[1] ኣቱም ኣኅዋተይ! ብዛዕባቲ ንኣብያተ ክርስቲያን መቄዶንያ ዝተውሃበ ጸጋ እግዚኣብሔር ክትፈልጡ ንደሊ ኣለና።
[2] ብብዙኅ መከራ ተፈቲኖም እዮም፤ እንተኾነ ሕጉሳት ስለ ዝኾኑ የመና ድኻታት እኳ እንተኾኑ የመና ድማ ለጋሳት እዮም።
[3] ባዕልቶም ፈትዮም ከም ዓቕሞምን አረ ኻብ ዓቕሞም ንላዕልን ከም ዝለገሱ እምስክረሎም እየ።
[4] ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣመንቲ ንምሕጋዝ ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ክሳተፉ ግደ ክወሃቦም ኣበርቲዖም ለመኑና።
[5] ከምቲ ንሕና ዝተተስፎናዮ ዘይኮነ ኸዓ ቅድም ንጐይታ ድኅሪኡ ኸዓ ንኣና ኸም ፍቓድ እግዚኣብሔር ርእሶም ወፈዩ።
[6] ስለዙይ ከምቲ ኣቐዲሙ ጀሚርዎ ዝነበረ ነዝ ናይ ልግስናኹም ኣገልግሎት ኣብ ፍጻሜ ኸብጽሖ ንቲቶ ምዒድናዮ ኣለና።
[7] ከምቲ ብዂሉ ነገር፦ ብእምነት ብቓል ብፍልጠት ብዂሉ ትግሃት በታ ኣባና ዘላትኩም ፍቕሪ ብሉጻት ዝኾንኩም በዝ ናይ ልግሲ ሠናይ ሥራሕውን ብሉጻት ኩኑ።
[8] እዙይ ክብል እንተለኹ ምስ ናይ ካልኦት ትግሃት ብምንጽጻር ፍቕርኹም ሓቂ ኸም ዝኾነት ከረጋግጽ ኢለ እየ እምበር እእዝዘኩም ኣይኮንኩን ዘለኹ።
[9] ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ ሃብታም እንተሎ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
[10] ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ዝምዕደኩም፦ ዓሚ ምልጋስ ጥራሕ ዘይኮነስ ብቕድሙውን ንምውፃእ ገንዘብ ድልየት ከምዘለኩም ዝገለጽኩም ንስኻትኩም ኢኹም።
[11] ሕዚ ኸዓ እቲ ዝነበረኩም ባህጊ ምልኣት ምእንቲ ኽረክብ ነቲ ሠናይ ምግባር ከም ዓቕምኹም ገይርኩም ፈጽምዎ።
[12] ንምሃብ ድሌት እንተ ደኣ ሃልዩ እቲ ውህብቶ ቕቡል እዩ፤ እንተኾነ ከም ዓቕሙ ደኣ እምበር ልዕሊ ዓቕሙ ክኸውን የብሉን።
[13] እዙይ ግና ንኣኣቶም ክምችዎም ንኣኻትኩም ክትጽገሙ ኢለ ዘይኮነስ ማዕርነት ምእንቲ ኽህሉ ኢለ እየ።
[14] -
[15] ከምቲ ጽሑፍ ብዙኅ ዝኣከበ ኣየትረፈን፤ ውሑድ ዝኣከበውን ኣይጐደሎን ዝብሎ ኣብዝ ዘመን እዙይ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ክምልእ እቲ ተረፎም ከኣ ነቲ ጐደለኹም ክምልእ እሞ ማዕረ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ እዙይ ዝብል ዘለኹ።
[16] ነቲ ኣነ ምእንታኻትኩም ዘለኒ ሓልዮት ናብ ልቢ ቲቶ ዘኅደረ ኣምላኽ ኣመስግኖ ኣለኹ።
[17] ቲቶ ልመናይ ሰሚዑ ጥራሕ ዘይኮነስ ብናይ ባዕሉ ፍቓድ ብርቱዕ ድልየት ሃልይዎ እዩ ናባኻትኩም ዝመጽእ ዘሎ።
[18] ምስኡውን ነቲ ብኣገልግሎት ወንጌል ብዂላተን ኣብያተ ክርስቲያን ዝተንኣደ ኃው ንሰደልኩም ኣለና።
[19] ከምኡውን ንሱ ኣብቲ ንኽብሪ እግዚኣብሔርን ነቲ ዘለና ሓልዮትን ክነርኢ ኢልና ናይ ልግሲ ጸጋ ክነመኃድር ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ ምሳና ክኸይድ ኣብያተ ክርስቲያን ዝኃረያኦ እዩ።
[20] ነዝ ናይ ልግሲ ኣገልግሎት ክነመኃድር እንተለና ኸይንንቀፍ ንጥንቀቕ ኣለና።
[21] ዕላማና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ሰብውን ሠናይ ንምግባር እዩሞ።
[22] ሕዝውን እንሆ እምብዛ ትጉህ ከም ዝኾነ ብዙኅ ጊዜ ብብዙኅ ነገር መርሚርና ዝፈለጥናዮ ሓደ ኻልእ ኃው ምስኣቶም ንሰደልኩም ኣለና። ሕዚ እሞ ኸዓ ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ስለ ዘኅደረ ብዝበለጸ ይተግህ ኣሎ።
[23] ብዛዕባ ቲቶ ዝጥይቕ እንተልዩ ኸዓ ንሱ መሣርሕተይ ምሳይ ሓቢሩውን ንኣኻትኩም ዘገልግል እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣሕዋትና ዝጥይቕ እንተልዩ ንሳቶም ንኽብሪ ክርስቶስ ልኡኻት ኣብያተ ክርስቲያን እዮም።
[24] እምበኣር ፍቕርኹም ነዚኣቶም ብምግላጽ ብዛዕባኹም ዝተመካሕናዮ ሓቂ ኸም ዝኾነ ነተን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣረጋግጹለን።