[1] ሕጊ ሙሴ ናይቲ ኽመጽእ ዘለዎ ሠናይ ነገር ጽላሎት እምበር ንሱ ባዕሉ ኣይኮነን። በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ እቲ በብዓመት ኲልሻዕ ዝቐርብ መሥዋዕትታት ነቶም ዘቕርብዎ ከቶ ፍጹማት ክገብሮም ኣይኽእልን።
[2] እቶም መሥዋዕቲ ዘቕርቡ ነጺሆም እንተ ዝኾኑ በቲ ዝገብርዎ ኃጢኣት ሕሊናኦም ኣይምወቐሶምን ነይሩ፤ መሥዋዕቲ ካብ ምቕራብውን መዕረፉ ነይሮም።
[3] እንተኾነ እቲ በብዓመት ዝቐርብ መሥዋዕቲ ኃጢኣት ከም ዘሎ ዘዘክር እዩ።
[4] ደም ዝራብዓትን ኣጣልን ኃጢኣት ከርኅቕ ኣይኽእልን እዩሞ።
[5] ስለዙይ ክርስቶስ ናብ ዓለም ክመጽእ እንተሎ ኸምዙይ በለ፦ መሥዋዕትን መባእን ኣይደለኻን፤ እንተኾነ ሰብነት ኣዳሎኻለይ።
[6] ብዝሓርር መሥዋዕትን በቲ ምእንቲ ኃጢኣት ዝቐርብ መባእን ባህ ኣይበለካን።
[7] ሽዑ ኸዓ ኣነ ኦ ኣምላኸይ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጽሒፉ ዘሎ እንሆ ፍቓድካ ኽፍጽም መጺአ ኣለኹ› በልኩ።
[8] ኣቐዲሙ ሕጊ ዝእዝዝ እንተ ኾነ እኳ መሥዋዕትን መባእን ዝሓርር መሥዋዕትን ምእንቲ ኃጢኣት ዝቐርብ መባእን ኣይደለኻን፤ ብእኡውን ባህ ኣይበለካን ይብል።
[9] ኣስዒቡ ኸዓ እንሆ ፍቓድካ ኽፍጽም መጺአ ኣለኹ ይብል። ነታ ዳኅረወይቲ ምእንቲ ኸጽንዕ ነታ ቐዳመይቲ ሠዓራ።
[10] ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቓድ እግዚኣብሔር ክፍጽም ንሰብነቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ስለ ዝሠውዐ ተቐዲስና ኢና።
[11] ካህን ዝኾነ ዅሉ በብመዓልቱ ኣገልግሎቱ ይፍጽም፤ ነቲ ፈጺሙ ኃጢኣት ከርኅቕ ዘይኽእል መሥዋዕቲ ድማ መላሊሱ የቕርብ።
[12] ክርስቶስ ግና ሓንሳእ ንኃዋሩ እትኸውን መሥዋዕቲ ምእንቲ ኃጢኣት ምሰቕረበ ኣብ የማን እግዚኣብሔር ተቐመጠ።
[13] ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዝኾኑ ይጽበ ኣሎ።
[14] እዙይ ከዓ ነቶም ዝቕደሱ ብሓንቲ መሥዋዕቲ ንዘለዓለም ፍጹማን ስለ ዝገበሮም እዩ።
[15] መንፈስ ቅዱስውን ከምዙይ ኢሉ ይምስክረልና ኣሎ፦
[16] ብድኅሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሔር፤ ንሕግጋተይ ኣብ ልቦም ከንብር እየ፤ ኣብ ኣእምሮኦምውን ክጽሕፎ እየ።
[17] ኣስዒቡ ኸዓ ደጊም ኃጢኣቶምን ዓመፃኦምን ከቶ ኣይዝክርን እየ ይብል።
[18] እምበኣር ብኸምዙይ ኃጢኣት ዝኅደግ ካብ ኮነ ካብ ደጊም ምእንቲ ኃጢኣት ዝቐርብ መሥዋዕቲ ኣየድልን እዩ።
[19] ስለዙይ ኣኅዋተይ ብደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ንምእታው መተኣማመኒ ረኺብና ኢና።
[20] እንኣትዎ ኸዓ በቲ መጋረጃ ማለት ብሰብነቱ ዝተኸፍተ ሓድሽን ሕያውን ብዝኾነ መንገዲ ኣቢልና ኢና።
[21] ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ዓብዪ ኻህን ስለዘለና
