Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:00

[1] ሓደ ኻባኻትኩም ምስ ብጻዩ ነገር እንተሃልይዎ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣመንቲ ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑዶ ኽፋረድ ይደፍር እዩ?

[2] ወይ ከዓ እቶም ኣመንቲ ንዓለም ከም ዝፈርዱዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ንዓለም እትፈርዱ እንካብ ኮንኩም ድኣ ነዝ ኣናእሽቱ ነገራት ንምፍራድ ከመይ ዘይትበቕዑ ?

[3] ንመላእኽቲ ኸም እንፈርድዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ናይዛ ዓለም እዚኣ ነገር ግዳ ኸመይ ዘይንፈርድ?

[4] እሞኸ ደኣ ብነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዝዳነ እንተሃልይኩም ስለምንታይ ነቶም ብቤተ ክርስቲያን ዝተንዓቑ ኣሕዛብ ፈረድቲ ትገብሩዎም?

[5] ከኅፍረኩም ኢለ እየ ነዙይ ዝዛረብ ዘለኹ፤ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ኽዓርቕ ዝኽእል ለባም ሰብዶ የብልኩምን?

[6] እኳ ድኣ ኃው ንኃው ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ ይኸስስ ኣሎ!

[7] ብርግጽ ኣብ ንሰንሳትኩም ምክሳስ ምህላዉ ብሱሩ ውርደት እዩ፤ እንተ ትብደሉዶ ኣይመሐሸን? እንተትግፍዑ ዶ ኣይምሐሸን?

[8] መኅልፎ ንስኻትኩም ነኅዋትኩም እንተይተረፈ ትብድሉን ትገፍዑ ን ኣለኹም።

[9] ዓመፅቲ ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ኣይትጋገዩ፤ ኣመንዝራታት ወይ መምለኽቲ ጣዖት ዘመውቲ ወይ ግብሪ ሰዶም ዝገብሩ

[10] ሰረቕቲ ወይ ስሱዓት ወይ ሰካራማት ወይ ተጻረፍቲ ወይ ከተርቲ ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ኣይወርስዋን እዮም።

[11] ገሊኻትኩም ከምኣቶም ኔርኩም ኢኹም። ግና ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።

[12] ኲሉ ተፈቒዱለይ እዩ፤ ግና ዂሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ እዩ፤ ኣነ ግና ናይ ሓደ ነገር እኳ ግዙእ ክኸውን ኣይደልን እየ።

[13] ብልዒ ንኸብዲ ከብዲ ኸዓ ንብልዒ እዩ፤ እግዚኣብሔር ግና ንኽልቲኦም ከጥፍኦም እዩ። ሰብነት ንእግዚኣብሔር እግዚኣብሔርውን ንሰብነት እዩ እምበር ሰብነት ንምንዝርና ኣይኮነን።

[14] እግዚኣብሔር ድማ ኸምቲ ንጐይታና ካብ ምዉታን ዘተሥኦ ንኣናውን ብኃይሉ ኸተሥአና እዩ።

[15] እቲ ሰብነትኩም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እሞኸ ደኣ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮዶ ይግባእ እዩ? ኣይግባእን!

[16] መጽሓፍ ክልቲኦም ሓደ ኣካል ክኾኑ እዮም ከም ዝብል ምስ ኣመንዝራ ዝዘመወ ምስኣ ሓደ ኣካል ከም ዝኸውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?

[17] እቲ ምስ ጐይታ ሓደ ዝኸውን ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ።

[18] ካብ ዝሙት ረሓቑ፤ ሰብ ዝገብሮ ኃጢኣት ኲሉ ኻብ ሰብነቱ ወፃኢ እዩ ዝገብሮ፤ ዝምንዝር ግና ኣብ ናይ ባዕሉ ሰብነት እዩ ዝብድል።

[19] ሰብነትኩም ቤተ መቅደስ ናይቲ ኻብ እግዚኣብሔር ዝተቐበልኩምዎ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር ናይ ባዕልትኹም ኣይኮንኩምን።

[20] ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም፤ ስለዙይ ንእግዚኣብሔር ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ — Chapters