[1] ብዛዕባ ንጣዖት ዝተሠውዐ ግና ኲላትና ፍልጠት ከም ዘለና ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ትዕቢት የኅድር፤ ፍቕሪ ግና የሓንጽ።
[2] ዝኾነ ሰብ ዝፈልጥ እንተመሰሎ ነቲ ዝፈልጦ ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ገና ኣይፈለጦን።
[3] ንእግዚኣብሔር ዘፍቅር ግና ንሱ ብእግዚኣብሔር ፍሉጥ እዩ።
[4] ብዛዕባ እቲ ንጣዖታት ዝተሠውዐ ምብላዕ ግና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጣዖታት ሓቀኛ ህልውና ኸም ዘይብሎም እንትርፊ ሓደ እግዚኣብሔር ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ንፈልጥ ኢና።
[5] ኣምላኽ እንተይኮኑ ብዙኃት ኣማልኽትን ብዙኃት ጐይቶትን ተብሂሎም ዝጽውዑ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኣለዉ እንተተብሃለኳ
[6] ንኣና ግና ዂሉ ኻብኡ ዝኾነ ንሕናውን ንእኡ ዝኾንና ሓደ እግዚኣብሔር ኣብ እለና፤ ከምኡውን ዂሉ ብእኡ ዝተፈጥረን ንሕናውን ብእኡ እንነብርን ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና።
[7] እዝ ፍልጠት እዙይ ግና ኣብ ኲሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ገሊኦም ምምላኽ ጣዖት ከም ልማድ ገይሮምዎ፤ ክበልዑ እንተለዉ ኸም ንጣዖት ዝተሠውዐ ገይሮም እዮም ዝበልዑ ። ሕሊናኦም ድኹም ስለ ዝኾነ ድማ ይረኽሱ።
[8] ብልዒ ናብ እግዚኣብሔር ኣየቕርበናን፤ እንተበላዕና ዝውስኸልና የብሉን፤ እንተዘይበላዕናውን ዘጕድለልና የብሉን።
[9] ንኣኻትኩም ርእዩ ኻልእ ከይጋገ እቲ ሓርነትኩም ነቶም ብእምነቶም ዘይጠንከሩ መዐንቐፊ ኸይኾኖም ተጠንቀቑ።
[10] ሓደ ሰብ ፍልጠት ንዘለካ ንኣኻ ኣብ ቤት ጣዖት ክትበልዕ እንተ ረአየካ እቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ዝተሠውዐ ንምብላዕዶ ኣይምደፈረን?
[11] ስለዙይ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ኃው ብሰንኪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ።
[12] እምበኣር ከምዙይ ነቶም ኣመንቲ እናበደልኩም ነቲ ድኹም ሕሊናኦም እናቝሰልኩም ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣለኹም።
[13] እምበኣር ምግቢ ንኃወይ ዘዐንቅፎ እንተ ኾይኑስ ንኃወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ ንሓዋሩ ፈጺመ ሥጋ ኣይበልዕን እየ።