Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:46

[1] እምበኣር ኣቱም ኣብ ሰማያዊ ጽውዓ ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ቅዱሳን ኣኅዋትና ናይ እምነትና ሓዋርያን ሊቀ ካህናትን ንዝኾነ ኢየሱስ ሕሰብዎ።

[2] ከምቲ ሙሴ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር እሙን ዝነበረ ኢየሱስውን ኣብ ቅድሚ እቲ ዝሸሞ እግዚኣብሔር እሙን ነበረ።

[3] ካብቲ ገዛ ነቲ ገዛ ዝሠርሐ ዝበለጸ ኽብሪ ኸምዘለዎ ከምኡ ኸዓ ካብ ሙሴ ኢየሱስ ዝበለጸ ኽብሪ ኣለዎ።

[4] ነፍስ ወከፍ ገዛ ዝሠርሖ ሰብ ኣለዎ፤ እቲ ንዅሉ ዝሠርሕ ግና እግዚኣብሔር እዩ።

[5] ብዛዕባ እቲ ንሓዋሩ ክኸውን ንዘለዎ ነገራት ምስክር ምእንቲ ክኸውን ሙሴ ኣብ ኲላ ቤተ እግዚኣብሔር እሙን ኣገልጋሊ ነበረ።

[6] ክርስቶስ ግና ከም ውሉድ ኣብ ልዕሊ ቤተ እግዚኣብሔር እሙን እዩ፤ ነቲ ትብዓትናን እንምክሐሉ ተስፋናን ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተኂዝና ድማ ቤተ እግዚኣብሔር ንሕና ኢና።

[7] ምእንትዙይ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝብሎ ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም

[8] ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ንእግዚኣብሔር ክትፈታተንዎ እንተለኹም ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ ልብኹም ኣይተትርሩ።

[9] ኣብኡ ኣቦታትኩም ተሃላለኹንን ተፈታተኑንን፤ ነርብዓ ዓመት ከዓ ግብረይ ረአዩ።

[10] ስለዙይ ነዝ ትውልዲ እዙይ ተቖጣዕኽዎ፤ ኲልሻዕ ብልቦም ይስሕቱ፤ ንመንገደይውን ኣይፈለጥዎን› በልኩ።

[11] ብቝጠዐይ ድማ ናብቲ ኣነ ዘዳለኹሎም ዕረፍቲ ኸቶ ኣይኣትዉን እዮም› ኢለ መሓልኩ።

[12] ኣኅዋተይ ካባኻትኩም ካብቲ ሕያው ዝኾነ እግዚኣብሔር ዘርሕቕ ክፉእን ዘይኣምን ልብን ዘለዎ ሓደኳ ኸይህሉ ተጠንቀቑ።

[13] እኳ ደኣ ሎሚ ተብሂሉ ዝጽዋዕ መዓልቲ ኽሳዕ ዘሎ ብናይ ኃጢኣት ምትዕሽሻው ናይ ሓደ ሰብ ልቢ እኳ ምእንቲ ኸይተርር በብመዓልቱ ንስንሳትኩም ተመዓዓዱ።

[14] ነታ መጀመርታ እምነትና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ኂዝናያ መዋርስቲ ክርስቶስ ንኸውን።

[15] እዙይ ከዓ ኸምቲ፦ ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም ከምቲ ንእግዚኣብሔር ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ ልብኹም ኣይተትርሩ ዝበሎ እዩ።

[16] እቶም ሰሚዖም ምእዛዝ ዝኣበይዎኸ እንመን እዮም? ኲላቶም እቶም ሙሴ ካብ ግብጺ መሪሑ ዘውፅኦምዶ ኣይኮኑን?

[17] ነርብዓ ዓመት ዝተቖጥዖምከ እንመን እዮም? ነቶም ኃጢኣት ዝገበሩ እሞ ሬሳኦም ኣብ ምድረ በዳ ዝወደቐዶ ኣይኮኑን?

[18] ናብቲ ዘዳለኹሎም ዕረፍቲ ኣይኣትዉን እዮም ኢሉ ዝመሓለሎምከ እንመን ድዮም? ነቶም ዘይተኣዘዝዎዶ ኣይኮነን?

[19] ብሰንኪ ዘይምእማኖም ክኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውን ንርኢ ኣለና።

መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን — Chapters