Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:55

[1] ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ ንስኻትኩምውን ንኣይ ምሰሉ።

[2] ብዂሉ ስለ እትዝክሩንን ካባይ ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲውን ኣጽኒዕኹም ስለ ዝኃዝኩምዎን እንእደኩም ኣለኹ።

[3] ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ክርስቶስ ርእሲ ሰበይቲ ኸዓ ሰብኣይ ርእሲ ክርስቶስውን እግዚኣብሔር ከም ዝኾነ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።

[4] እቲ ኽጽሊ እንተሎ ወይ ክንበ እንተሎ ነቲ ርእሱ ዝጕልበብ ነቲ ርእሱ ዝኾነ ክርስቶስ የሕስሮ።

[5] እታ ኽትጽሊ እንተላ ወይ ክትንበ እንተላ ርእሳ ዘይትጕልበብ ሰበይቲ ድማ ከምታ ልጽይቲ ርእሲ እያ እሞ ነቲ ርእሳ ዝኾነ ሰብኣይ ተሕስሮ።

[6] ሰበይቲ ዘይትጕልበብ እንተ ኾይና ግና ፀጕራ ትላጸ ወይ ትቖረጽ። እምብኣርስ ንሰበይቲ ምቝራጽ ወይ ምልጻይ ፀጕራ ዘነውራ ኻብ ኮነ ትጐልበብ።

[7] ሰብኣይ ምስሊ እግዚኣብሔርን ክብሩን ዝገልጽ ስለ ዝኾነ ክጕልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ኽብሪ ሰብኣይ እያ እትገልጽ።

[8] ሰበይቲ እያ ካብ ሰብኣይ ዝተረኽበት እምበር ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይተረኽበንሞ።

[9] ከምኡውን ሰበይቲ እያ ምእንቲ ሰብኣይ ዝተፈጥረት እምበር ሰብኣይ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን።

[10] በዝ ምኽንያት እዙይን ምእንቲ እቶም መላእኽትን ሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ሥልጣን ናይ ሰብኣያ ኽህልዋ ይግባእ።

[11] በቲ ኣብ ጐይታ ዘለና ሕይወት ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ ሰብኣይ ድማ ብዘይ ሰበይቲ ኸቶ ኣይኸውንን እዩ።

[12] ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ከም ዝኾነት ከምኡውን ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ እዩ ዝውለድ፤ ዂሉ ኸዓ ኻብ እግዚኣብሔር እዩ።

[13] እስኪ ባዕልኻትኩም ሕሰብዎ፤ ሰበይቲ ርእሳ እንተይተጐልበበት ናብ እግዚኣብሔር ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ?

[14] ወይ ከዓ ሰብኣይ ፀጕሩ እንተንወኀ ነውሪ ምዃኑስ እቲ ተፈጥሮ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ?

[15] ሰበይቲ ፀጕራ እንተንውኀት ግና ክንዲ መጐልበቢ ፀጕሪ ተውሂብዋ እዩ እሞ ንእኣ ኽብረታ እዩ።

[16] ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ እዝ ነገርዙይ ዝጠራጠር እንተልዩ የስተውዕል፤ ንሕናን እተን ናይ እግዚኣብሔር ኣብያተ ክርስቲያንን ካብዙይ ዝተፈልየ ልማድ የብልናን።

[17] ክትእከቡ እንተለኹም እትገብርዎ ክንዲ ንጽቡቕ ንሕማቕ ስለ ዝኾነ በዝ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዝ ኣይንእደኩምን እየ።

[18] ቅድሚ ዂሉ ኸም ቤተ ክርስቲያን ክትእከቡ እንተለኹም ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይ ከም ዘሎ ሰሚዐ ኣለኹ። ካብቲ ዝሰማዕኽዎውን ገሊኡ ኣኣምኖ እየ።

[19] እቶም ቅኑዓት ምእንቲ ኽገሃዱስ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይ ክኸውን ግድን እዩ።

[20] እቲ ብሓደ ምእካብኩም ማእዲ ጐይታ ንምብላዕ ኣይኮነን።

[21] ምክንያቱ ኽትበልዑ እንተለኹም ነፍስ ወከፍ ተቐዳዲሙ ደድራሩ ይበልዕ፤ እቲ ሓደ እንትጠሚ እቲ ሓደ ይሰክር።

[22] እትበልዑ ሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምን ኢኹም? ነቶም ዘይብሎም እተኅፍርዎም ዘለኹምስ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሔር ንዒቕኩም ዲኹም? እንታይ እሞ ኽብለኩም እየ? ወይ እንታይ እሞ ኽብል? በዙይዶ ኽንእደኩም እየ? ከቶ ኣይንእደኩምን!

[23] እቲ ንኣኻትኩም ዘመኃላለፍኩልኩም ነቲ ኻብ ጐይታ ኢየሱስ ዝተቐበልኩዎ እዩ፤ ጐይታና ኢየሱስ በታ ዝተትኃዘላ ለይቲ ኅብስቲ ኣልዓለ።

[24] ኣመስጊኑ ቖሪሱ እንኩ! ብልዑ ! እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ሥጋይ እዩ፤ እዙይ ንመዘከርታይ ግበርዎ! በለ።

[25] ከምኡ ኸዓ ምስተደረሩ ነቲ ጽዋዕ ኣልዒሉ እዝ ጽዋዕ እዙይ ብደመይ ዝኸውን ሓድሽ ኪዳን እዩ፤ ኣብ እትሰትይዎ ጊዜ ዂሉ ንመዘከርታይ ግበርዎ! በለ።

[26] ነዝ ኅብስቲዙይ ኣብ እትበልዕዎ ነዝ ጽዋዕ እዙይውን ኣብ እትሰትይዎ ጊዜ ዂሉ ክሳዕ ጐይታ ዝመጽእ ሞቱ ኢኹም እትነግሩ።

[27] ስለዙይ እንተይተገብኦ ኅብስቲ ጐይታ ዝበልዕ ወይ ጽዋዕ ጐይታ ዝሰቲ ናይ ጐይታ ሥጋን ደምን እዩ ዝብድል።

[28] እምበኣር ሰብ ካብዝ ኅብስቲ እዙይ ቕድሚ ምብልዑ ን ካብዝ ጽዋዕዙይ ቅድሚ ምስታዩን ርእሱ ይመርምር።

[29] እንተይተገብኦ ዝበልዕን ዝሰትን ናይ ጐይታ ሥጋ ስለ ዘይፈለጠ ኣብ ርእሱ ፍርዲ እዩ ዘምጽእ።

[30] በዝ ምኽንያት እዙይ እዮም ኣብ ማእኸልኩም ብዙኃት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፤ ዝሞቱውን ብዙኃት እዮም።

[31] ንባዕልትና ብትኽክል እንተንፈርድስ ኣይምተፈረደናን ነይሩ።

[32] እንተኾነ ግና ጐይታ ኽፈርደና እንተሎ ይግሥጸና እዩ ዘሎ፤ እዙይ ከዓ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዂነን ኢሉ እዩ።

[33] ስለዙይ ኣኅዋተይ! ንማእዲ ጐይታ ኽትእከቡ እንተለኹም ንስንሳትኩም ደኣ ተጸባበዩ።

[34] ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይኸውን ዝጠመየ እንተልዩ ኣብ ገዝኡ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና ምስ መጻእኹ ኽሠርዐልኩም እየ።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ — Chapters