[1] ነታ ቐዳመይቲ ኺዳንውን ናይ ኣገልግሎት ሥነ ሥርዓትን ምድራዊ መቕደስን ነበራ።
[2] ድንኳንውን ተተኺሉ ነበረ፤ እታ ቕድስቲ ተብሂላ እትጽዋዕ ቅድም እትርከብ ክፍሊ ድማ ቀዋሚ ቐንዲልን ጠረጴዛን ኅብስተ ቝርባንን ነበራ።
[3] ድኅሪ እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ንንየው ዘላ ኽፍሊ ድማ ቅድስተ ቅዱሳን ትብሃል ነበረት።
[4] ኣብ ውሽጣ ብወርቂ ዝተሠርሐ ማዕጠንትን ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ ዝተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ። እዛ ታቦት እዚኣ መና ዝኃዘት መሶበ ወርቅን ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን ጽላት ኪዳንን ዝኃዘት ነበረት።
[5] ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ከዓ ነቲ ኅድገት ኃጢኣት ዝርከበሉ ቦታ ዘጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። እንተኾነ ሕዚ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ኣስፊሕና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።
[6] ከምዙይ ኮይኑ ምስ ተዳለወ እቶም ካህናት ኲልሻዕ ኣብቲ ናይቲ ድንኳን ቀዳማይ ክፍሊ ናይቲ ድንኳን ኣገልግሎቶም ክፍጽሙ ይኣትዉ ነበሩ።
[7] ኣብቲ ኻልኣይ ክፍሊ ግና እቲ ሊቀ ካህናት ጥራሕ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ የኣቱ፤ ግና እቲ ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ እቶም ሕዝብን ንዝገበርዎ ኃጢኣት ዘቕርቦ ደም እንተይኃዘ ኣይኣቱን ነይሩ።
[8] እታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ ድንኳን ቆይማ ኽሳዕ ዘላ እቲ ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን ዘእቱ መንገዲ ገና ኸምዘይተገለጸ መንፈስ ቅዱስ የርኢ ኣሎ።
[9] እዙይ ናይዝ ዘመን እዙይ ምሳሌ እዩ፤ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ መባእን መሥዋዕትን ከዓ ናይቲ ዘቕርብ ሰብ ሕሊና ኸንጽህ ከም ዘይኽእል የመልክት።
[10] እዙይ እቲ ዘመን ምሕዳስ ክሳዕ ዝመጽእ ዝግበር ናይ ብልዕን መስተን ናይ በብዓይነቱ ዝኾነ ናይ ምንጻህ ኣፍኣዊ ሥርዓት ጥራሕ እዩ ነይሩ።
[11] ክርስቶስ ግና ናይቲ መጺኡ ዘሎ ሠናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኮይኑ መጸ። ናብታ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት ብልጽትን ፍጽምትን ካብዝ ፍጥረት እዙይ ዘይኮነትን ድንኳን ከዓ ኣተወ።
[12] ደም ኣጣልን ዝራብዓትን ኂዙ ዘይኮነስ ናይ ርእሱ ደም ኂዙ ሓደ ጊዜ ንኃዋሩ ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን ብምእታው ናይ ዘለዓለም ድኅነት ከም እንረክብ ገበረ።
[13] ደም ኣጣልን ዝራብዓትን ናይታ ዝሓረረት ዓርሒ ሓመዅሽቲ ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ሰብነቶም ኣንጺሁ ዝቕድሶም ካብ ኮነ
[14] ደም እቲ ብዘለዓለማዊ መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ነቐፋ ንእግዚኣብሔር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ ነቲ ሕያው እግዚኣብሔር ምእንቲ ኽነገልግል ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ ኽንደይ ኣብሊጹ ዘየንጽሆ
[15] በዝ ምኽንያት እዙይ ክርስቶስ ናይዛ ሓዳስ ኪዳን እዚኣ ማእኸላይ ተዓረቒ ኾነ። እቶም ጽዉዓት ነታ ዘተስፈዎም ናይ ዘለዓለም ርስቲ ምእንቲ ኽወርሱ ካብቲ ኣብ ትሕቲ እታ ቐዳመይቲ ኺዳን እንተለዉ ዝገበርዎ ኃጢኣት ምእንቲ hኸድኅኖም ቤዛ ኾይኑ ሞተ።
[16] ኑዛዜ እንተሃልዩ ናይቲ ዝተናዘዘ ሰብ ሞት ምርግጋጽ የድሊ እዩ።
[17] ኑዛዜ ድኅሪ ሞት እዩ ዝጸንዕሞ። እቲ ዝተናዘዘ ብሕይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ግና ዝጠቕሞ የብሉን።
[18] ስለዙይውን እታ ቐዳመይቲ ኺዳን ክትሥራዕ እንተላኳ ብዘይ ደም ኣይጸንዐትን።
[19] -
[20] ሙሴ ድማ ነቲ ትእዛዝ ብምሉኡ ንዅሎም እቶም ሕዝቢ ምስ ነገሮም ደም ዝራብዓትን ኣጣልን ምስ ማይ ኃዊሱ ብቐይሕ ፀጕሪ በጊዕን ብቖጽሊ ስምዕዛን ገይሩ እግዚኣብሔር ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም ብደም ዝተሠርዐ ኺዳን እዙይ እዩ እናበለ ነቲ መጽሓፍን ነቶም ሕዝብን ነጸገሎም።
[21] ከምኡ ድማ ነቲ ድንኳንን ንዅሉ እቲ ናይ እገልግሎት ኣቕሑን ደም ነጸገሉ።
[22] ከምቲ ሕጊ ዝሠርዖ ዳርጋ ዅሉ ብደም እዩ ዝነጽህ፤ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ኅድገት ኃጢኣት የለንሞ።
[23] እምበኣር ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት ምስሊ ዝኾነ ብመሥዋዕቲ ኽነጽህ ግድን ካብ ኮነ እቲ ሰማያዊ ነገር ንርእሱ ብዝሐሸ መሥዋዕቲ ኽነጽህ ግድን እዩ።
[24] ክርስቶስ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሔር ክንዳና ምእንቲ ኽረአየልና ናብ ሰማይ ኣተወ እምበር ናብታ ብኢድ ዝተገብረት ናይታ ኣማናዊት መቕደስ ምስሊ ናብ ዝኾነት ኣይኣተወን።
[25] ከምቲ ሊቀ ካህናት በብዓመት ደም ካልእ ኂዙ ናብ መቕደስ ዝኣቱ ክርስቶስ ንርእሱ ብዙኅ ጊዜ ኽሥውዕ ናብ መቕደስ ኣይኣተወን።
[26] ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ ክርስቶስ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ብዙኅ ጊዜ መከራ ኽቕበል መድለዮ ነይሩ። ሕዚ ግና ንኃጢኣት ምእንቲ ኽድምስስ ኢሉ ሓደ ጊዜ ንኃዋሩ ንርእሱ መሥዋዕቲ ገይሩ ብምቕራብ ኣብ መወዳእታ ዘመን ተገልጸ።
[27] ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ክመውት ብድኅሪኡ ኸዓ ፍርዲ ተሠሪዑሉ ዘሎ
[28] ከምኡ ኸዓ እቲ ናይ ብዙኃት ኃጢኣት ምእንቲ ኸወግድ ሓንሳእ ዝተሠውዐ ክርስቶስ ደጊም ንኃጢኣት ክፀውር ዘይኮነስ ነቶም ዝጽበይዎ ኸድኅኖም ካልኣይ ጊዜ ኽግለጽ እዩ።