Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 6:14

[1] እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ዘረጋግጽ ነቲ ዘይርአ ነገር ከዓ ኸም ዘሎ ዘረድእ እዩ።

[2] ነቶም ቀዳሞት ሰባትውን ብእምነቶም እዩ ዝተመስከረሎም።

[3] ኲሉ ዓለማት ብቓል እግዚኣብሔር ከም ዝተፈጥረ እቲ ዝርአ ድማ ካብ ዘይርአ ኸም ዝተፈጥረ ብእምነት ኢና እነስተውዕሎ።

[4] ኣቤል ካብ መሥዋዕቲ ቃየል ዝበልጽ መሥዋዕቲ ንእግዚኣብሔር ብእምነት ኣቕረበ። እግዚኣብሔር ንመሥዋዕቱ ብጽቡቕ ስለ ዝተቐበሎ ኸዓ ጻድቕ ሰብ ከም ዝኾነ መስከረሉ። ሞይቱ እንተሎ ኸዓ ገና ብእምነቱ ገይሩ ይዛረብ ኣሎ።

[5] ሄኖክ ምእንቲ ኸይመውት ብእምነት ንላዕሊ ተወሰደ፤ እግዚኣብሔር ንሰማይ ስለ ዝወሰዶ ኸዓ ኣይተረኽበን። ቅድሚ ምውሳዱ ብእኡ ኸም ዝተሓጐሰ እግዚኣብሔር መስኪሩሉ እዩሞ።

[6] ብዘይ እምነት ግና ንእግዚኣብሔር ምሕጓስ ኣይከኣልን እዩ፤ እቲ ናብ እግዚኣብሔር ዝቐርብ ኲሉ እግዚኣብሔር ከም ዘሎ ነቶም ዝደልይዎ ኸዓ ዓስቢ ኸም ዝህቦም ክኣምን ይግብኦ።

[7] ኖኅውን ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተርአየ ነገራት እግዚኣብሔር ምስ ገለጸሉ ብፍርኃት እግዚኣብሔር ስድራኡ ዝድኅኑላ መርከብ ብእምነት ሠርሐ። በዙይ ከዓ ንዓለም ኰነና፤ ነታ ብእምነት እትርከብ ጽድቂ ኸዓ ወረሳ።

[8] ኣብርሃም ምስ ተጸውዐ ብእምነት ተኣዘዘ፤ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተይፈለጠውን ናብቲ ርስቲ ኽቕበለሉ ዝነበሮ ሃገር ከደ።

[9] -

[10] ነታ እግዚኣብሔር ዝሓናጺኣን ዝሠራሒኣን መሠረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ ድማ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ከም ጓና ኾይኑ ተቐመጠ፤ ምስቶም ናይዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ዝኾኑ ይስሓቅን ያዕቆብን ከዓ ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።

[11] ሣራውን ጊዜኣ እኳ ኃሊፉ እንተ ነበረ ነቲ ተስፋ ሂብዋ ዝነበረ እግዚኣብሔር ስለ ዝኣመነቶ ኽትጠንስ ብእምነት ኃይሊ ረኸበት።

[12] ስለዙይውን ካብ ሓደ ኸም ምዉት ተቖጺሩ ዝነበረ አብርሃም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ብዙኃትን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ኽቝጸሩ ዘይከኣሉ ተወልዱ።

[13] እዚኣቶም ኲላቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ሞቱ። ነታ እግዚኣብሔር ዘተስፈዎምውን ኣይረኸብዋን፤ ግና ብርኁቕ ርእዮም ተሳለምዋ፤ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም ቅቡል ገይሮምዎውን ኃለፉ።

[14] እዞም ከምዙይ ዝብሉ ሰባት ንኣኣቶም እትኸውን ሃገር ይጽበዩ ኸም ዘለዉ የርእዩ ኣለዉ።

[15] ነታ ኃዲጎምዋ ዝወፁ ሃገር የሓስቡ ነይሮም እንተ ዝኾኑስ ክምለሱ ምኸኣሉ ነይሮም።

[16] ሕዚ ግና ነታ ሰማያዊት ዝኾነት ዝበለጸት ሃገር እዮም ዝናፍቑ ዘለዉ። እግዚኣብሔር ከተማ ስለ ዘዳለወሎም ድማ ኣምላኾም ተብሂሉ ኽጽዋዕ ኣየኅፍሮን እዩ።

[17] -

[18] ኣብርሃም ምስ ተፈተነ ንይስሓቅ ብእምነት ክሥውዖ ኣቕረቦ። ተስፋ ተቐቢሉ እንተ ነበረ እኳ ከምኡውን ብይስሓቅ ዘርኢ ኽጽወዐልካ እዩ ተብሂሉ እንተ ነበረ ነቲ ሓደ ወዱ ወፈዮ።

