Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:56

[1] ኣኅዋተይ! ኣነውን ናባኻትኩም ክመጽእ እንተለኹ ብኽእለት ዘረባ ወይ ብፍልስፍና ምሥጢር እግዚኣብሔር ክሰብከልኩም ኣይመጻእኹን።

[2] እዙይ ከዓ ምሳኻትኩም እንተለኹ እንትርፊ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ኸዓ እቲ ዝተሰቕለ እንተዘይኮይኑ ኻልእ ከይፈልጥ ወሲነ እየሞ።

[3] ኣነ ኸዓ ብድኻምን ብፍርኃትን ብብዙኅ ምንቅጥቃጥን እየ ምሳኻትኩም ዝነበርኩ።

[4] ቃለይን ስብከተይን ንመንፈስ ቅዱስን ኃይሉን ዝገልጽ እምበር ብዝጥብር ቃል ጥበብ ኣይነበረን።

[5] እዙይ ከዓ እምነትኩም ኣብ ኃይሊ እግዚኣብሔር እምበር ኣብ ጥበብ ሰብ ዝተመሥረተ ምእንቲ ኸይኸውን እዩ።

[6] ኣብ ማእኸል እቶም ብመንፈስ ብሱላት ዝኾኑ ግና ጥበብ ንዛረብ ኢና፤ እቲ እንዛረቦ ግና ጥበብ እዛ ዓለም ወይ ጥበብ ናይቶም ዝኃልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነን።

[7] ንሕናስ እቲ እግዚኣብሔር ቅድሚ ዘመናት ንኽብርና ዘዳለዎ ተሰዊሩ ዝነበረ ምሥጢር ንዝኾነ ጥበብ እግዚኣብሔር ኢና እንዛረብ።

[8] ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደኳ ነዝ ጥበብ እዙይ ኣይፈለጦን፤ እንተዝፈልጡስ ነቲ ጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም።

[9] ግና እቲ ጽሑፍ፦ ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ ዘይሰምዐቶ ልቢ ሰብ ዘይሓሰቦ እግዚኣብሔር ነቶም ዝፈትውዎ ኣዳልዩሎም ኣሎ ይብል።

[10] ንኣና ግና እግዚኣብሔር ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና፤ እቲ መንፈስ ቅዱስ ንዂሉ ናይ እግዚኣብሔር ዓሚቝ ምሥጢር ዝምርምር እዩ እሞ።

[11] እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኮይኑ ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ዝፈልጥ የለን። ከምኡውን መንፈስ እግዚኣብሔር እንተ ዘይኮይኑ ነቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎ ሓሳብ ሓደኳ ዝፈልጦ የለን።

[12] ንሕና ግና ነቲ እግዚኣብሔር ብኸምኡ ዝሃበና ጸጋ ምእንቲ ኽንፈልጥስ ነቲ ኻብ እግዚኣብሔር ዝኾነ መንፈስ ደኣ ተቐበልና እምበር ናይዚ ዓለም መንፈስ ኣይተቐበልናን።

[13] ንሕና ኸዓ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳውያን ሰባት እናሰማማዕና ጥበብ ሰብ ብዝምህረሉ ቓል ዘይኮነስ መንፈስ ቅዱስ ብዝምህረሉ ቓል ንዛረብ ኣለና።

[14] መንፈስ እግዚኣብሔር ዘይብሉ ሰብ ነቲ ኻብ መንፈስ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ኣይቕበሎን እዩ፤ ንእኡ ዕሽነት እዩ፤ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ ኸዓ ክፈልጦ ኣይኽእልን እዩ እሞ።

[15] ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ዝኃደሮ ሰብ ግና ንዂሉ ይምርምር፤ ንሱ ግና ብሓደኳ ኣይምርመርን እዩ።

[16] ናይ እግዚኣብሔር ሓሳብ መን ይፈልጥ? መማኽርቱኸ መንዩ? ንሕና ግና ናይ ክርስቶስ ልቢ ኣለና።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ — Chapters