መልእኽቲ ያዕቆብ 1
[1] ካብቲ ናይ እግዚኣብሔርን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣገልጋሊ ዝኾነ ያዕቆብ ነቶም ኣብ ኲሉ ዓለም ተበቲኖም ዘለዉ ዓሠርተ ኽልተ ነገደ እስራኤል ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።
[2] ኣኅዋተይ! ዝተፈላለየ ፈተና ኽበጽሐኩም እንተሎ ንዂሉ ኸም ሓጐስ ቊጸርዎ።
[3] እምነትኩም እንትፍተን ጽንዓት ከም ዘምጽአልኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ።
[4] ሓደኳ ዘይጐድለኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኾኑ ብትዕግሥቲ ኽሳዕ መወዳእታ ጽንዑ ።
[5] ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ ዝጐደሎ እንተልዩ ነቲ እንተይነቐፈ ንዂሉ ብልግሲ ዝህብ እግዚኣብሔር ይለምኖ፤ ንሱውን ክህቦ እዩ።
[6] እቲ ዝልምን ግና እንተይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን እቲ ዝጠራጠር ከምቲ ንፋስ ንየው ነዘው ዘብሎ ማዕበል ባሕሪ እዩ ዝመስል።
[7] -
[8] እዝ ኸምዙይ ዝመስል ኣብ ኲሉ መንገዱ ጽንዓት ዘይብሉ ክልተ ዝልቡ ሰብ ካብ እግዚኣብሔር ሓደኳ ዝቕበል ኣይምሰሎ።
[9] እቲ ትሕት ዝበለ ናብራ ዘለዎ ኃው ልዕል ብምባሉ
[10] እቲ ሃብታም ከዓ ትሕት ብምባሉ ይተሓጐስ፤ ንሱ ኸም ዕምበባ ሣዕሪ ኽኃልፍ እዩሞ።
[11] ፀሓይ ምስ ዋዒኣ ትወፅእ እሞ ነቲ ሣዕሪ ተንቅጾ፤ እቲ ዕምበባኡ ኸዓ ይረግፍ፤ ጽባቐኡ ይጠፍእ፤ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብዋኒን ንብረቱ ደፋእፋእ እንትብል ይጠፍእ።
[12] እቲ ብጊዜ ፈተና ዝዕገሥ ሰብ ብፁዕ እዩ፤ ተፈቲኑ ምስ ወፀ እግዚኣብሔር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ሕይወት ክቕበል እዩሞ።
[13] ሓደኳ ምስ ተፈተነ እግዚኣብሔር ፈቲኑኒ ኣይበል፤ እግዚኣብሔር ብኽፉእ ኣይፍተንን፤ ባዕሉውን ንሓደኳ ኣይፍትንን እዩሞ።
[14] ነፍስ ወከፍ ግና ብትምኒቱ ተስሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዝፍተን።
[15] ድኅርዙይ ትምኒት ምስ ጠነሰት ንኃጢኣት ትወልድ፤ ኃጢኣት ምስ ዓበየት ድማ ንሞት ትወልድ።
[16] ኣቱም ፍቑራት ኣኅዋተይ! ኣይትታለሉ።
[17] ጽቡቕ ውህብቶን ፍጹም በረኸትን ኲሉ ኻብ ላዕሊ እዩ፤ ካብቲ ዘይለዋወጥ ወይ ዝልወጥ ጽላሎት ዘይብሉ ካብ ኣቦ ብርሃናት እግዚኣብሔር ዝወርድ እዩ።
[18] በዂሪ ናይ ኲሉ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ከም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ወለደና።
[19] ፍቑራት ኣኅዋተይ! ነዙይ ፍለጡ፤ ነፍስ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቕልጡፍ ንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራውን ደንጓዪ ይኹን፤
[20] ናይ ሰብ ቊጥዓ ጽድቂ እግዚኣብሔር ኣየሥርሖን እዩ እሞ።
[21] ስለዙይ ንዂሉ ርኽሰትን ነቲ በዚኁ ዘሎ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ኣርሕቑ፤ ነቲ ንነፍስኹም ከድኅን ዝኽእል ኣብ ልብኹም ተዘሪኡ ዘሎ ቓል ድማ ብቕንዕና ተቐበልዎ።
[22] ፈጸምቲ ቓል ኩኑ እምበር ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራሕ ኣይትኹኑ።
[23] ነቲ ቓል ሰሚዑ ዘይፍጽም ሰብ እንተሃልዩ ንሱ ነቲ ገጹ ብመስትያት ዝርኢ ሰብ እዩ ዝመስል።
[24] ንሱ መልክዑ ይርኢ ክይድ ኢሉ ኸዓ ሽዑ ንሽዑ እንታይ ከም ዝመስል ይርስዕ።
[25] እቲ ናብቲ ሓርነት ዝህብ ፍጹም ሕጊ ኣተኲሩ ዝጥምትን ኣብኡ ዝጸንዕን ነቲ ዝሰምዖ እንተይረስዐ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ሰብ ግና ብሥራሑ ዝተባረኸ ይኸውን።
[26] ሓደ ሰብ ንእግዚኣብሔር አምልኽ እየ እንተ በለ ንልሳኑ ግና ኽቈጻጸር ዘይኽእል እንተ ኾይኑ ንባዕሉ ደኣ ይጥብር ኣሎ እምበር ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።
[27] እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣብ ንጹህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓለኻ ንደኽታማትን መበለታትን ኣብ ጊዜ ሽግሮም ምርዳእ እዩ።