Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 8:25

[1] ሕዚ ኸዓ ኣኅዋተይ! ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል ከዘክረኩም እደሊ ኣለኹ። ንሱ ድማ እቲ ዝተቐበልኩምዎን ብእኡ ድማ ጸኒዕኹም እትነብሩ ዘለኹምን እዩ።

[2] ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ቃል ኣጽኒዕኹም ኂዝኩምዎ እንተሊኹምስ ብእኡ ድኂንኩም ኢኹም፤ እንተ ዘይኮነ ግና እምነትኩም ከንቱ እዩ።

[3] ነቲ ኣነ ዝተቐበልክዎ ቅድሚ ዂሉን ልዕሊ ዂሉን ገይረ ኣመኃላሊፈልኩም እየ፤ ከምቲ ቕዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ፦ ክርስቶስ ምእንቲ ኃጢኣትና ሞተ፤

[4] ተቐብረ፤ ከምቲ ቕዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ ኸዓ ብሣልሳይ መዓልቲ ተሥአ፤

[5] ንጴጥሮስ ተርአዮ፤ ደኃርውን ነቶም ዓሠርተ ኽልተ ተርአዮም።

[6] ብድኅሪኡ ኻብ ኃሙሽተ ሚእቲ ንዝበዝኁ ኣኅዋት ብሓደ ጊዜ ተርአየ፤ ካብኣቶም እቶም ዝበዝኁ ኽሳዕ ሎሚ ኣለዉ፤ ገሊኣቶም ግና ሞይቶም እዮም።

[7] ድኅሪኡ ንያዕቆብ ድኅሪኡ ኸዓ ንዂላቶም ሓዋርያት ተርአየ።

[8] ድኅሪ ዂላቶም ድማ ብዘይ መዓልቱ ዝተወለደ ንዝመስል ንኣይ ተርአየኒ።

[9] ኣነ ኻብ ኲላቶም ሓዋርያት ዝነኣስኩ እየ፤ ነታ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሔር ዘሳጐጕክዋ ስለ ዝኾንኩ ኸዓ ሓዋርያ ኽበሃል ዘይግብአኒ እየ።

[10] እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና ብጸጋ እግዚኣብሔር እየ ኾይነዮ ዘለኹ፤ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ጸጋ ኸዓ ከንቱ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ኅልፊ ዂላቶም ፀዓርኩ። እንተኾነ እቲ ኣባይ ኃዲሩ ዘሎ ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን።

[11] እምበኣር ኣነ ኾንኩ ንሳቶም ነዙይ ኢና እንሰብኽ ዘለና፤ ንስኻትኩምውን ነዙይ ኢኹም ዝኣመንኩም።

[12] ክርስቶስ ካብ ሙታን ከም ዝተሥአ ኻብ ተሰበኸ ከመይ ኢሎም ደኣ ካባኻትኩም ትንሣኤ ሙታን የለን ዝብሉ ዘለዉ?

[13] እምበኣር ትንሣኤ ሙታን ዘየለ እንተ ኾይኑስ ክርስቶስውን ኣይተሥአን።

[14] ክርስቶስ ዘይተሥአ እንተ ኾይኑ ድማ ስብከትና ኸንቱ እዩ፤ እምነትኩምውን ከንቱ እያ።

[15] እግዚኣብሔር ንክርስቶስ ከም ዘተሥኦ መስኪርና ነይርና፤ ንምዉታን ዘየተሥኦም እንተ ደኣ ኾይኑ ግና እምበኣር ንክርስቶስውን ኣየተሥኦን። ንሕና ኸዓ ሓሰውቲ መሰኻኽር እግዚኣብሔር ኴንና ንርከብ ኣለና።

[16] ንምዉታን ዘየተሥኦም እንተ ኾይኑ ክርስቶስውን ኣይተሥአን።

[17] ክርስቶስ ዘይተሥአ እንተ ኾይኑ ድማ እምነትኩም ከንቱ እያ። ንስኻትኩምውን ገና ኣብ ኃጢኣትኩም ኢኹም ዘለኹም።

[18] እቶም ብእምነት ክርስቶስ ዝሞቱ ኸዓ ጥፉኣት እዮም።

[19] ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ሕይወት እዚኣ ጥራሕ እንተ ደኣ ኾይና ካብ ኲሉ ሰብ ዝበለጸ እነኅዝን ኢና።

