[1] እምበኣርከስ ኣቱም ፍቑራተይ! እዝ ዂሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ ካብቲ ሥጋን መንፈስን ዘርክስ ኲሉ ርእስና ነንጽሕ። ንእግዚኣብሔር ብምፍራኅ ቅድስናና ፍጹም ንግበሮ።
[2] ልብኹም ኣግፊሕኹም ክፈቱልና፤ ንሕና ንሓደኳ ኣይዓመፅናን፤ ንሓደኳ ኣይጐዳእናን ንሓደውን ኣይተበለጽናሉን።
[3] እዝ ዝብለኩም ዘለኹ ኽወቕሰኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም ንኣኻትኩም ልብና ኽፉት እዩሞ። ብሕይወት እንተለና ወይ እንተ ሞትና ዂልሻዕ ምሳኻትኩም ኢና።
[4] ኣባኻትኩም ብዙኅ እምነት ኣለኒ፤ ብኣኻትኩም ዘለኒ ትምክሕቲ ኸዓ ዓብዪ እዩ፤ ተጸናኒዐውን ኣለኹ። ብዙኅ መከራ እኳ እንተሃለወና ሓጐሰይ ወሰን የብሉን።
[5] ኣብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና ድማ ብዂሉ ጨነቐና እምበር ዕረፍቲ ኣይረኸብናን፤ ኣብ ወፃኢ ውግእ ኣብ ውሽጢውን ፍርኃት ነበረና።
[6] እቲ ንዝኃዝኑ ዘጸናንዕ እግዚኣብሔር ግና ብምምጻእ ቲቶ ገይሩ ኣጸናንዐና።
[7] ግና በቲ ንሱ ኻባኻትኩም ዝረኸቦ ምጽንናዕ ደኣ እምበር ብምምጽኡ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ናተይ ናፍቖት ከም ዘለኩም ከም እተናሳሕኹም ንኣይውን እምብዛ ኸም እትሓልዩ ምስ ነገረና የመና ተሓጐስኩ።
[8] ብመልእኽተይ ኣጕህየኩም እንተ ኾንኩ እኳ ኣየናስሐንን እዩ። ቅድም ግና ንጊዜኡ እኳ እንተ ኾነ ከም ዘጕሄኹኹም ስለ ዝፈለጥኩ ኣናሲሑኒ ነይሩ።
[9] ሕዚ ግና ስለ ዘጕሄኹኹም ዘይኮነስ ብኣና ምኽንያት ዝኾነ ጕድኣት ስለ ዘይበጽሐኩምን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንንስሓ ስለ ዝጐሄኹምን እሕጐስ ኣለኹ።
[10] ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ምጕሃይ ናብ ድኅነት ዘብጽሕ ንስሓ የስዕብ፤ ኣየናስሕን ከዓ እዩ፤ ጓሂ ዓለም ግና ሞት የስዕብ እዩ።
[11] እንሆ እዝ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝጕሄኹምዎ ክትፅዕሩን ካብ በደል ንጹሓት ምዃንኩም ክተረድኡን ገበረኩም። ኃጢኣት ምጽላእን ፍርኃት እግዚኣብሔርን ከም ዝህልወኩምን ንኣይ ከም እትናፍቑን መንፈሳዊ ቕንኣት ከም ዝኃድረኩምን ብቕንዕና ኸም እትፈርዱውን ገበረኩም። በዝ ነገር እዙይ ብዂሉ ንጹሓት ከም ዝኾንኩም ኣመስከርኩም።
[12] እምበኣር ኣነ ዝጸሓፍኩልኩም ብኣይ ከም እትግደሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንኣኻትኩም ግሁድ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ እምበር ብዛዕባ በዳሊ ወይ ብዛዕባ ተበዳሊ ኢለ ኣይኮንኩን ዝጸሓፍኩልኩም።
[13] ስለዙይ ድማ ተጸናናዕና። ኣብቲ ናትና ምጽንናዕ ብተወሳኺ ቲቶ ብምሕጓሱን ንመንፈሱ ስለ ዘዕረፍኩምዎን ብዝበለጸ ተሓጕስና ኣለና።
[14] ኣነ ከም ዝምክሐልኩም ንቲቶ ነጊረዮ ነይረ፤ ንስኻትኩምውን ኣየኅፈርኩምንን። ከምቲ ንኣኻትኩም ዝነገርናኩም ኲሉ ሓቂ ኸም ዝኾነ ብዛዕባኹም ተመኪሕና ንቲቶ ዝነገርናዮውን ሓቂ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ።
[15] ከም ዝተኣዘዝኩምዎን ብፍርሃትን ብራዕድን ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምዎን እናዘከረ ንኣኻትኩም ዘለዎ ፍቕሪ እምብዛ ዓብዪ እዩ።
[16] ኣባኻትኩም ፍጹም እምነት ስለ ዘለኒ ሕጉስ እየ።