[19] ኣብርሃም እግዚኣብሔር ካብ ምዉታን ከተሥኦ ኸም ዝኽእል ብምእማኑ ካብ ሞት ከም ዝተሥአ ኾይኑ ንይስሓቅ መሊሱ ረኸቦ።

[20] ይስሓቅ ንያዕቆብን ንኤሳውን ብዛዕባ እቲ ንቕድሚት ክመጽእ ዘለዎ ፈሊጡ ብእምነት ባረኾም።

[21] ያዕቆብ ጊዜ ሞቱ ምስ ቀረበ ብእምነት ንደቂ ዮሴፍ ንነፍስ ወከፎም ባረኾም፤ ኣብ ጫፍ በትሩ ተመርኲሱ ኸዓ ንእግዚኣብሔር ሰገደ።

[22] ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸም ዝወፁ ብእምነት ኣዘከረ፤ ብዛዕባ ኣዕፅምቱውን ትእዛዝ ሃበ።

[23] ሙሴ ምስ ተወልደ ወለዱ ጽቡቕ ሕፃን ምዃኑ ርእዮም ኣዋጅ እቲ ንጉሥ እንተይፈርኁ ብእምነት ንሠለስተ ወርኂ ሓብእዎ።

[24] ሙሴ ምስ ዓበየ ወዲ ጓል ፈርዖን ከይበሃል ብእምነት ኣበየ።

[25] ብኃጢኣት ካብ ዝርከብ ጊዜያዊ ደስታ ምስ ሕዝቢ እግዚኣብሔር መከራ ኽቕበልውን መረጸ።

[26] ናብቲ ዓስቢ ኣማዕድዩ ስለ ዝጠመተ ካብ ሃብቲ ግብጽስ ምእንቲ ክርስቶስ ውርደት ምቕባል ብዙኅ ሃብቲ ገይሩ ቖጸሮ።

[27] ነቲ ዘይርአ ስለ ዝረኣየ ጸንዐ፤ ንቝጥዓ ንጉሥ እንተይፈርኀ ድማ ብእምነት ንግብጺ ኃደጋ።

[28] እቲ በዅሪ ዝቐዝፍ ዝነበረ መልኣኽሞት ምእንቲ ኸይቐርቦም ብእምነት ሥርዓት ፋሲካን ምንጻግ ደምን ገበረ።

[29] ደቂ እስራኤል ንባሕሪ ኤርትራ ኸም ንቑጽ ምድሪ ብእምነት ተሳገርዋ፤ ግብጻውያን ግና ኸምኡ ኽገብሩ ምስ ፈተኑ ተውሒጦም ተረፉ።

[30] ቅጽሪ ኢያሪኮ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ ብእምነት ፈረሰ።

[31] ረኣብ እታ ኣመንዝራ ብእምነት ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ ዝተቐበለቶም ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍአትን።

[32] እንታይ እሞ ኽብለኩም እየ? ብዛዕባ እኒ ጌዴዎን እኒ ባርቅ እኒ ሶምሶን እኒ ዮፍታሔ እኒ ዳዊት እኒ ሳሙኤል ከምኡውን ብዛዕባ ነቢያት ከይትርኸልኩም ጊዜ የብለይን።

[33] ንሳቶም ብእምነት ንመንግሥታት ሠዓሩ፤ ብቕንዕና መርሑ፤ እግዚኣብሔር ዘተስፈዎም ረኸቡ፤ ኣፍ ኣናብስ ዓፀዉ፤

[34] ኃይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፤ ካብ ስሕለት ሰይፊ ደኃኑ፤ ኣብ ድኻም በርትዑ፤ ኣብ ውግእ ኃየሉ፤ ሠራዊት ጸላእቲ ሠዓሩ፤

[35] ኣንስቲ ምዉታተን ካብ ሞት ተሢኦምለን ተቐበላኦም፤ ካልኦት ግና ዝበለጸ ትንሣኤ ምእንቲ ኽረኽቡ ምሕረት ኣይንደልን ኢሎም ተሳቕዮም ሞቱ።

[36] ገሊኣቶም ድማ ብላግጽን ብመግረፍትን ኣብ ልዕሊ እዙይውን ብመቝሕን ብማእሰርትን ተሳቐዩ።

[37] ብእምኒ ተቐጥቂጦም ተቐትሉ፤ ብመጋዝ ተመገዙ፤ ተሰይፎም ሞቱ፤ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፤ ሰኣኑ፤ ጸበቦም፤ መከራ ተቐበሉ።

[38] ዓለም ንኣኣቶም ዘይትበቕዕ ስለ ዝኾነት ኣብ ምድረ በዳን ኣብ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ።

[39] -

[40] እግዚኣብሔር ብዛዕባና ዝሐሸ ስለ ዝወሰነ ብዘይዘኣና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑ እዚኣቶም ኲላቶም ብእምነት ዝተመስከረሎም እኳ እንተኾኑ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።

መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን — Chapters