[1] ንፍቕሪ ሰዓብዋ፤ ንመንፈሳዊ ውህብቶታት ብኅልፊኳ ኽትንበዩ ኣብሊጽኩም ተመነዩ።
[2] ብቛንቋታት ዝዛረብ ንእግዚኣብሔር እምበር ንሰብ ኣይኮነን ዝዛረብ፤ ነቲ ዝዛረቦ ዘስተውዕሎ ሓደኳ የለን፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ምሥጢራት እዩ ዝዛረብ።
[3] ትንቢት ዝንበ ግና ንሰብ ዝሓንጽን ዘተባብዕን ዘጸናንዕን እዩ ዝዛረብ።
[4] ብቛንቋታት ዝዛረብ ንርእሱ የሓንጽ፤ ትንቢት ዝናገር ግና ንቤተ ክርስቲያን የሓንጽ።
[5] ሕዚ ኸዓ ዂልኻትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ ብኅልፍኳ ኽትንበዩ ድልየተይ እዩ፤ እታ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትሕነጽ ነቲ ብቛንቋታት ዝተዛረቦ ዝትርጕመሉ እንተ ዘይረኺቡ ካብቲ ብቛንቋታት ዝዛረብ እቲ ዝንበ የዓቢ።
[6] ሕዚ ግና ኣኅዋተይ! ብራእይ ወይ ብፍልጠት ወይ ብትንቢት ወይ ብትምህርቲ ዘይኮነስ ቋንቋታት እናተዛረብኩ ናባኻትኩም እንተ ዝመጽእ እንታይ ምጠቐምኩኹም?
[7] እቲ ሕይወት ዘይብሉ ከም እኒ እምብልታ ወይ መሰንቆ ዝመሰለ ዝደምፅ ነገራት ፍሉይ ዝኾነ ቃና እንተ ዘየስምዐ እቲ ብእምብልታ ወይ ብመሰንቆ ዝቲነየ እንታይ ምዃኑ ይፍለጥ?
[8] መለኸትከ ዘይፍሉጥ ድምፂ እንተስምዐ መን እዩ ንውግእ ዝስለፍ?
[9] ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ብቛንቋታት ዘይርዳእ ነገር እንተ ተዛረብኩም ነቲ ዝተዛረብኩምዎ መን ክርድኦ ይኽእል? ምስ ንፋስ ከም ዝዛረብ ኢኹም ትኾኑ።
[10] ኣብ ዓለም በበይኑ ዝኾነ ብዙኅ ቋንቋታት ኣሎ፤ ትርጕም ዘይብሉ ግና የለን።
[11] እምበኣር ኣነ ናይቲ ዝተነግረ ቋንቋ ትርጕም ዘይፈልጥ እንተ ኾይነ ነቲ ኣነ ዝዛረቦ ባዕዲ እየ ዝኾኖ፤ እቲ ዝዛረብ ከዓ ባዕዲ እዩ ዝኾነኒ።
[12] ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ውህብቶታት መንፈስ ሃረር እትብሉ ኻብ ኮንኩም እቶም ንቤተ ክርስቲያን ዝሓንጹ ውህብቶታት ክበዝኁልኩም ድለዩ።
[13] ብቛንቋታት ዝዛረብ ምትርጓም ምእንቲ ክኽእል ይጸሊ።
[14] ብቛንቋታት እንተ ጸለኹ መንፈሰይ እዩ ዝጽሊ፤ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ።
[15] እሞ እንታይ ደኣ ኽገብር? ብመንፈስ ክጽሊ በእምሮይውን ክጽሊ እየ፤ ብመንፈስ ክዝምር በእምሮይውን ክዝምር እየ።
[16] እንተ ዘይኮነ ብመንፈስ ንእግዚኣብሔር ክተመስግን እንተለኻ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ዘይርድኦ ሰብ ነቲ እትብሎ ስለ ዘይፈልጦ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ክብል ይኽእል?
