መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ፊልሞና
[1] ምእንቲ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር ካብ ዝኾንኩ ጳውሎስን ካብ ኃውና ጢሞቴዎስን ናብቲ ፍቑርን መሣርሕትናን ዝኾነ ፊልሞና
[2] ናብ ኣፍብያ ሓፍትናን ናብቲ ምሳና ወታደር ክርስቶስ ዝኾነ ኣርክጳን ናብቶም ኣብ ቤት ፊልሞና ዝእከቡ ክርስቲያንን።
[3] ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
[4] ኣብ ጸሎተይ ክዝክረካ እንተለኹ ዂሉ ጊዜ ንኣምላኸይ አመስግን።
[5] እዙይ ከዓ ንኣመንቲ ከም እተፍቅርን ብጐይታና ብኢየሱስ ከም እተኣምንን ስለ ዝሰማዕኹ እየ።
[6] ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሠናይ ነገር ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትርዳእ ነቲ ዘለካ እምነት ብትብዓት ክተካፍሎ እጽሊ ኣለኹ።
[7] ኣታ ኃወይ! ልቢ ኣመንቲ ስለ ዘጸናናዕኻ ብፍቕርኻ ብዙኅ ሓጐስን ምትብባዕን ረኺበ ኣለኹ።
[8] ስለዙይ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብዘለኒ ብዙኅ ትብዓት ነቲ ኽትገብሮ ዝግብአካ ኽእዝዘካ ዝኽእል እኳ እንተ ኾንኩ
[9] ኣነ ጳውሎስ ሽማግለ ሕዚውን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ
[10] ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተለኹ ብክርስቶስ ዝወለድክዎ ወደይ ኣናሲሞስ እልምነካ ኣለኹ።
[11] ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካን፤ ሕዚ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ።
[12] ነቲ ብልቢ ዘፍቅሮ ኣናሲሞስ መሊሰ ናባኻ እሰዶ ኣለኹ።
[13] ኣነ እኳ ወንጌል ብምስባኸይ ተኣሲረ ኣብ ዘለኹሉ ክንዳኻ ኾይኑ ኸገልግለኒ ምሳይ ከትርፎ ምደለኹ ነይረ።
[14] ግናኸ እቲ ሠናይ ግብርኻ ብድልየትካ እምበር ብግዲ ምእንቲ ኸይኸውን ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይደለኹን።
[15] ኣናሲሞስ ንሓፂር ጊዜ ዝተፈለየካ ምናልባሽ ንሓዋሩ ምሳኻ ምእንቲ ኽነብር እዩ ዝኸውን።
[16] ደጊም ከም ባርያ ዘይኮነስ ካብ ባርያ ዝበለጸ ኸም ፍቑር ኃውካ እዩ። ኣነ የመና እየ ዘፍቅሮ፤ ንስኻ ግዳ ብሥጋን ብጐይታን ኃውካ ንዝኾነ ክንደይ ኣብሊጽካ ዘይተፍቅሮ!
[17] እምበኣር ከም ኃው ትርእየኒ እንተ ዄንካስ ንኣይ ከም እትቕበለኒ ጌርካ ተቐበሎ።
[18] እንተ በዲሉካ ወይ ንሱ ዝኸፍለካ ዕዳ እንተልዩ ካባይ ድለዮ።
[19] ኣነ ጳውሎስ ክንድኡ ክኸፍለካ እየ ኢለ ብኢደይ እጽሕፈልካ ኣለኹ። ንስኻውን በዓል ዕዳይ ከም ዝኾንካ ምዝራብ ኣየድልየንን እዩ።
[20] እወ ኣታ ኃወይ! ካባኻስ ብጐይታ ኽጥቀም እደሊ ኣለኹሞ ብክርስቶስ ንልበይ ኣዕርፈለይ።
[21] ካብዝ ዝብለካ ዘለኹ ኣብሊጽካ ኸም እትገብር ፈሊጠ ከም እትእዘዘኒውን ኣሚነ እየ ዝጽሕፈልካ ዘለኹ።
[22] ከምኡውን እግዚኣብሔር ጸሎትኩም ሰሚዑ ናባኻትኩም ክመጽእ ከም ዝገብረኒ ተስፋ ኣለኒ እሞ ሥፍራ ኣዳልወለይ።
[23] ምእንቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ክብል ምሳይ ተኣሲሩ ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለካ ኣሎ።
[24] ከምኡውን እቶም መሣርሕተይ ዝኾኑ ማርቆስ ኣርስጠርኮስ ዴማስ ሉቃስ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።
[25] ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።