[1] እግዚኣብሔር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብዙኅ ጊዜን ብዝተፈላለየ መንገድን ነቦታትና ብነቢያት ገይሩ ተዛሪብዎም ነይሩ፤
[2] ኣብዘን ዳኅረዎት መዓልትታት ግና ንኣና በቲ ወራስ ኲሉ ብዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና።
[3] ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሔር መግለጺ ንዂሉ ነገር ብናይ ቃሉ ኃይሊ ዘቕውም ብባህርዩ ፍጹም ኣርኣያ እግዚኣብሔር ዝኾነ እዩ። ኃጢኣትናውን ምሰንጽሀ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑ ል እግዚኣብሔር ተቐመጠ።
[4] እቲ ዝወረሶ ስም ካብ ስም መላእኽቲ የመና ኸም ዝዓቢ ወልድ ከዓ ካብ መላእኽቲ የመና የዓቢ እዩ።
[5] ካብ መላእኽቱ ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፤ ከምኡ ኸዓ ኣነ ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱውን ውሉድ ክኾነኒ እዩ ዝበሎ ንመን እዩ?
[6] መሊሱ ነቲ በዂሪ ወዱ ናብ ዓለም ክልእኾ እንተሎ ኲላቶም መላእኽቲ እግዚኣብሔር ይስገዱሉ ይብል።
[7] ብዛዕባ መላእኽቲ ኸዓ ንመላእኽቱ ንፋሳት ነገልገልቱ ነበልባል ሓዊ ይገብሮም ይብል።
[8] ብዛዕባ ወልድ ግና ኦ ኣምላኸይ! ዙፋንካ ንዘለዓለመ ዓለም ይነብር፤ በትሪ መንግሥትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ።
[9] ጽድቂ ፈተኻ፤ ዓመፅውን ጸላእኻ፤ ስለዙይ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኅልፊ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ ይብል።
[10] ከምኡ ድማ፦ ኦ ጐይታይ! ንስኻ ካብ መጀመርታ ንምድሪ መሥረትካያ፤ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
[11] ንሳቶም ክጠፍኡ እዮም፤ ንስኻ ግና ትነብር፤ ንሳቶም ከም ክዳን ክበልዩ እዮም፤
[12] ንስኻ ከም ዓለባ ኽትጥቕልሎም ኢኻ፤ ንሳቶምውን ክልወጡ እዮም። ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፤ ንዘመናትካውን መወዳእታ የብሉን ይብል።
[13] እግዚኣብሔር ካብ መላእኽቲ፦ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ክሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ ዝበሎ ንሓደኳ የለን።
[14] ኲላቶም መላእኽቲ ንኣገልግሎት እቶም ክድኅኑ ዘለዎም ዝለኣኹ ናይ ኣገልግሎት መናፍስቲዶ ኣይኮኑን?