[1] እምበኣር ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምሥጢራት እግዚኣብሔርን ገይሩ ይቝጸረና።
[2] ኣብ ርእሲዙይ ከዓ ዂሎም መገብቲ እሙናት ኮይኖም ክርከቡ ይግብኦም።
[3] ኣነ እኳ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ ግዲ የብለይን፤ ንባዕለይ እኳ ኣይፈርድን እየ።
[4] ሕሊናይ ኣይወቕሰንን እዩ፤ በዙይ ግና ንጹህ እየ ማለት ኣይኮነን። ጐይታ ጥራሕ እዩ ንኣይ ዝፈርደኒ።
[5] ስለዙይ ነቲ ኣብ ጸልማት ዝተሓብአ ናብ ብርሃን ዘምጽእ ሓሳባት ልቢ ኸዓ ዝገልጽ ጐይታ ክሳዕ ዝመጽእ ጊዜ እንተይበጽሐ ሓደኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ነፍስ ወከፍ ነናእዳኡ ኻብ እግዚኣብሔር ክቕበል እዩ።
[6] ኣኅዋተይ! በቲ ሓደ ኽትምክሑ ነቲ ሓደ ኸዓ ኽትንዕቑ ኣይግባእን እዩ። ነቲ ካብ ጽሑፍ ኣይትኅለፍ ዝብሎ ኸዓ ኻባና ምእንቲ ኽትመሃሩ ንጥቕምኹም ኢለ ንባዕለይን ንኣጵሎስን ከም ምሳሌ ኣቕሪበልኩም ኣለኹ።
[7] ካብ ካልኦት ብሉጽ ዝገበረካ መን እዩ? ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣለካ? ዝተቐበልካ ኻብ ኮንካኸ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ እትዕበ?
[8] ድሮ ኸዓ ጸገብኩም፤ ከምኡውን ሃብተምኩም፤ ብዘይ ብኣና ድማ ነገሥኩም፤ ንሕናውን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽንነግሥስ ኣበይሞ ከምነገሥኩም!
[9] ኣነ ግና እግዚኣብሔር ንኣና ንሓዋርያት ከምቶም ንሞት ዝተፈርዱ ድኅሪ ዂሎም ዝገበረና ይመስለኒ። ስለዙይ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት ኴንና ኣለና።
[10] ንሕና ምእንቲ ክርስቶስ ዓያሹ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፤ ንሕና ድኹማት ንስኻትኩም ግና ኃያላት ኢኹም፤ ንስኻትኩም ክቡራት ንሕና ግና ሕሱራት ኢና።
[11] ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንውቃዕን ኣለና፤ መኅደሪውን የብልናን።
[12] በእዳውና እናሠራሕና ንደክም ኣለና። ንዝጸርፈና ንምርቕ ንዘሳጕጉና ንዕገሥ
[13] ስምና ንዘኽፍእ ብጥዑ ም ቃል ንምልስ ኣለና። ክሳዕ ሕዚ ኸም ናይ ዓለም ጐሓፍን ከም ናይ ዂሉ ነገር ጐድፍን ኴንና ኣለና።
[14] እዝ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ኸም ተፈተውቲ ደቀይ ክምዕደኩም እምበር ክኅፍረኩም ኢለ ኣይኮንኩን።
[15] ምንም እኳ ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ መምህራን እንተሃለዉኹም ብዙኃት ኣቦታት የብልኩምን። ወንጌል ብምብሣር ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝወለድኩኹም ኣነ እየሞ።
[16] ስለዙይ ንኣይ ምሰሉ እናበልኩ እልምነኩም ኣለኹ።
[17] በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ ኣብ ኲሉ ሥፍራ ኣብ ኲለን ኣብያተ ክርስቲያን ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ መንገደይ ምእንቲ ኸዘኻኽረኩም እቲ ፍቁር ወደይን ብጐይታ እሙንን ጢሞቴዎስ ሰዲደልኩም ኣለኹ።
[18] ገሊኦም ግና ኣነ ናባኻትኩም ዘይመጽእ መሲልዎም ብትዕቢት ዝተመልኡ ኣለዉ።
[19] እግዚኣብሔር እንተ ፈቒዱስ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፤ ሽዑ እቶም ዕቡያት ዝዛረብዎ ዘይኮነስ ኃይሎም ክርኢ እየ።
[20] መንግሥቲ እግዚኣብሔር ብኃይሊ እምበር ብዘረባ ኣይኮነትንሞ።
[21] እንታይ ትደልዩ? ብበትሪዶ ወይ ብፍቕርን ብመንፈስ ለውሃትን ክመጸኩም?