Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:58

[1] ምእንትዙይ ንሕናውን ክንድዙይ ዝኣኽሉ መሰኻኽር ከም ደመና ኸቢቦምና ስለ ዘለዉ ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ኃጢኣት ኣርኂቕና በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ ብትዕግሥቲ ጸኒዕና ንጕየ።

[2] ንዅሉ ውርደት ንዒቑ ምእንቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሠ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሔር ዝተቐመጠ ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።

[3] ምእንቲ ኸይትደኽሙን ተስፋ ኸይትቖርጹን ነቲ ብኃጥኣን ክንድዙይ ዝኣክል መከራ ዝተዓገሠ ንእኡ ዘክርዎ።

[4] ምስ ኃጢኣት ክትቃለሱ እንተለኹም ገና ኽሳዕ ምፍሳስ ደምኩም እትበጽሑ ኣይቲወምኩምን።

[5] እቲ ኸም ውሉድ ገይሩ ከምዙይ ኢሉ ዝምዕደኩም ቃል ረሲዕኹምዎ ዲኹም? ወደይ ተግሳጽ ጐይታ ኣይተቃልል፤ እንተ ቐጽዐካውን ተስፋ ኣይትቑረጽ፤

[6] እግዚኣብሔር ነቲ ዝፈትዎ እዩ ዝግስጽሞ ነቲ ኸም ወዱ ንዝተቐበሎውን ይቐጽዖ።

[7] እግዚኣብሔር ከም ውሉዱ ይርእየኩም እዩሞ እንተ ቐጽዐኩም ተዓገሡ ኣቦኡ ዘይቐጽዖ ውሉድከ መን እዩ?

[8] ከምቶም ኲሎም ውሉድ መቕጻዕቲ እንተዘይተቐቢልኩም ግና ድቓሉ ደኣ እምበር ውሉድ ኣይኮንኩምን።

[9] ኣብ ልዕሊዙይ ብሥጋ ዝወለዱና ኣቦታት ዝቐጽዑና ካብ ኮኑ ንሕናውን እነኽብሮም ካብ ኮንና ብሕይወት ምእንቲ ኽንነብር ነቲ መንፈሳዊ ኣቦና ደኣ ኸመይ ኣብሊጽና ኽንእዘዞ ዘይግብአና

[10] ሥጋውያን ኣቦታትና ንቑሩብ ጊዜ ከምቲ ጽቡቕ እዩ ኢሎም ዝገመትዎ ገይሮም ይቐጽዑና፤ እግዚኣብሔር ግና ናይ ቅድስናኡ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ንጥቕምና ይቐጽዐና።

[11] ኲሉ ቕጽዓት ንጊዜኡ የኅዝን እምበር ኣየሐጕስን እዩ፤ ብትዕግሥቲ ንዝተቐበልዎ ግና ንሓዋሩ ሰላም ዝመልኦ ናይ ጽድቂ ፍረ እዩ ዘፍርየሎም።

[12] ስለዙይ ዝደንዘዙ ኣእዳውኩምን ዝደኸሙ ኣብራኽኩምን ኣጽንዑ።

[13] ዝሕንክስ ክሓዊ እምበር ዝገደደ ምእንቲ ኸይዘናበልስ ነእጋርኩም ቅኑዕ መንገዲ ግበሩ።

[14] ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ፤ ብዘይ ቅድስና ሓደኳ ንእግዚኣብሔር ዝርእዮ የለን እሞ ቅዱሳን ክትኮኑ ፀዓሩ።

[15] ካብ ጸጋ እግዚኣብሔር ሓደኳ ኸይወፅእ ከምኡውን መሪር ሡር በቝሉ ኸየጨንቐኩም ንብዙኃት ከዓ ኸየርክስ ተጠንቀቑ።

[16] ሓደኳ ዘማዊ ዝኾነ ወይ ከምቲ ንሓንቲ ጊዜ ኽበልዕ ኢሉ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው መንፈስ ዘይብሉ ሰብ ከይህሉ ተጠንቀቑ።

[17] ኤሳው ጸኒሑ ነታ በረኸት ክወርስ እኳ እንተደለያ ኣይተውሃቦን፤ ብንብዓትውን እንተ ደለያ ንንስሓ ዝኸውን ጊዜ ከም ዘይረኸበ ትፈልጡ ኢኹም።

[18] -

[19] ንስኻትኩም ኣብቲ ሃልሃል ብዝብል ሓዊ ጣቓ ጸልማት ንፋስ ኣውሎ ብድምፂ መለኸትን ቃል ዝስመዐሉ ድምፅን ዝተኸበበ ብኢድ ክድህሰስ ናብ ዝኽእል እምባ ሲና ኣይኮንኩምን በጺሕኩም ዘለኹም።

[20] እንስሳ እኳ ነቲ እምባ እንተ ነኽአ ብእምኒ ተቐጥቒጡ ይሙት ዝብል ትእዛዝ ክፆርዎ ኣይከኣሉንሞ ወሲኹ ኸይዛረቦም ለመንዎ።

[21] እቲ ትርኢት ክሳዕ ኽንድዙይ ዘፍርኅ ስለ ዝነበረ ድማ ሙሴ እፈርኅን እርዕድን ኣለኹ በለ።

[22] ንስኻትኩም ግና ናብ እምባ ጽዮንን ናብታ ኸተማ ሕያው እግዚኣብሔር ዝኾነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌምን ናብቶም ብሓጐስ ዝተኣከቡ ኣእላፋት ዝኾኑ መላእኽትን

[23] ናብታ በቶም ኣብ ሰማያት ስሞም ዝተጽሓፈ በዅሪ ዝኾኑ ዝቖመት ቤተ ክርስቲያንን ናብቲ ንዅሉ ዝፈርድ እግዚኣብሔርን ናብ ነፍሳት እቶም ፍጹማን ዝኾኑ ጻድቃንን በጺሕኹም ኢኹም።

[24] ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቂ ዝኾነ ኢየሱስን ናብቲ ካብ ደም ኣቤል ብዝበለጸ ዝዛረብ ምንዛኅ ደምን ኢኹም በጺሕኹም ዘለኹም።

[25] እምበኣር ነቲ ዝዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ኸይትኣብይዎ ተጠንቀቑ፤ እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘየምለጡ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝዛረበና ምስማዕ እንተኣበና ከመይ ኢልና ኽነምልጥ ንኽእል?

[26] ሽዑ ድምፁ ንምድሪ ኣናወጻ፤ ሕዚ ግና ንምድሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሰማይውን ሓንሳእ ደጊመ ኸናውጾ እየ ኢሉ ቓል ኣትዩ እዩ።

[27] ሓንሳእ ደጊመ ዝብል ቃል ከዓ እቲ ዝናወጽ ፍጡር ኲሉ ኸም ዝኃልፍ እቲ ዘይናወጽ ከዓ ጸኒዑ ኸም ዝነብር ከመልክት ኢሉ እዩ።

[28] እምበኣር ዘይትናወጽ መንግሥቲ እንቕበል ካብ ኮንና መመስገንቲ ንኹን፤ ነቲ ንእኡ ባህ ዘብሎ ኣምልኾ ድማ ብፍርኃትን ኣኽብሮትን ነቕርበሉ።

[29] ኣምላኽና ዝባላዕ ሓዊ እዩሞ።

መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን — Chapters