[1] ብዛዕባ እቲ ዝጸሓፍኩምለይ ነገር ድማ ሰብኣይ ናብ ሰበይቲ እንተ እንተይቀረበ ይሐይሽ።
[2] ግና ካብ ዝሙት ምእንቲ ኽርሕቕ ነፍስ ወከፍ ሰብኣይ ናይ ባዕሉ ሰበይቲ ተሃልዎ። ነፍስ ወከፍ ሰበይቲውን ናይ ባዕላ ሰብኣይ የሃልዋ።
[3] ሰብኣይ ንሰበይቱ ዝግብኣ ይግበረላ፤ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ዝግብኦ ትግበረሉ።
[4] ሰበይቲ ኣብ ሰብነታ ሥልጣን የብላን፤ ሥልጣን ንሰብኣያ እዩ እምበር፤ ከምኡውን ሰብኣይ ኣብ ሰብነቱ ሥልጣን የብሉን፤ ሥልጣን ንሰበይቱ እዩ እምበር።
[5] ንጸሎት ክትተግሁ ብዝተሰማማዕኹምሉ ጊዜ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ኣይትፈላለዩ። ንሰብነትኩም ምቊጽጻር ብዘይምኽኣልኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ብሓደ ኹኑ።
[6] እዙይ ግና ከም ምኽሪ እምበር ከም ትእዛዝ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ።
[7] ዂሉ ሰብ ከምዝ ኸማይ ክኸውን ምፈተኹ ነይረ፤ ግና ነፍስ ወከፍ ካብ እግዚኣብሔር ዝተቐበሎ ናይ ጸጋ ውህብቶ ስለ ዘለዎ እቲ ሓደ ኸምዙይ እቲ ሓደውን ከምቱይ ውህብቶ ኣለዎ።
[8] ንዘይተመርዐዉን ንመበለታትን ግና ከምዝ ኸማይ ኮይኖም እንተ ነበሩ ይሐሾም እብል ኣለኹ።
[9] ንሰብነቶም ክቈጻጸሩ እንተዘይኽኢሎም ግና ይመርዓዉ፤ ብፍትወት ካብ ምቅፃል ምምርዓው ይሐይሽ እዩ እሞ።
[10] ነቶም ዝተመርዓዉ ድማ ብናይ ባዕለይ ዘይኮነስ ብናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈላለ።
[11] እንተ ተፈልየት ግና እንተየእተወት ትንበር፤ ወይ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ። ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ።
[12] ነቶም ዝተረፉ ድማ ብጐይታ ዘይኮነስ ኣነ ባዕለይ ከምዙይ እብሎም ኣለኹ፦ ሓደ ኣማኒ ኣማኒት ዘይኮነት ሰበይቲ እንተሃሊያቶ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት ኣይፍትሓያ።
[13] ሰበይቲውን ኣማኒ ዘይኮነ ሰብኣይ እንተሃልይዋ ንሱ ከዓ ምስኣ ኽነብር እንተ ፈተወ ኣይትፍትሓዮ።
[14] እቲ ኣማኒ ዘይኮነ ሰብኣይ ብምኽንያት ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፤ እታ ኣማኒት ዘይኮነት ሰበይቲውን ምእንቲ ኣማኒ ሰብኣያ ተቐዲሳ እያሞ፤ ከምኡ እንተ ዘይኸውን ደቆም ርኹሳት ምኾኑ ነይሮም፤ ሕዚ ግና ተቐዲሶም እዮም።
[15] እቲ ኣማኒ ዘይኮነ ክፍለ እንተ ደለየ ግና ይፈለ። ኣብ ከምዙይ ዝመሰለ እቲ ኃው ወይ እታ ሓፍቲ ኣይግደዱን። እግዚኣብሔር ብሰላም ክንነብር እዩ ዝጸውዐናሞ።
[16] ኣቲ ሰበይቲ ንሰብኣይኪ እንተድኃንክዮ እንታይ ትፈልጢ? ኣታ ሰብኣይውን ንሰበይትኻ እንተድኃንካያ እንታይ ትፈልጥ?
