Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:01

[1] ምስ እግዚኣብሔር እንሠርሕ ከም ምዃንና ጸጋ እግዚኣብሔር ንኸንቱ ኸይትቕበሉ ንልምነኩም ኣለና።

[2] ብኅርይቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ! ብመዓልቲ ምድኃን ረዳእኩኻ! ከም ዝብሎ እንሆ እታ ኅርይቲ ዕለት ሎሚ እያ፤ እታ መዓልቲ ምድኃንውን ሕዚ እያ።

[3] ምእንቲ ኣገልግሎትና ኸይንቀፍ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ምኽንያት መዐንቀፊ ኣይንኾኖን ኢና።

[4] እኳ ደኣ ብዂሉ ኸም ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ንርእስና ነቕርብ፦ ብብዙኅ ትዕግሥቲ ብመከራ ብጭንቂ ብሽግር

[5] ብመግረፍቲ ብማእሰርቲ ብሁከት ብፃዕሪ ድቃስ ብምስኣን ብጥምየት

[6] ነዙይ ከዓ ብቕድስና ብምስትውዓል ብዓቕሊ ብለውሃት ብመንፈስ ቅዱስ ብሓቀኛ ፍቕሪ

[7] ሓቂ ብምዝራብ ብኃይሊ እግዚኣብሔር ብየማንን ብጸጋምን ኣእዳውና ኣጽዋር ጽድቂ ብምኃዝ እዩ።

[8] ብኽብርን ብሕስራንን ጽቡቕ ክዛረቡልና ኾነ ኸጸልሙና ንረአ ኣለና። ሓቀኛታት እንተለና ኸም መምሰልቲ ይቖጽሩና፤

[9] ከም ዘይተፈለጥና ግና ኣጸቢቕና ፍሉጣት ኢና። ከም ዝሞትና ግና ገና ሕያዋን ኢና። ብብርቱዕ ንቕጻዕ እንተኾነ ገና ኣይተቐተልናን።

[10] ከም ጕሁያት ግና ዂልሻዕ ሕጉሳት ኢና። ከም ድኻታት ግና ንብዙኃት ነሀብትም ኢና። ኲሉ እንተለናስ ሓንቲ ከም ዘይብሎም ኴንና ንረአ ኣለና።

[11] ኣቱም ሰብ ቆሮንቶስ ብገሃድ ንዛረበኩም ኣለና፤ ልብናውን ከፊትናልኩም ኢና።

[12] ንስኻትኩም ድኣ ኢኹም ፍቅርኹም ዘጕደልኩም እምበር ፍቕርናስ ኣየጕደልናልኩምን።

[13] ከም ደቀይ እየ ዝዛረበኩም ዘለኹ፤ ንስኻትኩምውን ከምኡ ልብኩም ክፈቱልና።

[14] ግቡእ ብዘይኮነ ኣካይዳ ምስቶም ዘየኣምኑ ብሓደ ኣይትጸመዱ፤ ጽድቂ ምስ ኃጢኣት እንታይ ዘራኽብ አለዎ? ወይ ከዓ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ኅብረት ኣለዎ?

[15] ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ኅብረት ኣለዎ?

[16] መቕደስ እግዚኣብሔር ምስ ጣዖታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? እግዚኣብሔር፦ ምስኣቶም ክነብር እየ፤ ኣብ መንጎኦምውን ክመላለስ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ሕዝበይ ክኾኑኒ እዮም ከም ዝበለ ንሕና ቤተ መቅደስ ሕያው እግዚኣብሔር ኢና።

[17] ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ› ይብል እግዚኣብሔር። ርኹስ ኣይትንክኡ፤ ኣነውን ክቕበለኩም እየ።

[18] ኣቦ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኮኑኒ ኢኹም› ይብል ኲሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ተብሂሉ ኸም ዝተጽሓፈ እዩ።

2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ — Chapters