[1] እምበኣር ናብ እግዚኣብሔር ዘዳለዎ ዕረፍቲ ንምእታው ተስፋ ካብ ሃለወና ምናልባሽ ሓደ ኻባኻትኩም ናብዝ ዕረፍቲ እዙይ እንተይኣተወ ዝተርፍ ከይህሉ ንጠንቀቕ።
[2] ንኣናውን ከምቲ ንኣኣቶም ዝተሰብከሎም እዩ ወንጌል ዝተሰበኸልና፤ እንተኾነ ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል ብእምነት ስለ ዘይተቐበልዎ ኣይጠቐሞምን።
[3] ንሕና እንኣምን ግና ናብቲ እግዚኣብሔር ዘተስፈዎ ዕረፍቲ ኽንኣቱ ኢና። ሥራሕ እግዚኣብሔር ኣብ ምፍጣር ዓለም ተወዲኡ እንተ ነበረ እኳ እቲ ጽሑፍ ናብቲ ዕረፍተይ ኣይኣትዉን እዮም፤ ኢለ ብቝጥዓይ መሓልኩ ይብል።
[4] ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣብ ሓደ ሥፍራ እግዚኣብሔር ካብ ኲሉ ሥራሑ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ ይብል።
[5] ኣብኡ ኸዓ ደጊሙ ናብቲ ዕረፍተይ ኣይኣትዉን እዮም ይብል።
[6] እምበኣር ኣብዛ ዕረፍቲ እዚኣ ዝኣትዉ ሰባት ስለ ዘለዉ እዩ። እቶም ቅድም ብሥራት ዝሰምዑ ግና ብሰንኪ ዘይምእዛዞም ኣይኣተዉዋን።
[7] ስለዙይ እግዚኣብሔር ከምቲ ቕድም፦ ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም ልብኹም ኣይተትርሩ ኢልዎ ዝነበረ ድኅሪ ነዊኅ ጊዜ ብኣፍ ዳዊት ገይሩ መሊሱ ሎሚ እናበለ ብምዝራቡ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ኸም ዝመደበ የርኢ።
[8] ኢያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዝኸውንስ ድኅሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ።
[9] እምበኣር ንሕዝቢ እግዚኣብሔር ዕረፍቲ ተዳሊያትሎም ኣላ።
[10] እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዘዳለዎ ዕረፍቲ ዝኣተወ ከምቲ እግዚኣብሔር ካብ ሥራሑ ዘዕረፈ ንሱውን ካብ ሥራሑ የዕርፍ እዩሞ።
[11] ስለዙይ ሓደኳ ናይቲ ዘይምእዛዞም ኣርኣያ ተኸቲሉ ኸይወድቕ ናብቲ እግዚኣብሔር ዘዳለዎ ዕረፍቲ ኽንኣቱ ንፅዓር።
[12] ቃል እግዚኣብሔር ሕያውን ዝሠርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝቖርጽ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ። ኣብ ልቢ ዝተሰወረ ሓሳብን ድልየትንውን ፈልዩ ዝምርምር እዩ።
[13] ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኹሉ ነገር ቅሉዕን ስጡሕን እዩ እምበር ካብ እግዚኣብሔር ዝሕባእ ፍጡር የለን፤ ንእኡ ኸዓ ኢና መልሲ እንህብ።
[14] እምበኣር ንሰማያት ዝዓረገ ዓብዪ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሔር ስለ ዘለና እምነትና ኣጽኒዕና ንኃዝ።
[15] ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ኃጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።
[16] እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን ጸጋ ምእንቲ ኽንረክብ ናብቲ ጸጋ እንረኽበሉ ዙፋን እግዚኣብሔር ብምትእምማን ንቕረብ።