[1] ስለዙይ ምእንቲ ኸይንጠፍእ ናብቲ ዝሰማዕናዮ የመና ኽነቕልብ ይግብአና እዩ።
[2] እቲ ብመላእኽቲ ዝተነግረ ቓል ክትእዘዞ ዝግባእ ሓቂ ኻብ ኮነ ኲሉ ዝብድልን ዘይእዘዝንውን ፍርዱ ዝቕበል ካብ ኮነ
[3] ንሕና ግዳ ንኽንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ድኅነት ሸለል ክንብል እንተለና ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ንኽእል? እዙይ እቲ ብመጀመርታ ብጐይታ ዝተነግረ ድኅነት በቶም ዝሰምዕዎ ተረጋጊጹልና እዩ።
[4] እግዚኣብሔር ከዓ ብምልክትን ብዘደንቕ ነገራትን በብዓይነቱ ብዝኾነ ተኣምራትን በቲ ኸም ፍቓዱ ዝዕድሎ መንፈስ ቅዱስን ገይሩ ምስክርነቶም ኣጽኒዑ እዩ።
[5] ነታ ብዛዕባኣ እንዛረብ ዘለና እትመጽእ ዓለምስ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን።
[6] እኳ ደኣ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንስኻ እትሓስቦ ሰብ እንታይ እዩ? ወይ ንስኻ እትኃልየሉስ ሰብ እንታይ እዩ?
[7] ካብ መላእኽቲ ንቑሩብ ጊዜ ኣንኣስካዮ፤ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፋእኻሉ፤ ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኸዓ ሸምካዮ፤
[8] ንዅሉውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዛእኻሉ ኢሉ መስኪሩ ኣሎ። ንዅሉ ኸግዝአሉ እንተሎ ንእኡ ዘየግዝኦ ሓንቲ እኳ ኣይኃደገን። ሕዚ ግና ዅሉ ኸም ዝተገዝአሉ ኣይንርእን ዘለና።
[9] ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቑሩብ ጊዜ ኣንኣስካዮ ተብሂሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና ብምኽንያት ሞቱ ሕዚ ኣኽሊል ክብርን ምስጋናን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና። እዙይ ከዓ ንሱ ብጸጋ እግዚኣብሔር ምእንቲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ።
[10] እቲ ዅሉ ምእንትኡ ዅሉውን ብእኡ ዝተፈጥረ ንብዙኃት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ኸእትዎም ነቲ ናይ ድኅነቶም መራሒ ብመከራ ፍጹም ክገብሮ ተገብኦ።
[11] -
[12] እቲ ዝቕድስን እቶም ዝቕደሱን ካብ ሓደ ዝተረኽቡ እዮምሞ። በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ ስምካ ነኅዋተይ ክነግሮም እየ፤ ኣብ ማእኸል ማኅበርውን ምስጋናኻ ኽዝምር እየ ስለ ዝብል ኣኅዋተይ ክብሎም ኣይኃፍርን እዩ።
[13] መሊሱ ከዓ ኣነ ኣብኡ ኽእመን እየ። መሊሱውን ኣነን እቶም እግዚኣብሔር ዝሃበኒ ውሉድን እኔና ይብል።
[14] እቶም ውሉድ ሥጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ እዙይ ከዓ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ እዩ።
[15] ነቶም ብናይ ሞት ፍርኃት ምሉእ ዕድሚኦም ባራዩ ኾይኖም ንዝነበሩ ኸዓ ሓራ ምእንቲ ኸውፅእ ኢሉ እዩ።
[16] ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር ንመላእኽቲ ኸድኅን ኣይመጸንሞ።
[17] ስለዙይውን ርህሩህን እሙንን ንእግዚኣብሔር ዘገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን ንኃጢኣት ሕዝቢውን ሥርየት ምእንቲ ኸውህብ ነቶም ኣኅዋቱ ብዅሉ ኽመስሎም ተገብኦ።
[18] ንሱ ባዕሉ ኽፍተን እንተሎ ተሳቕዩ እዩ እሞ ነቶም ዝፍተኑ ኽረድኦም ይከኣሎ እዩ።