[1] ናባኻትኩም እንትመጽእ እዙይ ሣልሳይ ጊዜይ እዩ። ነገር ዝቐውም ብኽልተ ወይ ብሠለስተ ምስክር እዩ።
[2] ካልኣይ ምሳኻትኩም ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ ኣጠንቂቐዮም ከም ዝነበርኩ ሕዚውን ኣብ ርኁቕ ኮይነ ነቶም ኃጢኣት ዝገብሩን ነቶም ካልኦትን ኣጠንቅቖም ኣለኹ። ኣብ ምምጽአይ ንሓደኳ ኣይርኅርኃሉን እየ፤
[3] እዙይውን ክርስቶስ ኣባይ ኃዲሩ ኸም ዝዛረብ መረጋገጺ ስለ እትደልዩ እዩ። ክርስቶስ ኣብ መንጎኹም ብኃይሊ እምበር ብድኻም ኣይግለጽን እዩ።
[4] ብርግጽ ክርስቶስ ብድኹም ሥጋ እዩ ተሰቒሉ፤ ብኃይሊ እግዚኣብሔር ግና ሕያው ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ንሕናውን ተኻፈልቲ ድኻሙ ኢና፤ ኣብ ማእኸልኩም ክንሠርሕ እንተለና ግና ብኃይሊ እግዚኣብሔር ሕያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና።
[5] ኣብ እምነት ምህላውኩምን ዘይምህላውኩምን ምእንቲ ኽትግንዘቡ ንርእስኹም መርምሩ፤ ከምኡውን ፈትኑ። ጨሪስኩም ኣብ ፈተና ወዲቕኩም እንተ ዘይኴንኩምስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎ ኣይትፈልጡን ዲኹም?
[6] ንሕና ግና ብቑዓት ከም ዝኾንና ኸም እትፈልጡ ተስፋ እገብር።
[7] ከቶ ኽፉእ ከይትገብሩ ንእግዚኣብሔር ንልምኖ ኣለና። ንሕና ኣብ ፈተና ኸም ዝወደቕና እንተ ተቖጸርና እኳ ንስኻትኩም ሠናይ ምእንቲ ኽትገብሩ እምበር ንሕና ኣብ ፈተና ኸም ዝሰዓርና ምእንቲ ኽነርኢ ኣይኮነን ንጽልዮ ዘለና።
[8] ንሕና ንሓቂ ዝድግፍ እምበር ንሓቂ ዝፃረር ሓደኳ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና እሞ።
[9] ከምኡውን ንሕና ደኺምና ንስኻትኩም እንተጠንኪርኩም ኢና እንሕጐስ። ጸሎትናውን ንስኻትኩም ፍጹማን ምእንቲ ኽትኮኑ እዩ።
[10] ምእንትዙይ በቲ ጐይታ ኸፍርሰሉ ዘይኮነስ ክሓንጸሉ ዝሃበኒ ሥልጣን ምስ መጻእኹ ምእንቲ ኸየበርትዐልኩም ገና ርሑቕ እንተለኹ እጽሕፈልኩም ኣለኹ።
[11] ብዝተረፈ ኣኅዋተይ! ደኃን ኩኑ፤ ፍጹማን ኩኑ፤ ምኽረይ ስምዑ ፤ ሓደ ልቢ ኹኑ፤ ብሰላም ንበሩ፤ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከዓ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
[12] ንስንሳትኩም ብቕዱስ ሰላምታ ሰላም ተበሃሃሉ።
[13] ኲላቶም ኣመንቲ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
[14] ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብን ኅብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኲልኻትኩም ይኹን።