Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:31

[1] ሓራዶ ኣይኮንኩን እየ? ሓዋርያዶ ኣይኮንኩን እየ? ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስከ ኣይረአኽዎን ድየ? ንስኻትኩምከ ብጐይታ ፍረ ሥራሐይዶ ኣይኮንኩምን?

[2] ንኻልኦት እኳ ሓዋርያ እንተ ዘይኮንኩ ንኣኻትኩምስ ሓዋርያኹም እየ፤ ማሕተም ሓዋርያነተይ ብጐይታ ንስኻትኩም ኢኹምሞ።

[3] ነቶም ዝነቕፉኒ መልሰይ እዙይ እዩ፦

[4] ክንበልዕን ክንሰትንዶ መሰል የብልናን ኢና?

[5] ከምቶም ካልኦት ሓዋርያትን ኣኅዋት ጐይታናን ኬፋን ዝገብርዎ ብእምነት ሓፍትና ዝኾነት ሰበይቲ ምሳና ኽንወስድዶ መሰል የብልናን ኢና?

[6] ወይ ከዓ ኣነን በርናባስን ጥራሕ ዲና ብኢድና ፅዒርና ኽንበልዕ ዝግብአና?

[7] እንታዋይ ወታደር እዩ ብገንዘቡ እናተመገበ ዘገልግል? ወይኒ ተኺሉ ፍሪኡ ዘይበልዕኸ መን እዩ? ወይ እናጓሰየ ካብተን ዝጓስየን መጓሰ ጸባ ዘይሰቲ መን እዩ?

[8] ከም ኣተሓሳስባ ሰብ ጥራሕ ድየ ዝዛረብ ዘለኹ? ሕጊ ሙሴውንዶ ኸምኡ ኣይብልን እዩ?

[9] ኣብ ሕጊ ሙሴ ኣፍ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር ዝብል ተጽሒፉ እዩ እሞ እግዚኣብሔር ብዛዕባ ኣብዑ ር ድዩ ዝግደስ ዘሎ?

[10] ብሱሩኸ ምእንታናዶ ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ? እቲ ዝሓርስ ብተስፋ ኽሓርስ እቲ ዘኽይድ ብተስፋ ከኽይድ ገግዲኦም ክረኽቡ ዝግብኦም ስለ ዝኾነ ምእንታና እዩ ዝተጽሓፈ።

[11] ንሕና ነቲ መንፈሳዊ ነገር ካብ ዘራእናልኩምከ ናይ ሥጋዊ በረኸትኩም እንተ ዓጸድናስ ዓብዪ ነገር ድዩ?

[12] እቶም ካልኦት ምሳኻትኩም ክማቐሉ መሰል ካብ ዝህልዎም ንሕና ግዳ ኽንደይ ካብኡ ዝዓበየ መሰል ዘይህልወና? ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ ከይንዓግት ንዂሉ ንጸውር ኣለና እምበር ነዝ መሰልዙይ ኣይተጠቐምናሉን።

[13] ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉ ኻብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዝምገቡ እቶም ኣብ መሠውዒ ዘገልግሉ ድማ ካብቲ መሥዋዕቲ ኸም ዝካፈሉ ኣይትፈልጡን ዲኹም?

[14] ከምኡ ድማ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩ ኻብ ወንጌል ክምገቡ ሠሪዑ ሎም ኣሎ።

[15] ኣነ ግና ኻብዞም መሰላት እዚኣቶም ብሓደኳ ኣይተጠቐምኩን፤ ከምኡ ምእንቲ ክኾነለይ ኢለውን ኣይኮንኩን እዙይ ዝጽሕፍ ዘለኹ። ሓደ ሰብ ነዝ ትምክሕተይ ከንቱ ኻብ ዝገብሮስ ሞት ይሕሸኒ።

[16] ወንጌል እንተ ሰበኽኩ ዝምክሐሉ የብለይን፤ ክሰብኽ ግዴታይ እዩ እሞ እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ!

[17] ነዙይ ፈትየ እንተ ገበርክዎ ዓስቢ ኣለኒ፤ ከይፈተኹ እንተ ገበርክዎ ግና ብኅድሪ ስለ ዝተውሃበኒ እዩ።

[18] ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ? ወንጌል ክሰብኽ እንተለኹ ነቲ ወንጌል ብምስባኽ ዝግብአኒ መሰል እንተይወሰድኩ ኽሰብኽ እንተለኹ እዩ።

[19] ኣነ ካብ ዂሉ ሓራ እንተለኹ ንብዙኃት ምእንቲ ኽጠቅም ንርእሰይ ባርያ ዂላቶም ገበርኩ።

[20] ነቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኸድኅን ንኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ኾንኩ፤ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኸድኅን ከዓ ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኮንኩ እንተለኹ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ትሕቲ ሕጊ ኸም ዘሎ ኾንኩ።

[21] ነቶም ሕጊ ዘይብሎም ምእንቲ ኸድኅን ሕጊ እግዚኣብሔር ዘለንን ብሕጊ ክርስቶስ ዝነብርን እኳ እንተሃለኹ ምስቶም ሕጊ ዘይብሎም ሕጊ ኸም ዘይብሉ ኾንኩ።

[22] ነቶም ድኹማት ምእንቲ ኸድኅን ድማ ምስቶም ድኹማት ድኹም ኾንኩ፤ ብዂሉ መንገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድኅን ምስ ዂሉ ብዂሉ ነገር ከምኣቶም ኮንኩ።

[23] እዙይ ግና ካብ በረኸቱ ኽካፈል ምእንቲ ወንጌል ኢለ እየ ዝገብሮ ዘለኹ።

[24] ኣብ ሜዳ ቕድድም ኲላቶም ከም ዝጐዩ ነታ ሽልማት ዝወስዳ ግና ሓደ ጥራሕ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ንስኻትኩምውን ሽልማት ምእንቲ ኽትረኽቡ ከምኡ ጕየዩ።

[25] እቲ ዝቃለስ ኲሉ ብዂሉ ንባዕሉ መሊኹ እዩ ዝነብር። እዚኣቶም ነቲ ኃላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኽቕበሉ ይፅዕሩ፤ ንሕና ግና ነቲ ዘይኃልፍ ኣኽሊል ክንቅበል ኢልና ኢና እንፅዕር።

[26] ስለዙይ ኣነ እጐዪ ኣለኹ፤ ግና ኸምቲ ዕላማ ዘይብሉ ኣይኮንኩን። እቃለስ፤ ምስ ንፋስ ከም ዝቃለስ ግና ኣይኮንኩን።

[27] ንኻልኦት እናሰበኽኩ ንርእሰይ ዘይበቅዕ ምእንቲ ኸይከውን ንሰብነተይ እቐጽዖን እገዝኦን ኣለኹ።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ — Chapters