[1] ቁሩብ ዘረባ ዕሽነት ክዛረብ እየ እሞ ኽትዕገሡኒ ምደሌኹ፤ እወ ተዓገሡኒ ደኣ።
[2] ብኣምላኻዊ ቕንኢ እቐንአልኩም እየ እሞ ከም ሓንቲ ንጽሕቲ ድንግል ምእንቲ ኸቕርበኩም ንሓደ ሰብኣይ ንክርስቶስ ኣሕፅየኩም ኣለኹ።
[3] ግና ኸምቲ ተመን ብጕርሑ ንሔዋን ዘስሓታ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም ካብቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎኩም ምሉእን ንጹሕን ፍቕሪ ከይትርኅቑ እፈርሕ ኣለኹ።
[4] ምኽንያቱ ሓደኳ ንሕና ዘይሰበኽናዮ ኻሊእ ኢየሱስ እንተ ሰበኸልኩም ወይ ካባና ዘይተቐበልኩምዎ መንፈስ ካሊእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም ወይ ቅድሚ ሕዚ ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም ስቕ ኢልኩም ትዕገሥዎ ኣለኹም።
[5] ኣነ ኻብዞም ብሉጻት ሓዋርያት ኢና ዝብሉ ብሓንቲ እኳ ዝንእስ ኣይመስለንን።
[6] ክእለት ኣዘራርባ እኳ እንተ ዘይብለይ ፍልጠትስ ኣይጐድለንን። እዙይ ከዓ ብብዙኅ መንገዲ ገሊጽናልኩም ኢና።
[7] ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ ርእሰይ ኣትሒተ ወንጌል እግዚኣብሔር ብዘይ ዋጋ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ ኃጢኣት ገይረ እየ?
[8] ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ ካብተን ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ሓገዝ ብምቕባለይ ወፂዐየን እየ።
[9] ምሳኻትኩም እንተለኹውን ምስ ሰኣንኩ ንሓደኳ ኣየጸገምኩን፤ እቶም ካብ መቄዶንያ ዝመጹ ኣኅዋት ዘድልየኒ ዂሉ ገይሮምለይ እዮምሞ። ስለዙይ ንሓደኳ ኣየጸገምኩን፤ ድኅሪ ሕዚውን ከየጸግመልኩም ክጥንቀቕ እየ።
[10] ኣብ ሃገር ኣካይያ እዛ ትምክሕቲ እዚኣ ሓደኳ ኸኅድገኒ ዝኽእል ከም ዘየለ በቲ ኣባይ ኃዲሩ ዘሎ ናይ ክርስቶስ ሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
[11] ዘየፍቅረኩም ስለ ዝኾንኩ ድየ እዙይ ዝብል ዘለኹ? ከም ዘፍቅረኩምስ እግዚኣብሔር ይፈልጥ እዩ።
[12] እቶም ሓዋርያት ኢና ዝብሉ ከምቲ ናቱ ንገብር ኢና ኢሎም ምእንቲ ኸይምክሑ ምኽንያት ከስእኖም እቲ ሕዚ ዝገብሮ ዘለኹ ኽቕጽለሉ እየ።
[13] ከምዚኣቶም ዝበሉ ንባዕላቶም ናይ ክርስቶስ ሓዋርያት ከም ዝኾኑ ኣምሲሎም ብምጥባር ዝሠርሑ ሓሰውቲ ሓዋርያት እዮም።
[14] ሰይጣን እኳ ንርእሱ ናይ ብርሃን መልኣኽ የምስል እዩ እሞ እዙይ ኣየገርምን እዩ።
[15] ስለዙይ ከዓ እቶም ኣገልገልቲ ሰይጣን ንርእሶም ኣገልገልቲ ጽድቂ እንተምሰሉ ዘገርም ነገር ኣይኮነን፤ መወዳእታኦም ድማ ከም ግብሮም ክኸውን እዩ።
[16] ደጊመውን እብል ኣለኹ፦ ሓደኳ ኸም ዓሻ ኣይቝጸረኒ። ከም ዓሻ እንተ ቖጺርኩምኒ ግና ኣነውን ቁሩብ ምእንቲ ኽምካሕስ ከም ዓሻ ገይርኩም ተቐበሉኒ።
[17] ከምዙይ ኢለ ብትምክሕቲ ኽዛረብ እንተለኹ ከም ዓሻ እምበር ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ።
[18] ብዙኃት ብናይ ዓለም ነገራት ካብ ዝምክሑ ኣነውን ክምካሕ እየ።
[19] ንስኻትኩም ለባማት እናሃለኹም ነቶም ዓያሹ ብታሕጓስ ትዕገሥዎም ኣለኹም!
