Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:17

[1] ኣብ ኣሕዛብ እኳ ተገይሩ ዘይፈልጥ ምንዝርና ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘሎ ብፍላይ ካባኻትኩም ሰበይቲ ኣቦኡ ዘእተወ ከም ዘሎ ይውረየኩም ኣሎ።

[2] ተዓቢኹም ኣለኹም! ክትጉህዩዶ ግዳ ኣይምተገብአኩምን? ነቲ ኸምዙይ ዝበለ ርኹስ ግብሪ ዝገበረ እንዶግዳ ኻብ ማእኸልኩም ኣርኅቕዎ።

[3] -

[4] ኣነ ብኣካል እኳ ምሳኻትኩም እንተዘይሃለኹ ብመንፈሰይ ምሳኻትኩም እየ። ምሳኻትኩም ከም ዘለኹ ኾይነ ከዓ ነቲ ኸምዙይ ዝመሰለ ርኽሰት ዝፈጸመ ሰብ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ድሮ ፈሪደዮ ኣለኹ። ንስኻትኩም ምስ ተኣከብኩም ኣነውን ብኃይሊ ጐይታ ኢየሱስ ብመንፈስ ምሳኻትኩም ኾይነ

[5] ነዝ ሰብ እዙይ ንሰይጣን ኣኅሊፍኩም ሃብዎ። እዙይ እትገብሩ ብሥጋኡ ተቐጺዑ ብመዓልቲ ጐይታ ነፍሱ ምእንቲ ኽትድኅን እዩ።

[6] ዛህራኹም ጽቡቕ ኣይኮነን። ቊሩብ መባዂዕቲ ንብዘሎ እቲ ብሒቝ ከም ዘብኲዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?

[7] ከምቲ ሕዚ ዘለኹምዎ ዘይበዂዐ ሓድሽ ብሒቊ ምእንቲ ኽትኮኑ ነቲ ኣረጊት መባዂዕቲ ካባኻትኩም ኣርሕቑ። በጊዕ ፋሲካና ክርስቶስ ተሠዊዑ እዩ እሞ።

[8] ስለዙይ በቲ ኣረጊት መባዂዕቲ ወይ ብመባዂዕቲ ኽፍኣትን ሕሰምን ዘይኮነ ብዘይበዂዐ እንጀራ ማለት ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር።

[9] ምስ ዘማውያን ኣይትተሓወሱ ኢለ ጽሒፈልኩም ነይረ።

[10] ግና ምስቶም ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘማውያንን ወይ ስሱዓትን ከተርትን ወይ መምለኽቲ ጣዖትን ማለተይ ኣይኮነን፤ እንተ ዘይኮነስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወፁ ምተገብአኩም ነይሩ።

[11] ኣነ ዝጸሓፍኩልኩም ኣመንቲ ኢና ካብ ዝብሉ ግና ዘመውቲ ወይ ስሱዓት ወይ ተጻረፍቲ ወይ ሰኸርቲ ወይ ከተርቲ ምስ ዝኾኑ ሰባት ከይትሕወሱ ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባትውን ከቶ ከይትበልዑ ኢለ እየ እምበር፤

[12] ነቶም ካብ ክርስትና ወፃኢ ንዘለዉ ዝፈርድ እንታይ ኣእትዩኒ? ንስኻትኩም ነቶም ኣብ ውሽጢ ክርስትና ዘለዉዶ ኣይኮንኩምን ክትፈርዱ ዘለኩም?

[13] ነቶም ካብ ክርስትና ወፃኢ ዘለዉ ግና እግዚኣብሔር ኢዩ ዝፈርዶም። እምበኣር ነቲ ኽፉእ ዝገብር ሰብ ካባኻትኩም ኣርኅቅዎ።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ — Chapters