[1] ኣኅዋተይ! ኣነ ግና ከም ሥጋውያን ብክርስቶስ ከዓ ገና ከም ዘይዓበዩ ሕፃናት እምበር ከም መንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይከኣልኩን።
[2] ድልዋት ስለ ዘይነበርኩም ዕፁም ብልዒ ዘይኮነስ ጸባ ኣምዓጕኩኹም፤ ሕዝውን ድልዋት ኣይኮንኩምን።
[3] እዙይ ከዓ ገና ሥጋውያን ስለ ዝኾንኩም እዩ፤ ኣብ ማእኸልኩም ቅንእን ባእስን ምህላዉስ ሥጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኮነን? ከም ዓለማውያንዶ ኣይኮንኩምን እትመስሉ?
[4] ካባኻትኩም ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ ካልእ ከዓ ኣነ ናይ ኣጵሎስ እየ ዝብል ኣሎሞ ሥጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኮነን?
[5] እምበርከ ኣጵሎስ እንታይ እዩ? ጳውሎስከ እንታይ እዩ? እምበኣር ንሳቶም ንነፍስ ወከፎም እግዚኣብሔር ከም ዝሃቦም ናብ እምነት ዘብጽሑኹም ኣገልገልቲ እዮም።
[6] ኣነ ተኸልኩ፤ ኣጵሎስ ኣስተየ፤ እግዚኣብሔር ድማ ኣዕበየ።
[7] እቲ ዘዕቢ እግዚኣብሔር ደኣ እምበር እቲ ዝተኸለ ኾነ እቲ ዘስተየ ዝጠቅም የብሉን።
[8] እቲ ዝተክልን እቲ ዘስትን ማዕረ እዮም ኲሎም ከከም ፃዕሮም ዋግኦም ክረኽቡ እዮም።
[9] ንሕና ምስ እግዚኣብሔር እንሠርሕ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና ግራት እግዚኣብሔርን ሕንፃ እግዚኣብሔርን ኢኹም።
[10] ኣነ እግዚኣብሔር ብዝሃበኒ ጸጋ ኸም ፈላጥ ሓናጺ ኾይነ መሠረት ሠረትኩ፤ ሓደ ኻልእ ኣብ ልዕሊኡ የሃንጽ ኣሎ፤ ነፍስ ወከፍ ከመይ ገይሩ ኸም ዝሃንጽ ይጠንቀቕ።
[11] ምኽንያቱ ብዘይ እቲ ሥሩት መሠረት ንሱ ኸዓ ኢየሱስ ክርስቶስ ካልእ መሠረት ክሥርት ዝኽእል ሓደኳ የለን።
[12] ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ልዕሊ እዛ መሠረት እዚኣ ብወርቂ ብብሩር ብኽቡር እምኒ ብዕንጨይቲ ብሣዕሪ ወይ ብሓሰር እንተ ሠርሐ
[13] ናይ ነፍስ ወከፍ ሰብ ሥራሕ ክገሃድ እዩ፤ እታ መዓልቲ ብሓዊ ኽትግለጽ ስለ ዝኾነት ክትቀልዖ እያ፤ ሥራሕ ነፍስ ወከፍ ከመይ ከም ዝኾነ ኸዓ እቲ ሓዊ ኽፍትኖ እዩ።
[14] እቲ ኣብ መሠረት ሓኒጹ ሥርሑ ዝጸንዐሉ ሰብ ዓስቡ ኽቕበል እዩ።
[15] ሥርሑ ዝቲጸሎ ሰብ ግና ዓስቡ ኽስእን እዩ፤ እንተኾነ ንሱ ኽድኅን እዩ፤ ግና ኸምቲ ብሓዊ ኃሊፉ ዝድኅን ሰብ ይድኅን።
[16] ናይ እግዚኣብሔር ቤተ መቅደስ ከም ዝኾንኩምን መንፈስ እግዚኣብሔር ኣባኻትኩም ኃዲሩ ኸም ዘሎንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
[17] ዝኾነ ሰብ ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ቤተ መቅደስ እንተፍረሰ እግዚኣሔር ንእኡ ድማ ኸፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ እግዚኣብሔር ቅዱስ እዩ፤ እዝ ቤተ መቕደስ እዙይውን ንስኻትኩም ኢኹም።
[18] ሓደኳ ርእሱ ኣየታልል፤ ካባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ዝኾነ እንተ መሰሎ ጥበበኛ ምእንቲ ክኸውን ዓሻ ይኹን።
[19] ነቶም ጥበበኛታት ብጕርሖም ይኅዞም ተብሂሉ ኸም ዝተጽሓፈ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዕሽነት እዩ እሞ።
[20] ከምኡውን ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ኸም ዝኾነ እግዚኣብሔር ይፈልጦ እዩ ዝብል ተጽሒፉ ኣሎ።
[21] እምብኣርከስ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ ሓደኳ ብሰብ ኣይመካሕ።
[22] ጳውሎስ ኮነ ኣጵሎስ ኬፋ ኾነ ዓለም ሕይወት ኮነ ሞት ዘሎ ኾነ ዝመጽእ ኲሉ ናታትኩም እዩ።
[23] ንስኻትኩም ናይ ክርስቶስ ኢኹም፤ ክርስቶስ ከዓ ናይ እግዚኣብሔር እዩ።