[20] ሓደ ኸም ባርያ እንተ ቖጸረኩም ሓደ እንተ ዓመፀኩም ሓደ እንተ ተበለጸልኩም ሓደ እንተ ዀርዐልኩም ሓደውን ገጽኩም እንተ ጸፍዐኩም ትዕገሥዎ ኣለኹም።
[21] ንምዝራቡ እኳ ዘኅፍረኒ እንተ ኾነ ንሕና ነዞም ነገራት እዚኣቶም ንምግባር ድኹማት ኢና እብለኩም፤ ሓደ ኽምካሕ ዝደፍር እንተልዩ ግና ኣነውን ክምካሕ እየ። ነዝ ዂሉ ግና ኸም ዓሻ እየ ዝዛረብ ዘለኹ።
[22] ዕብራውያን ድዮም? ኣነውን ዕብራዊ እየ። እስራኤላውያን ድዮም? ኣነውን እስራኤላዊ እየ። ደቂ ኣብርሃም ድዮም? ኣነውን ወዲ ኣብርሃም እየ።
[23] ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም? ከም ዕቡድ ደኣ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር ኣነ እበልጾም። ካብአቶም ኅልፊ ዝፀዓርኩ ብዙኅ ጊዜ ዝተኣሰርኩ ብዙኅ ጊዜ ዝተገረፍኩ ብዙኅ ጊዜውን ኣብ ኣፍ ሞት ዝበጻሕኹ እየ።
[24] ኃሙሽተ ጊዜ ነርብዓ ጭጕራፍ ሓደ ጐደል ብኣይሁድ ተገረፍኩ።
[25] ሠለስተ ሻዕ ብበትሪ ተዘበጥኩ፤ ሓደ ሻዕ በእማን ተቐጥቀጥኩ። ሠለስተ ሻዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረትኒ። ሓደ ለይትን ሓደ መዓልትን ኣብ ባሕሪ ጸምበለል በልኩ።
[26] ብዙኅ ጊዜ ኣብ ጕዕዞ ነበርኩ። ብውሑጅን ብኸተርትን ከዓ ተጨነቕኩ፤ ኣይሁድን ኣሕዛብንውን መከራ ኣበርቱዕለይ፤ ኣብ ከተማን ኣብ በረኻን ኣብ ባሕርን ተጨነቕኩ፤ በቶም ሓሰውቲ ኣኅዋት ተጨነቕኩ።
[27] ብሥራሕ ብፃዕሪ ድቃስ ለይቲ ብምስኣን ብጥሜት ብጽምኢ ብጾም ብቝርን ብዕርቃንን ነበርኩ።
[28] ኣብ ርእሲ እዝ ዂሉ ኸዓ እቲ ብዛዕባ ዂለን ኣብያተ ክርስቲያን ዘለኒ ሓልዮት በብመዓልቱ የጨንቐኒ ኣሎ።
[29] መን እዩ ዝደኸመ እሞ ኣነ ዘይኃዝን? መንከ እዩ ብኃጢኣት ዝወደቐ እሞ ኣነ ዘይጕሂ?
[30] ምምካሕ ዝግባእ እንተኾይኑስ ኣነውን ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
[31] እቲ ንዘለዓለም ቡሩኽ ዝኾነ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ እግዚኣብሔር አነ ኸም ዘይሕሱ ይፈልጥ እዩ።
[32] ኣብ ደማስቆ እቲ ኣብ ትሕቲ ንጉሥ ኣርስጣስዮስ ኮይኑ ዘመኃድር ዝነበረ ሹም ክኅዘኒ ደልዩ ነታ ኸተማ የሐልዋ ነበረ።
[33] ስለዙይ ኣብ ከፈር ገይሮም በቲ ኣብቲ ቕጽሪ ዝነበረ መስኮት ኣውረዱኒ እሞ ካብ ኢዱ ኣምለጥኩ።