Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:00

[1] ኲልሻዕ ብኅውነታዊ ፍቅሪ ንበሩ።

[2] ኣጋይሽ ምቕባል ኣይትረስዑ፤ ገሊኣቶም እንተይፈለጡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ዝተቐበሉ ኣለዉሞ።

[3] ንእሱራት ምስኣቶም ከም ዝተኣሰርኩም ኴንኩም መከራ ንዝተቐበሉውን ከምኣቶም መከራ ኸም እትቕበሉ ዘለኹም ኴንኩም ዘክርዎም።

[4] መውስቦ ኣብ ኲሉ ኽቡር ይኹን፤ እቲ ዓራት ኣሚን ከዓ ኣይርከስ። ንኣመንዝራታትን ንዘመውትን ግና እግዚኣብሔር ክፈርዶም እዩሞ።

[5] እግዚኣብሔር ባዕሉ ኣይኃድገካን ሸለልውን ከቶ ኣይብለካን እየ ኢሉ እዩ እሞ ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፤ በቲ ዘለኩምውን የኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ።

[6] ስለዙይ ብትብዓት እግዚኣብሔር ረዳእየይ እዩ እሞ ኣይፈርኅን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ ንበል።

[7] ነቶም ቃል እግዚኣብሔር ዝመሃሩኹም፤ መራሕቲ ዘክርዎም፤ ናይ ኣካይዳኦም ፍረ ኣስተውዒልኩም ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።

[8] ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለምን ንሱ እዩ፤ ኣይልወጥን።

[9] ብዙኅ ብዝዓይነቱ ብዘይተለመደ ሓድሽ ትምህርቲ ኣይትታለሉ፤ ነቶም ብእኡ ዝመላለሱ ሓንቲ ዘይጠቕሞም ናይ መብልዕ ሥርዓት ዘይኮነስ ልብኹም ብጸጋ እንተጸንዐ ሠናይ እዩሞ።

[10] እቶም ነታ ድንኳን ዘገልግሉ ኻብኡ ኽበልዑ ዘይግብኦም ንኣና መሠውዒ ኣለና።

[11] እቲ ሊቀ ካህናት ነቲ ምእንቲ ኃጢኣት ዝውፈ ናይ እንስሳታት ደም ኂዙ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን የኣቱ። እቲ ሥጋ ግና ካብ ሠፈር ወፃኢ ይቃጸል ነበረ።

[12] ኢየሱስውን ንሕዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኽቕድስ ኣብ ወፃኢ እታ ከተማ መከራ ተቐበለ።

[13] እምበኣር ንሕናውን ንሱ ዝተቐበሎ ውርደት ፆይርና ናብ ወፃኢ ሠፈር ናብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ንኺድ።

[14] ነታ እትመጽእ ደኣ ንጽበ ኣለና እምበር ኣብዙይ ባሪት ከተማ የብልናንሞ።

[15] እምበኣርከስ ኲሉ ጊዜ ንኣምላኽ ብኢየሱስ መሥዋዕቲ ምስጋና ነቕርብ። እዙይ ከዓ እቲ ንስሙ ዝእመን ናይ ከናፍርና ምስጋና እዩ።

[16] ሠናይ ምግባርን ዘለኩም ንኻልኦት ምክፋልን ኣይትረስዑ፤ ከምዙይ ዝበለ መሥዋዕቲ ንእግዚኣብሔር የሕጕሶ እዩሞ።

[17] ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ መልሲ ዘቕርቡ ነቒሖም ምእንቲ ነፍስኹም ይተግሁ እዮም እሞ። ስለዙይ ነዙይ ብጓሂ እንተ ገበርዎ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ ተሓጕሶም ከም ዝገብርዎ ግበሩ።

[18] ቕኑዕ ሕሊና ኸም ዘለና ርግጸኛታት ኢና፤ ኣብ ኲሉ ጽቡቕ ንምግባርውን ድልየት ኣለናሞ ጸልዩልና።

[19] ብዝበለጸ እኳ ናባኻትኩም ቀልጢፈ ምእንቲ ኽምለስ ክትጽልዩ እልምነኩም ኣለኹ።

[20] እቲ ሰላም ዝህብ እግዚኣብሔር ብደም እቲ ናይ ዘለዓለም ኪዳን ገይሩ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ሞት ብምትሣእ ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ ዝገበሮ

[21] ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዘብሎ እናገበረ ብዅሉ ሠናይ ግብሪ ፍቓዱ ኽትፍጽሙ የብቅዕኹም። ንእኡ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ክብሪ ይኹኖ ኣሜን።

[22] ኣቱም ኣኅዋተይ ነዝ ኣሕጽር ኣቢለ ጽሒፈልኩም ዘለኹ ቃል ምዕዳን ብትዕግሥቲ ኽትቅበልዎ እልምነኩም ኣለኹ።

[23] ጢሞቴዎስ ኃውና ኸም ዝተፈትሐ ፍለጡ፤ ንሱ ቐልጢፉ ናባይ እንተ መጺኡ ብሓደ ዄንና ኽንሪአኩም ኢና።

[24] ንዅሎም መራሕትኹምን ንዅሎም ኣመንትን ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝመጹ አመንቲ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።

[25] ጸጋ ምስ ኲልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን — Chapters