙን እዩ፤ ስለዙይ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይፈቅድን እዩ። ምፅዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ ግና ምስቲ ፈተናኹም መዋፅኦ ኽገብረልኩም እዩ።
[14] ስለዙይ ፍቑራተይ! ካብ ኣምልኾ ጣዖት ረኃቁ።
[15] መስተውዓልቲ ኸም ምዃንኩም መጠን እየ ዝዛረበኩም፤ ነዝ ዝብሎ ዘለኹ ባዕልኻትኩም ፍረድዎ።
[16] እቲ ንሕና እንባርኾ ናይ በረኸት ጽዋዕ ምስ ደም ክርስቶስ ኅብረት ዘለዎዶ ኣይኮነን? እቲ እንቖርሶ ኅብስትስ ምስ ሥጋ ክርስቶስ ኅብረት ዘለዎዶ ኣይኮነን?
[17] ኲላትና ካብ ሓደ ኅብስቲ ንቕበል ኣለና እሞ እቲ ኅብስቲ ሓደ ኸም ዝኾነ ከምኡ ንሕናውን ብዙኃት እንተለና ሓደ ኣካል ኢና።
[18] እስኪ ንሕዝቢ እስራኤል ረአዩ፤ እቶም ካብ መሥዋዕቲ ዝበልዑ ምስቲ መሠውዒ ኅብረትዶ የብሎምን እዮም?
[19] እሞኸ እዙይ ኽብል እንተለኹ ንጣዖታት ዝተሠውዐ ዝጠቕሞ ነገር ኣለዎ ማለተይ ድዩ? ወይ ከዓ ጣዖት ዝጠቅም ነገር ኣለዎ ማለተይ ድየ?
[20] ኣይኮነን! እቲ ኣሕዛብ ዝሥውዕዎ ነጋንንቲ እዮም እምበር ንእግዚኣብሔር ኣይኮኑን። ንስኻትኩም ምስ ኣጋንንቲ ኅብረት ክህልወኩም ኣይደልን።
[21] ጽዋዕ እግዚኣብሔርን ጽዋዕ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ማእዲ እግዚኣብሔርን ማእዲ ኣጋንንትን ክትበልዑ ኣይትኽእሉን።
[22] እምበኣርከ ንእግዚኣብሔርዶ ኽነቕንኦ? ንሕናዶ ኻብኡ ንብርትዕ ኢና?
[23] ዂሉ ተፈቒዱ እዩ፤ ዂሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፤ ዂሉ ተፈቒዱ እዩ፤ ዂሉ ግና ኣይሓንጽን እዩ።
[24] ነፍስ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር ሓደኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።
[25] ብሕሊና እንተይመርመርኩም ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጥ ሥጋ ዂሉ ብልዑ ።
[26] ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሔር እዩ እሞ።
[27] ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ዓደመኩም እሞ ኽትከዱ እንተ ደለኹም ዝጠራጠር ሕሊና ኣይሃሉኹም፤ ዝተቐረበልኩም ዂሉ እንተይመርመርኩም ብልዑ ።
[28] ሓደ ሰብ እዙይስ ንጣዖት ዝተሠውዐ እዩ እንተ በለኩም ግና ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዑ ።
[29] ሕሊና ኽብል እንተለኹ ግና ናይ ብጻይካ እምበር ናትካ ማለተይ ኣይኮነን። ንስኻ ስለምንታይከ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዝዕገት?
[30] ኣነ ኣመስጊነ ዝበልዕ ኻብ ኮንኩ ስለምንታይ ደኣ በቲ ዘመስግነሉ ዝንቀፍ? ትብል ትኸውን።
[31] እምበኣርስ እንተ በላዕኹም ወይ እንተ ሰተኹም ወይ ዝኾነ ይኹን እንተ ገበርኩም ዂሉ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ግበርዎ።
[32] -
[33] ከምቲ ኣነ ንዂሉ ሰብ ብዂሉ ነገር ዘሐጕስ ዘለኹ ንስኻትኩም ድማ ንኣይሁድ ኮነ ንግሪኻውያን ወይ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሔር መዐንቀፊ ኣይትኹኑ። ኣነ ምእንቲ ኽድኅኑስ ጥቕሚ ብዙኃት እምበር ጥቕመይ ኣይደለኹንሞ።