[17] ንስኻ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን ኣለኻ፤ እቲ ኻልእ ግና ኣይተሓንጸን።
[18] ካብ ዂልኻትኩም ብዝበለጸ ብቛንቋታት ስለ ዝዛረብ ንእግዚኣብሔር አመስግኖ እየ።
[19] ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግና ንኻልኦት ምእንቲ ኽምህር ብቛንቋታት እልፊ ቓላት ካብ ዝዛረብ ኃሙሽተ ቓላት በእምሮ ኽዛረብ እፈቱ።
[20] ኣኅዋተይ! በተሓሳስባኹም ከም ቈልዓ ኣይትኹኑ፤ ንኽፉእ ደኣ ሕፃናት ኩኑ እምበር በተሓሳስባኹምስ ብሱላት ኩኑ።
[21] ኣብ ኦሪት፦ ነዝ ሕዝቢ እዙይ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኣፍ ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦም እየ፤ ምስ እዝ ዂሉ እኳ ኣይሰምዑ ንን እዮም፤› ይብል እግዚኣብሔር ዝብል ጽሑፍ ኣሎ።
[22] ስለዙይ ብቛንቋታት ምዝራብ ነቶም ዝኣምኑ ዘይኮነስ ነቶም ዘየኣምኑ ምልክት እዩ፤ ትንቢት ከዓ ነቶም ዘይኣምኑ ዘይኮነስ ነቶም ዝኣምኑ እዩ።
[23] እታ ቤተ ክርስቲያን ብምልእታ ምስ ተኣከበት ነፍስ ወከፍ ከዓ ብቛንቋታት እንተ ዝዛረብ እሞ ዘይፈልጡ ወይ ዘይኣምኑ ሰባት እንተ ዝመጹ እዚኣቶም ዓቢዶም እዮም ኣይምበልዎምንዶ?
[24] ኲላቶም እንተ ዝንበዩ ግና ሓደ ዘይኣምን ወይ ዘይፈልጥ እንተ ዝኣቱ በቲ ዂላቶም ዝብልዎ ኃጥእ ምዃኑ ምተወቕሰ፤ በቲ ዂሎም ዝብልዎውን ምተፈርደ።
[25] እቲ ኣብ ልቡ ዝተሠወረ ነገርውን ምተገልጸ፤ ብርግጽ እግዚኣብሔር ኣብ ማእኸልኩም ኣሎ እናበለ ድማ ብገጹ ተደፊኡ ንእግዚኣብሔር ምሰገደ።
[26] እምበኣርከስ ኣኅዋተይ! እንታይ ይሐይሽ? ክትእከቡ እንተለኹም ሓደ ውህብቶ መዝሙር ኣለዎ፤ ሓደ ውህብቶ ትምህርቲ ኣለዎ፤ ሓደ ውህብቶ ራእይ ኣለዎ፤ ሓደ ብቛንቋታት ናይ ምዝራብ ውህብቶ ኣለዎ፤ ውህብቶ ትርጉም ኣለዎ፤ ዂሉ ውህብቶ ንምሕናጽ ይገበር።
[27] ብቛንቋታት ዝዛረቡ እንተልዮም ክልተ እንተ በዝኁ ኸዓ ሠለስተ በብተራ ይዛረቡ፤ ሓደ ድማ ይተርጕሞ።
[28] ተርጓሚ እንተ ዘየለ ግና እቲ ብቛንቋታት ዝዛረብ እንተልዮም ክልተ እንተበዝኁ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ስቕ ይበል፤ ንርእሱን ንእግዚኣብሔርን ጥራሕ ይዛረብ።
[29] ነቢያት ክልተ ወይ ሠለስተ ኾይኖም በብተራ ይዛረቡ፤ እቶም ካልኦት ድማ ይመርምሩ።
[30] ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል።
[31] ኲላቶም ምእንቲ ኽመሃሩ ኲላቶምውን ምእንቲ ኽተባብዑ ስ ኲልኻትኩም በብሓደ ኽትንበዩ ትኽእሉ ኢኹም።
[32] እቶም መናፍስቲ ነቢያት ነቶም ነቢያት ይግዝእዎም እዮምሞ።
[33] እግዚኣብሔር ናይ ሰላም ኣምላኽ እምበር ናይ ሁከት ኣምላኽ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ኲለን ኣብያተ ክርስቲያን ዘለዉ ኣመንቲ ዝግበር ዘሎ፦
[34] ኣንስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክዛረባ ኣይተፈቐደለንን እዩ እሞ ስቕ ይበላ። ግና ኸምቲ ሕጊ ሙሴ ዝብሎ ይተኣዘዛ።
[35] ክመሃራ እንተ ደለያ ኸዓ ኣብ ገዛ ንሰብኡተን ይጠይቓ፤ ንሰበይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ።
[36] ቃል እግዚኣብሔር ካባኻትኩም ድዩ ወፂኡ? ወይ ኣባኻትኩም ጥራሕ ድዩ በጺሑ?
[37] ሓደ ኣነ ነቢይ እየ ወይ መንፈሳዊ ውህብቶ ኣለኒ ዝብል እንተልዩ እዝ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምዃኑ ይፍለጥ።
[38] ነቲ ነዙይ ኽፈልጥ ዘይደሊ ንሱውን ኣይፍለጥን።
[39] ስለዙይ ኣኅዋተይ! ክትንበዩ ሃረር በሉ፤ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልክሉ፤
[40] እንተኾነ ዂሉ ብሥርዓትን ብኣገባብን ደኣ ይኹን።