[22] ካብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነጽህ ልብና ተነጺግና ሰብነትና ብንጹሕ ማይ ሓጺብና ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን ናብ እግዚኣብሔር ንቕረብ።
[23] እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ ስለዙይ ነታ እንጽበያ ተስፋ ብዘይ ምጥርጣር ኣጽኒዕና ንኃዛ።
[24] ንፍቕርን ንሠናይ ግብርን ንስንሳትና ኽንነቓቓሕ ንፅዓር።
[25] ከምቲ ገሊኣቶም ልማድ ገይሮምዎ ዘለዉ ብሓባር ምእካብ ኣይነቋርጽ፤ እኳ ደኣ ኸምቲ እትርእይዎ ዘለኹም እታ ጐይታ ተመሊሱ ዝመጸላ መዓልቲ ትቐርብ ምህላዋ እናዘከርና ንስንሳትና ብዝበለጸ ንጠናኸር።
[26] ነቲ ሓቂ ምስ ፈለጥናዮ ኾነ ኢልና ኃጢኣት እንተገበርና ደጊም ምእንቲ ኃጢኣት ዝቐርብ መሥዋዕቲ የለን፤
[27] ክንድኡ ግና ዘፍርሕ ፍርድን ነቶም ንእግዚኣብሔር ዝጻረሩ ዘንድድ ብርቱዕ ሓውን ኢና ብራዕዲ እንጽበ።
[28] ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብኽልተ ወይ ብሠለስተ ምስክር ብዘይ ምሕረት ይቕተል ነበረ።
[29] ንወዲ እግዚኣብሔር ዝነዓቐ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ድማ ዘርከሰ ነቲ ጸጋ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዝግብኦ ይመስለኩም
[30] ንሕና ነቲ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፤ ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ ደጊሙ ኸዓ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ኽፈርዶ እዩ ዝበለ ንፈልጦ ኢናሞ።
[31] ኣብ ኢድ እቲ ሕያው ዝኾነ ኣምላኽምውዳቕ የመና ዘፍርኅ እዩ።
[32] ብርሃን ምስ በርሀልኩም ተዓጊሥኩም መከራ ዝተቐበልኩምለን ነተን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን።
[33] ብሓደ ወገን ጸርፍን ውርደትን ተቐበልኩም፤ ብሓደ ወገን ከዓ ምስቶም ከምዙይ ዝመሰለ ዝበጽሖም ሰባት ተኻፈልቲ ኾንኩም።
[34] ዝሐይሽን ንዘለዓለም ዝነብርን ሃብቲ ኣብ ሰማይ ከም ዘለኩም ፈሊጥኩም ነቶም እሱራት ራህራህኹምሎም፤ ንብረትኩም እንትውረርውን ብሓጐስ ተቐበልኩምዎ።
[35] እምበኣር ነቲ ብዙኅ ዓስቢ እትረኽቡሉ እምነትኩም ኣይትኅደጉ።
[36] ፍቓድ እግዚኣብሔር ምእንቲ ኽትፍጽሙን ነቲ ዘተስፈዎ ምእንቲ ኽትቅበሉን ጽንዓት የድልየኩም እዩ።
[37] ድኅሪ ቕሩብ ጊዜ እቲ ዝመጽእ ክመጽእ እዩ፤ ኣይድንጕን ከዓ እዩ።
[38] ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዝነብር፤ ንድኅሪት እንተ ተመልሰ ድማ ብእኡ ባህ ኣይብለንን እዩ ይብል እዩሞ።
[39] ንሕና ግና ምስቶም ንድኅሪት ተመሊሶም ዝጠፍኡ ዘይኮንናስ ምስቶም ብእምነት ዝድኅኑ ኢና።