[17] ብዝተረፈ ነፍስ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሔር ዝዓደሎ ነፍስ ወከፍውን ከምቲ እግዚኣብሔር ዝጸውዖ ኾይኑ ይንበር። ንዂላተን ኣብያተ ክርስቲያን ከምኡ እየ ዝሠርዕ ዘለኹ።
[18] ሓደ ኣማኒ ኻባኻትኩም ግሩዝ እናሃለወ ዝተጸውዐ እንተሃልዩ ድማ ዘይምግራዝ ኣይመነ። ዘይግሩዝ እናሃለወ ዝተጸውዐ እንተሃልዩ ኽግረዝ ኣይድለ።
[19] ትእዛዛት እግዚኣብሔር ምሕላው እዩ ዝጠቅም እምበር ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ ዝጠቕሞ የብሉን።
[20] ነፍስ ወከፍ ከምታ እግዚኣብሔር ክጽውዖ እንተሎ ዝነበራ ይንበር።
[21] ባርያ እንተለኻ ዲኻ ዝተጸዋዕኻ? በዙይ ኣይትሕሰብ፤ ሓራ ኽትወፅእ ትኽእል እንተ ዄንካ ግና ኸምኡ ግበር።
[22] እቲ ባርያ እንተሎ እግዚኣብሔር ዝጸውዖ ናይ ጐይታ ውፁእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ እንተሎ ዝተጸውዐ ባርያ ክርስቶስ እዩ።
[23] ክርስቶስ ብዋጋ ዓዲጉኩም እዩሞ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ።
[24] ኣኅዋትና! ነፍስ ወከፍ በቲ ዝተጸውዖ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከምኡ ይንበር።
[25] ብዛዕባ ደናግል ግና እሙን ክኸውን ከም ሓደ ካብ ጐይታ ምሕረት ዝተቐበለ ሰብ ኮይነ ምኽረይ እነግረኩም ኣለኹ እምበር ካብ ጐይታ ዝተቐበልክዎ ትእዛዝ ኣይኮነን።
[26] እምበኣር ብምኽንያት እቲ ሎሚ ተረኺቡ ዘሎ ጭንቂ ሰብ ከምታ ዘለዋ ኾይኑ ኽነብር ጽቡቕ መሲሉ ይረአየኒ።
[27] ተመርዒኻ እንተ ዄንካ ኽትፋታሕ ኣይትድለ። ዘይተመርዖኻ እንተ ዄንካ ምምርዓው ኣይትድለ።
[28] ግና እንተ ተመርዖኻ ኃጢኣት ኣይገበርካን፤ ድንግልውን እንተ ተመርዐወት ኃጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብናብራ ጸገማት ይረኽቦም እዩ እሞ ካብዙይ ክድኅኑ ኢለ እየ።
[29] ኣኅዋተይ! እቲ ዝብለኩም ዘለኹ እዙይ እዩ፤ እቲ ዘመን ሓፂር እዩ እሞ ድኅሪ ደጊም እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ከም ዘይብሎም ይንበሩ።
[30] እቶም ዝኃዝኑ ኸም ዘይኃዝኑ እቶም ዝሕጐሱ ኸም ዘይሕጐሱ እቶም ዝዕድጉ ኸም ዘየጥረዩ
[31] እቶም ብናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ዝጥቀሙ ብእኡ ኸም ዘይጥቀሙ ኾይኖም ይንበሩ እዛ ዓለም እዚኣ ኃላፊት እያሞ።
[32] ኣነ ግና ብዘይ ሓሳብ ክትነብሩ ድልየተይ እዩ፤ እቲ ዘይተመርዐወ ከመይ ገይሩ ንእግዚኣብሔር ከም ዘሐጕሶ ብዛዕባ ጐይታ እዩ ዝሓስብ።
[33] እቲ ዝተመርዐወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘሐጕሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዝሓስብ፤
[34] በዝ ዂነታት እዙይ ሓሳቡ ዝተኸፋፈለ ይኸውን። እታ መበለት ሰበይቲ ወይ ዘይተመርዐወት ድንግል ድማ ሥጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኽቕደስ ብዛዕባ እግዚኣብሔር እያ እትሓስብ። እታ ዝተመርዐወት ግና ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጕሶ ናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሓስብ።
[35] እዙይ ዝብለኩም ዘለኹ ልብኹም እንተይተኸፍለ ንእግዚኣብሔር ብግቡእ ክተገልግሉ ንረብኃኹም ኢለ እየ እምበር ከኽብደልኩም ኢለ ኣይኮንኩን።
[36] ግና ሓደ ሰብ ሕጽይቱ ብጽሕቲ እንተ ኾነት ንፍትወት ሥጋኡ ድማ ምግታእ ብምስኣኑ ኽምርዓዋ እንተ ሓሰበ ዝደለዮ ይግበር፤ ይመርዓዋ፤ ኃጢኣት የብሉን።
[37] ግና እቲ ዘገደዶ ዘይብሉ ንኸይምርዖ ዝቖረጸ ንድሌቱውን ክገትእ ዝኽእል ነቲ ኽገብሮ ዘለዎ ኸዓ ድሮ መዲብዎ እንተ ደኣ ኾይኑ ነታ ሕጽይቱ እንተ ዘይተመርዐዋ ጽቡቕ ይገብር።
[38] ስለዙይ እቲ ንሕጽይቱ ዝምርዐዋ ጽቡቕ ይገብር፤ እቲ ዘይምርዖ ከዓ ዝሐሸ ይገብር።
[39] ሰበይቲ ሰብኣያ ብሕይወቱ ኽሳዕ ዘሎ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞይቱ ግና ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ፤ ብእግዚኣብሔር ዝኣምን ጥራሕ ደኣ ይኹን እምበር።
[40] ከም ሓሳበይ ግና ከምቲ ዘላቶ ኾይና እንተ ትነብር ዝበለጸ ምተሓጐሰት፤ ኣነውን መንፈስ እግዚኣብሔር ከም ዘለኒ ይመስለኒ።