Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:09

[1] ሊቀ ካህናት ዝኸውን ኲሉ ኻብቶም ከምኡ ዝበሉ ሰባት እዩ ዝኅረ። ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ሰባት መባእን መሥዋዕትን ከቕርብ ድማ ይሽየም።

[2] ንሱ ባዕሉ ድኽመት ዘለዎ ስለ ዝኾነ ነቶም ዘይፈልጡን ዝተጋገዩን ክርህርሀሎም ይኽእል እዩ።

[3] ድኽመት ስለ ዘለዎ ከምቲ ምእንቲ ሕዝቢ ኸምኡውን ምእንቲ ርእሱ ናይ ኃጢኣት መሥዋዕቲ ኸቕርብ ይግብኦ።

[4] ከም ኣሮን ብእግዚኣብሔር ዝተጸውዐ እምበር ነዝ ኽብሪዙይ ባዕሉ ኽረኽቦ ዝኽእል ሓደኳ የለን።

[5] ክርስቶስውን ሊቀ ካህናት ንምዃን ንባዕሉ ኣየኽበረን። ግና እግዚኣብሔር ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ በሎ እምበር።

[6] ኣብ ካልእ ሥፍራ ድማ ንስኻ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ በሎ።

[7] ኢየሱስ ሥጋ ለቢሱ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እንተሎ ካብ ሞት ከድኅኖ ናብ ዝኽእል ጸሎትን ልመናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ኣቕረበ። ንእግዚኣብሔር ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ኸዓ ልመናኡ ተሰምዐ።

[8] ወዲ እግዚኣብሔር እኳ እንተኾነ በቲ ዝተቐበሎ መከራ ተኣዛዚ ምዃን ተምሃረ።

[9] ሥራሑ ምስ ፈጸመ ድማ ነቶም ዝእዘዝዎ ዅላቶም ናይ ዘለዓለም ድኅነት ክረኽቡ ምኽንያት ኮኖም።

[10] እግዚኣብሔር ከዓ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ሊቀ ካህናት ገይሩ ሸሞ።

[11] ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ እንብሎ ብዙኅ ነይሩና፤ ዘይተስተውዕሉ ድንዙዛት ስለ ዝኾንኩም ግና ኽንገልጸልኩም ኣፀጋሚ እዩ።

[12] ካብ ዝኣመንኩምሉ ኽሳዕ ሕዝስ መምህራን ክትኮኑ እኳ ምተገበአኩም ነይሩ፤ ገና ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቓል እግዚኣብሔር ደጊሙ ዝምህረኩም የድልየኩም ኣሎ። ጸባ ደኣ እምበር ዕፁም ምግቢ ኣየድልየኩምን እዩ።

[13] ጸባ ዝምገብ ኲሉ ሕፃን ስለ ዝኾነ ብዛዕባ ናይ ጽድቂ ነገራት ክፈልጥ ኣይኽእልን።

[14] ዕፁም ምግቢ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ንባዕልቶም ንዘላመዱ ንዓበይቲ እዩ።

መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን — Chapters