Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:36

[1] እዛ ኸም ድንኳን ጊዜያዊት ዝኾነት ሰብነትና እንተ ፈረሰት እኳ ብኢድ ሰብ ዘይተሠርሐት ካብ እግዚኣብሔር ዝኾነት ናይ ዘለዓለም ቤት ኣብ ሰማያት ከምዘላትና ንፈልጥ ኢና።

[2] ኣብዙይ ግና ንግዕር ኣለና፤ እቲ ሰማያዊ ቤትና ንኽንለብስ ከዓ ንናፍቕ ኣለና።

[3] ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና ዕሩቓት ኴንና ኣይንርከብን ኢናሞ።

[4] ኣብዝ ድንኳን ዝኾነ ምድራዊ ሰብነትና ኽሳብ ዘለና ኸቢዱና ንግዕር፤ እዙይውን ክንቅንጠጥ ደሊና ዘይኮንናስ ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና እቲ መዋታይ ብሕይወት ምእንቲ ኽልወጥ እዩ።

[5] እቲ ነዙይ ዘዳለወልና ነቲ ክኸውን ዘለዎ መተኣማመኒ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበና እግዚኣብሔር እዩ።

[6] ኣብዝ ሰብነት እዙይ ክሳዕ ዘለና ኻብ ጐይታ ብርኅቐት ከም ዘለና እንተፈለጥና እኳ ዂሉ ጊዜ ብእኡ ንተኣማመን ኢና።

[7] ብእምነት እምበር ብምርኣይ ኣይኮንናን እንነብር ዘለና።

[8] ካብዝ ሰብነት እዙይ ተፈሊና ምስ ጐይታ ኽንነብር ይሕሸና ኢልና ብትብዓት ንዛረብ።

[9] ኣብዝ ሰብነት እዙይ እናሃለና ኾነ እንተተፈለና ዕላማና ንእኡ ምሕጓስ እዩ።

[10] ነፍስ ወከፍና ነቲ ብሥጋዊ ሕይወቱ እንተሎ ዝገበሮ ሠናይ ኮነ ወይ ክፉእ ምእንቲ ኽቕበል ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ግድን ክንቀርብ ኢናሞ።

[11] እምበኣር ንእግዚኣብሔር ምፍራኅ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ እንፈልጥ ንዂሉ ሰብ ክነረድእ ንፅዕር ኣለና፤ እንታዎት ከም ዝኾንና እግዚኣብሔር ይፈልጥ እዩ፤ ንስኻትኩምውን ብሕሊናኹም እንታዎት ከም ዝኾንና ኸም እትፈልጡ ተስፋ ኣለና።

[12] ነቶም ብልቢ ዘሎ ዘይኮነ ብዝረአ ኣፍኣዊ ንዝምክሑ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ ምኽንያት ንህበኩም ኣለና እምበር መሊስና ንርእስና ኽንንእድ ኢልና ኣይኮንናን።

[13] ንሕናስ ከም ዕቡዳት እንተተቖጸርና ንእግዚኣብሔር ኢልና ኢና፤ ለባማት እንተ ዄንና ድማ ንኣኻትኩም ኢልና ኢና።

[14] ሓደ ቤዛ ዂሉ ኸም ዝሞተ ኲላቶም ከዓ ተኻፈልቲ ሞቱ ኸም ዝኾኑ ስለ ዝተረዳእና ፍቕሪ ክርስቶስ የገድደና እዩሞ።

[15] እቶም ብሕይወት ዝነብሩ ነቲ ምእንትኣቶም ዝሞተን ዝተሥአን እምበር ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ ክርስቶስ ምእንቲ ዂላቶም ሞተ።

[16] እምበኣር ካብ ሕዚ ንደኃር ብሥጋዊ ኣረኣእያ ንሓደኳ ኣይንፈልጥን ኢና። ንክርስቶስ ብሥጋዊ ኣረኣእያ ፈሊጥናዮ እንተ ነበርና እኳ ሕዚ ግና ኸምኡ ኣይንፈልጦን ኢና።

[17] ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተልዩ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ኃሊፉ እንሆ ዂሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።

[18] እዝ ዂሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ ገይሩ ዝተዓርቐና ንኻልኦትውን ምስኡ ኽነተዓርቕ ኣገልግሎት ዝሃበና እግዚኣብሔር እዩ።

[19] እዙይ ከዓ እግዚኣብሔር ብክርስቶስ ገይሩ ንሕዝቢ ዓለም ምስ ርእሱ ኽዓርቕ እንተሎ በደሎም ኣይቈጸረሎምን፤ ንኣናውን መልእኽቲ ዕርቂ ሃበና።

[20] ስለዙይ ንሕና ናይ ክርስቶስ መልእኽተኛታት ኢና፤ እግዚኣብሔር ከዓ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ። ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ድማ ምስ እግዚኣብሔር ተዓረቑ! እናበልና ንልምነኩም ኣለና።

[21] ንሕና ብክርስቶስ ተኻፈልቲ ጽድቂ እግዚኣብሔር ምእንቲ ኽንከውን እግዚኣብሔር ናትና ኃጢኣት ክጸውር ገበሮ።

2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ — Chapters