[20] ክርስቶስ ግና ካብ ሞት ተሥአ፤ በዙይ ከዓ ናይቶም ዝሞቱ በዂሪ ትንሣኤ ኾነ።

[21] ስለዙይ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሞት ዝመጸ ከምኡ ኸዓ ትንሣኤ ሙታን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ።

[22] ከምቲ ዂላቶም ብኣዳም ዝሞቱ ከምኡ ድማ ዂላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ክኾኑ እዮም።

[23] ግና ነፍስ ወከፍ በብመሥርዑ እዩ፤ ኣቐዲሙ ክርስቶስ ተሥአ፤ ደኃር ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ እቶም ናይ ክርስቶስ ዝኾኑ ኽትሥኡ እዮም።

[24] ክርስቶስ ከዓ ዂሉ መንግሥትን ሥልጣንን ኃይልን ሥዒሩ እታ መንግሥቲ ንእግዚኣብሔር ኣብ ምስ ወፈያ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።

[25] ንዂሎም ጸላእቱ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዝገብሮም ክነግሥ ይግብኦ እዩ እሞ።

[26] እቲ ኽድምሰስ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ጸላኢ ኸዓ ሞት እዩ።

[27] መጽሓፍ እግዚኣብሔር ንዂሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዚኡሉ እዩ እንተኾነ ዂሉ ኣግዚኡሉ እዩ ክብል እንተሎ ግና ነቲ ኸም ዝግዝኦ ንዝገበረ እግዚኣብሔር ኣብ ከምዘይምልከት ግሁድ እዩ።

[28] ኲሉ ምስ ተገዝአሉ ግና ኣምላኽ ኲሉን ኣብ ኲሉን ምእንቲ ክኸውን ወልድ ንርእሱ ነቲ ዂሉ ዘግዝአሉ ኽግዛእ እዩ።

[29] እንተ ዘይኮነ እቶም ክንዲ ምዉታን ዝጥመቑ ደኣ እንታይ እዩ ረብኃኦም? ብሱሩ ምዉታን ዘይትሥኡ እንተ ኾይኖምከ ስለምንታይ ደኣ ኽንድኦም ዝጥመቑ?

[30] ስለምንታይከ ንሕና ዂሉ ጊዜ ንሓደጋ እንቃላዕ?

[31] ኣኅዋተይ! ኣነ በብመዓልቱ ሞት ዘጋጥመኒ ዘሎ በቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘለኒ ትምክሕቲ ከምዝኾነ አረጋግጸልኩም ኣለኹ።

[32] ከም ኣተሓሳስባ ሰብ እንተኾይኑ ኣነ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት ዝተዋጋእኹ ደኣ እንታይ እዩ ረብኃይ? ምውታን ዘይትሥኡ እንተኾይኖም ግና ከምቲ ዒራ ጽባሕ ክንመውት ኢናሞ ንብላዕ ንስተ ዝብልዎዶ ኣይምኾነን?

[33] ኣይትታለሉ፤ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ባህርይ የበላሽዎ እዩ።

[34] ቅንዕና ንምግባር ተበራበሩ፤ ኃጢኣትውን ኣይትግበሩ፤ ገሊኦም ካባኻትኩም ንእግዚኣብሔር ዘይፈልጥዎ ኣለዉሞ ምእንቲ ኽትኃፍሩ ኢለ እየ እዙይ ዝብል ዘለኹ።

[35] ገሊኡ ሰብ ግና ምዉታን ከመይ ኢሎም እዮም ዝትሥኡ? ከመይ ዝበለ ሰብነትከ እዩ ኽህልዎም? ዝብል ይህሉ ይኸውን።

[36] ኣታ ዓሻ! እቲ ንስኻ እትዘርኦ እንተይሞተ ሕይወት ኣይረክብን እዩ።

[37] እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራሕ እዩ እምበር ነቲ ተኽሊ ኣይኮንካን እትዘርኦ።

