[1] እምበኣር እቲ ኽንብሎ ዝደለና ቁም ነገር እዙይ እዩ፦ ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዙፋን ልዑል እግዚኣብሔር ዝተቐመጠ ሊቀ ካህናት ኣለና።
[2] ንሱ ኣብታ ሰብ ዘይኮነስ እግዚኣብሔር ዝተኸላ መቕደስን ድንኳን ሓቅን እዩ ዘገልግል።
[3] ሊቀ ካህናት ዝኾነ ዅሉ መባእን መሥዋዕትን ከቕርብ እዩ ዝሽየም፤ ስለዙይ እዝ ካህን እዙይውን ዘቕርቦ ኽህልዎ ግድን እዩ።
[4] እምበኣርከ ኣብ ምድሪ እንተ ዝኸውንስ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ገይሮም መባእ ዘቕርቡ ካህናት ስለ ዘለዉ ንሱ ከቶ ካህን ኣይምኾነን ነይሩ።
[5] እዚኣቶም ንምስልን ጽላሎትን ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ መቕደስ ዘገልግሉ እዮም። ስለዙይ ከዓ እዩ ንሙሴ ድንኳን ክገብር እንተሎ ኲሉ ኸምታ ኣብ እምባ ዝረአኻያ ምስሊ ጌርካ ተጠንቂቕካ ሥራሕ ዝበሎ።
[6] ሕዚ ግና እታ ኢየሱስ ማእኸላይ ይኑ ዘገልግለላ ኺዳን ካብታ ኣረጊት ዝበለጸትን ኣብ ዝበለጸ ተስፋ ዝተመሥረተትን ስለ ዝኾነት እቲ ንእኡ ዝተውሃቦ ኣገልግሎት ካብቲ ናታቶም ዝበለጸ እዩ።
[7] እታ ቐዳመይቲ ኺዳን ነቐፋ እንተ ዘይርከባስ እታ ኻልአይቲ ኣይመድለየትን ነይራ።
[8] እግዚኣብሔር ነቶም ሕዝቢ ነቐፋ ስለ ዝረኸበሎም ከምዙይ በለ፦ እንሆ ምስ ሕዝቢ እስራኤልን ምስ ሕዝቢ ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ክመጻ እየን፤ ይብል እግዚኣብሔር።
[9] ከምታ ብኢዶም ኂዘ ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውፅኦም እንተለኹ ምሰቦታቶም ዝኣተኽዎ ኺዳን ኣይኮነን፤ ንሳቶም ብኺዳነይ ኣይጸንዑን እሞ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሔር። ሐ
[10] እንሆ ድኅሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፦ ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ ኣብ ልቦምውን ክጽሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኾኖም እየ፤ ንሳቶምውን ሕዝበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሐሔር።
[11] ካብ አናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም ስለ ዝፈልጡኒ ንእግዚኣብሐሔር ፍለጦ› ኢሉ ሓደ ንብጻዩ ኃው ንኃዉ ኣይምህሮን፤
[12] ንበደሎም ክምሕር እየ፤ ንኃጢኣቶምውን ድኅርዙይ ኣይዝክሮን እየሞ። ሐ
[13] ነዝ ኺዳን እዙይ ሓድሽ ኢሉ ምጽውዑ ነቲ ቐዳማይ ብሉይ ገበሮ። እቲ ዝበለየን ዝኣረገን ከዓ ክጠፍእ ቀሪቡ እዩ።