[1] እምበኣር ብዛዕባ ክርስቶስ እቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ኃዲግና ዕሙቕ ናብ ዝበለ ትምህርቲ ንኅለፍ። ብዛዕባ ኻብቲ ናብ ሞት ዘብጽሕ ግብሪ ብንስሓ ምምላስ ብዛዕባ ብእግዚኣብሔር ምእማን
[2] ብዛዕባ ጥምቀት ብዛዕባ ኢድ ኣንቢርካ ምጽላይ ብዛዕባ ትንሣኤ ምውታን ብዛዕባ ናይ ዘለዓለም ፍርዲ ዝምልከት መሊስና መሠረት ክንምሥርት ኣየድልን።
[3] እግዚኣብሔር እንተፈቒዱስ እዙይ ክንገብር ኢና።
[4] እቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሀሎም ሰማያዊ ውህብቶ ዝጠዓሙ ተሳተፍቲ መንፈስ ቅዱስ ዝኾኑ
[5] ነቲ ሠናይ ዝኾነ ቃል እግዚኣብሔርን ኃይሊ ናይታ እትመጽእ ዓለምን ዝጠዓሙ
[6] ዝኣመንዎ እንተኽሒዶም ንወዲ እግዚኣብሔር ብፍቓዶም መሊሶም ስለ ዝሰቕልዎን ብገሃድ ስለ ዘላግጽሉን ብንስሓ ኽምለሱ ኣይከኣልን እዩ።
[7] እታ ብዙኅ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ዝሓርስዋ ዝጠቅም ፍረ እንተሃበቶም ካብ እግዚኣብሔር በረኸት ትረክብ።
[8] እሾዅን ዳንዴርን እንተብቈለት ግና ንመርገም ዝቐረበት ጥቕሚ ዘይብላ ምድሪ እያ፤ መወዳእታኣ ኸዓ ብሓዊ ምንዳድ እዩ።
[9] ኣቱም ፍቑራተይ ከምዙይ ኢልና እንተተዛረብና እኳ ብዛዕባኻትኩምስ ዘጠራጥር የብልናን። ነቲ ሠናይን ናብ ድኅነት ዘብጽሐኩም ነገርን ትፈልጥዎ ኢኹም።
[10] እግዚኣብሔር ቅኑዕ ፈራዲ ስለዝኾነ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘለኹምን ሥራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።
[11] ነፍስ ወከፍኩም እቲ ተስፋኹም ምእንቲ ኽፍጸመልኩም ክሳዕ መወዳእታ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ትግሃት ክተርእዩ ንደሊ ኣለና።
[12] ነቶም ብእምነትን ብትዕግሥትን ነታ ተስፋ ዝወርሱ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር ሃካያት ክትኮኑ ኣይንደልን ኢና።
[13] -
[14] እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ተስፋ ኽህቦ እንተሎ ካብ ስሙ ዝዓቢ ዝምሕለሉ ኻልእ ስለ ዘየለ ብሓቂ ኽባርኸካን ከብዝኀካን እየ ኢሉ ብርእሱ መሓለሉ።
[15] ኣብርሃም ድማ ብትዕግሥቲ ተጸብዩ ነታ ተስፋ ረኸባ።
[16] ሰባት ካብኣቶም ብዝዓቢ ይምሕሉ፤ እቲ ማሕላ ኸዓ ነቲ ዝተብሃለ የጽንዖ፤ ንዅሉ ክርክር ከዓ ይውድኦ።
[17] ስለዙይውን እግዚኣብሔር እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ብገሃድ ከርእዮም ምስ ደለየ ብማሕላ ኣረጋገጸሎም።
[18] እምበኣር ንሕና በዘን ክልተ ዘይልወጣ ነገራት ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን እግዚኣብሔር ከዓ ብኣኣተን ክሕሱ ዘይከኣሎ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ ናብኡ ተማዕቝብና ዘለና ጥንኩር ምጽንናዕ ኽንረክብ ኢና።
[19] እዛ ተስፋ እዚኣ ድልድልትን ጽንዕትን ዝኾነት ናይ ሕይወትና መልህቅ እያ። ብመጋረጃ ኃሊፋ ናብታ ውሽጣዊት መቕደስ እትበጽሕውን እያ።
[20] ኢየሱስ ድማ ከም መዓርግ መልከጸዴቅ ናይ ዘለዓለም ሊቀ ካህናት ኮይኑ ምእንታና ቅድሜና ናብኣ ኣትዩ እዩ።