[38] ኣምላኽ ግና ኸም ዝደለዮ ገይሩ እዩ ሰብነት ዝህቦ። ንነፍስ ወከፍ ዘርኢውን ሰሰብነቱ ይህቦ።

[39] ሥጋ ሰብ በይኑ ሥጋ እንስሳ በይኑ ሥጋ ኣዕዋፍ በይኑ ሥጋ ዓሣውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር ኲሉ ሥጋ ሓደ ዓይነት ኣይኮነንሞ።

[40] ሰማያዊ ሰብነት ኣሎ፤ ምድራዊ ሰብነት ከዓ ኣሎ፤ ግና ኽብሪ እቲ ሰማያዊ በይኑ ክብሪ እቲ ምድራዊውን በይኑ እዩ።

[41] ክብሪ ፀሓይ በይኑ ክብሪ ወርሒ በይኑ ክብሪ ኸዋኽብቲውን በይኑ እዩ፤ ብኽብርስ ኮኸብውን ካብ ኮኸብ ይበልጽ እዩ።

[42] ትንሣኤ ሙታንውን ከምኡ እዩ፤ ብዝብስብስ ይዝራእ፤ ብዘይብስብስ ከዓ ይትሥእ።

[43] ብውርደት ይዝራእ፤ ብኽብሪ ይትሥእ። ብድኻም ይዝራእ፤ ብኃይሊ ይትሥእ።

[44] ሥጋዊ ሰብነት ይዝራእ፤ መንፈሳዊ ሰብነት ይትሥእ። ሥጋዊ ሰብነት እንተልዩ መንፈሳዊ ሰብነትውን ኣሎ።

[45] እቲ ቐዳማይ ሰብ ኣዳም ሕይወት ዘለዎ ፍጡር ኮነ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። እቲ ዳኅረዋይ ኣዳም ከዓ ሕይወት ዝህብ መንፈስ ኮነ።

[46] ግና ቕድም ዝመጽእ እቲ ሥጋዊ እዩ እምበር እቲ መንፈሳዊ ኣይኮነን። እቲ መንፈሳዊ ደኃር እዩ ዝመጽእ።

[47] እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ መሬት ስለ ዝተፈጥረ መሬታዊ እዩ። እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ።

[48] እቶም መሬታውያን ከምቲ መሬታዊ እዮም፤ እቶም ሰማያውያን ድማ ኸምቲ ሰማያዊ እዮም።

[49] ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበስና ከምኡ ድማ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ኽንለብስ ኢና።

[50] ግና ኣኅዋተይ! ሥጋን ደምን መንግሥቲ እግዚኣብሔር ክወርስ ከም ዘይከኣሎ እቲ መዋታይ ነቲ ዘይመውት ከም ዘይወርሶ እነግረኩም ኣለኹ።

[51] -

[52] እንሆ ምሥጢር እነግረኩም ኣለኹ፤ እቲ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐ ኲላትና ብሓንሳዕ ብቕጽበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና እምበር ኲላትና ኣይንመውትን ኢና። እቲ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ እቶም ምዉታን ድማ ሕያዋን ኮይኖም ክትሥኡ እዮም፤ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና።

[53] እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ እቲ መዋታይ ከዓ ዘይመውት ክለብስ ይግብኦ እዩ።

[54] እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ እቲ መዋታይ ዘይመውት ምስ ለበሰ ሽዑ ፦ ሞት ተሰኒፉ ተውሓጠ ዝብል ቃል ጽሑፍ ክፍጸም እዩ።

[55] ኦ ሞት! ኣሰናፊነትካ ኣበይ ኣሎ? ኦ ሞት! ምውጋእኻ ኣበይ ኣሎ?

[56] ናይ ሞት መውግኢ ኃጢኣት እዩ፤ ናይ ኃጢኣት ኃይሊ ኸዓ ሕጊ እዩ።

[57] ግና ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክነሰንፍ ዝገብረና እግዚኣብሔር ስብሓት ይኹኖ።

[58] ስለዙይ ፍቑራት ኣኅዋተይ! ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ጽኑዓት ዘይትነቓነቑ ዂሉ ጊዜ ሥራሕ ጐይታ ዝበዝኀልኩም ኩኑ።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ — Chapters