Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:20

[1] መልከጼዴቅ ናይ ሳሌም ንጉሥን ናይ ልዑል እግዚኣብሔር ካህንን ነበረ። ኣብርሃም ነቶም ነገሥታት ስዒሩ ኽምለስ እንተሎ መልከጼዴቅ ተቐቢሉ ባረኾ።

[2] ኣብርሃም ድማ ኻብቲ ዝማረኾ ዅሉ ኣሥራት ሃቦ። ቅድም ትርጕም ስሙ ንጉሥ ጽድቂ ማለት እዩ፤ ደኃርውን ንጉሥ ሳሌም ማለት ንጉሥ ሰላም ማለት እዩ።

[3] መልከጼዴቅ ኣቦ ኾነ እኖ ወይ ሓረግ ትውልዲ የብሉን። ዝተወለደሉ መዓልቲ ወይ ናይ ሕይወቱ መወዳእታ የብሉን፤ ንሱ ብምሳሌ ወዲ እግዚኣብሔር ንዘለዓለም ካህን ኮይኑ ይነብር።

[4] እዝ ሰብዙይ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኸም ዝኾነ እስኪ ረኣዩ እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ኣብርሃም እኳ ኣሥራት ናይቲ ዝማረኾ ሃቦ።

[5] እቶም ክህነት ዝቕበሉ ደቂ ሌዊ ግና ካብ ሕዝቢ ማለት ካብቶም ኣኅዋቶም ዝኾኑ ደቂ ኣብርሃም ኣሥራት ክወስዱ ሕጊ ሙሴ ይእዝዝ።

[6] መልከጼዴቅ ግና ካብ ሌዊ እኳ እንተ ዘይተወልደ ካብ ኣብርሃም ኣሥራት ተቐበለ፤ ንሱውን ነቲ ተስፋ ዝተውሃቦ ኣብርሃም ባረኾ።

[7] እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶይ ከም ዝባርኾ ፍሉጥ እዩ።

[8] በዝ ሓደ ወገን ነቲ ኣሥራት እቶም መወቲ ዝኾኑ ሌዋውያን ይወስድዎ፤ በቲ ሓደ ወገን ከዓ እቲ ሕያው ኮይኑ ኸምዝነብር ዝተመስከረሉ ይወስዶ።

[9] ወይ ድማ ኸምዙይ ክንብሎ ንኽእል፦ እቲ ኣሥራት ዝቕበል ሌዊ እኳ ብኣብርሃም ገይሩ ኣሥራት ሃበ።

[10] መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ክራኸቦ እንተሎ ሌዊ ገና ኣብ ሕቖ ኣብርሃም ኣቦኡ ነይሩ እዩሞ።

[11] እቲ ንሕዝቢ እስራኤል ዝተውሃበ ሕጊ ኸም ሥርዓት ክህነት ሌዋውያን እዩ ዝነበረ። እምበኣር እዝ ኽህነት እዙይ ፍጹም ነይሩ እንተ ዝኸውን ድኣ ከም መዓርግ ኣሮን ዘይኮነስ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ዝኾነ ኻልእ ካህን ክትሥእ ኣይመድለየን ነይሩ።

[12] ክህነት ክልወጥ እንተሎ ሕጊውን ናይ ግድን ክልወጥ ኣለዎ።

[13] እዝ ብዛዕባኡ ተዘሪቡሉ ዘሎ ጐይታ ኢየሱስ ካብ ካልእ ዓሌት እዩ፤ ካብዝ ዓሌት እዙይ ሓደኳ ኣብ መሠውዒ ዘገልገለ የለን።

[14] ጐይታና ኢየሱስ ካብቲ ሙሴ ብዛዕባ ክህነት ክዛረብ እንተሎ ዘይተዛረበሉ ካብ ዓሌት ይሁዳ ኸም ዝተወልደ ፍሉጥ እዩ።

[15] ሕዚ ኸዓ ከም መልከጼዴቅ ዝበለ ኻልእ ካህን ክትሥእ እንተሎ እቲ ነገር ኣጸቢቑ ይገሃድ።

[16] -

[17] ንስኻ ከም መልከጼዴቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ ኢሉ ስለ ዝመስከረሉ ኸዓ እቲ ኽህነቱ ምድራዊ ሥርዓት ኣብ ዝሓገጎ ዘይኮነስ ኣብቲ ዘይኃልፍ ኃይሊ ሕይወት ዝተመሥረተ እዩ።

[18] እቲ ዝኃለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝኾነ እዩ ዝተስዓረ።

[19] ሕጊ ሙሴ ንሓደኳ ኣብ ፍጻሜ ዘብጽሖ የለን እሞ። ሕዚ ግና ናብ እግዚኣብሔር እንቐርበሉ ዝበለጸ ተስፋ መጺኡልና ኣሎ።

[20] እዝ ኽህነት እዙይ ብዘይ ማሕላ ኣይኮነን። እቲኣቶም ብዘይ ማሕላ እዮም ካህናት ዝኾኑ ዝነበሩ።

[21] ንሱ ግና እግዚኣብሔር ንስኻ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ› ኢሉ መሓለ ኣይናሳሕን ከዓ እዩ ከም ዝብል ብማሕላ እዩ ካህን ዝኾነ።

[22] ኢየሱስ ድማ በዝ ማሕላ እዙይ ናይታ ዝበለጸት ኪዳን መተኣማመኒ ዋሕስ ኮነ።

[23] ብኽህነት ኲልሻዕ ኸየገልግሉ ሞት ስለ ዝኸልከሎም እቶም ቀዳሞት ካህናት ብዙኃት ነበሩ።

[24] ኢየሱስ ግና ንዘለዓለም ዝነብር ስለ ዝኾነ ዘይኃልፍ ክህነት ኣለዎ።

[25] ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ ንዘለዓለም ሕያው ስለዝኾነ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ እግዚኣብሔር ዝመጹ ንዘለዓለም ከድኅኖም ይኽእል እዩ።

[26] ንኣናውን ቅዱስ ነቐፋ ዘይብሉ ንጹሕ ካብ ኃጥኣን ዝተፈልየ ካብ ሰማያት ከዓ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና።

[27] ንሱ ንኃዋሩ ሓደ ጊዜ ንርእሱ መሥዋዕቲ ገይሩ ኣቕሪቡ እዩሞ ከምቶም ካልኦት ሊቃነ ካህናት ቅድም ምእንቲ ኃጢኣት ርእሱ ደኃር ድማ ምእንቲ ኃጢኣት ሕዝቢ በብመዓልቱ መሥዋዕቲ ኸቕርብ ኣየድልዮን እዩ።

[28] ሕጊ ሙሴ ነቶም ድኽመት ዘለዎም ሰባት ሊቃነ ካህናት ገይሩ ሸሞም፤ እቲ ድኅሪ ሕጊ ዝመጺል ማሕላ ግና ነቲ ንዘለዓለም ፍጹም ዝኾነ ወልድ ሸመ።

መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን — Chapters