Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:10

[1] ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተዝዛረብ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ ከም ዝደምፅ ነሃስ ወይ ጭልጭል ከም ዝብል ጸናጽል ምኾንኩ።

[2] ውህብቶ ትንቢት እንተ ዝህልወኒ ዂሉ ምሥጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ እምባታት ክሳዕ ዘፍልስ ከዓ ፍጹም እምነት እንተ ዝህልወኒ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ ከንቱ እየ።

[3] ኲሉ ገንዘበይ ከዓ ንድኻታት እንተ ዝዕድል ሰብነተይ ንምንዳድ ኣኅሊፈ እንተ ዝህብ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ ሓደኳ ኣይጠቕመንን እዩ።

[4] ፍቕሪ የዐግስ፤ ፍቕሪ የራህርህ፤ ፍቕሪ ኣየቃንእን፤ ፍቕሪ ኣየመክሕን፤ ኣየዕብይን።

[5] ፍቕሪ ዘለዎ ስዲ ኣይኸውንን፤ ፍቕሪ ዘለዎ ንዓይ ይጥዓመኒ ብዝብል ኣይምራሕን፤ ፍቕሪ ኣየበሳጩን፤ ፍቕሪ ዘለዎ ኣይቕየምን።

[6] ፍቕሪ ዘለዎ ብሓቂ ይሕጐስ እምበር ብዓመፅ ባህ ኣይብሎን።

[7] ፍቕሪ ዘለዎ ንዂሉ ይፀውር፤ ንዂሉ የኣምን፤ ብዂሉ ድማ ተስፋ ይገብር፤ ንዂሉ ይዕገሥ።

[8] ትንቢት እንተሃልዩ ንሱ ኽሠዓር እዩ፤ ምዝራብ ቋንቋታት እንተሃልዩ ንሱ ኽውዳእ እዩ፤ ፍልጠት እንተልዩውን ንሱ ኽሠዓር እዩ፤ ፍቕሪ ግና ከቶ ኣይተቋርጽን እያ።

[9] እቲ እንፈልጦ ኾነ እንንበዮ ምሉእ ኣይኮነን።

[10] ግና እቲ ፍጹም ዝኾነ ምስ መጸ እቲ ጐደሎ ክሠዓር እዩ።

[11] ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ ከም ቈልዓ እዛረብ ነበርኩ፤ ከም ቈልዓ አሓስብ ነበርኩ፤ ከም ቈልዓውን እመራመር ነበርኩ፤ ምስ ዓበኹ ግና ነቲ ነገር ቊልዕነት ኃደግክዎ።

[12] ሕዝስ ከም ብመስትያት ብጽልግልግ ንርኢ ኣለና፤ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና። ሕዚ ፍልጠተይ ጐደሎ እዩ፤ ሽዑ ግና ከምቲ እግዚኣብሔር ንኣይ ዝፈልጠኒ ፍልጠተይ ምሉእ ክኸውን እዩ።

[13] እምበኣር እምነት ተስፋ ፍቕሪ እዚአን ሠለስቲአን ጸኒዐን ይነብራ። ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ — Chapters