[1] ኣነ ጳውሎስ ኣብ ቅድሜኹም ሓፋር ብድኅሬኹም ግና ደፋር ዝተብሃልኩ ብናይ ክርስቶስ ሕያዋይነትን ለውሃትን እልምነኩም ኣለኹ።
[2] ነቶም ብሥጋዊ መንገዲ ኸም እንነብር ገይሮም ዝቖጽሩና ሰባት ብድፍረት ክምልሰሎም እኽእል እየ፤ እንተኾነ ናባኻትኩም ምስ መጻእኹ ብድፍረት ኣብ ምዝራብ ከይተብጽሑኒ እልምነኩም ኣለኹ።
[3] ኣብዛ ዓለም እኳ እንተነበርና ኸምዛ ዓለም ኣይንዋጋእን ኢና።
[4] ኣፅዋር ውግእና ድማ ጽኑዕ ዕርድታት ዘፍርስ መለኮታዊ ኃይሊ ዘለዎ ኣፅዋር እዩ እምበር ናይዛ ዓለም ኣፅዋር ኣይኮነን።
[5] በዙይ ከዓ ነቲ ንፍልጠት እግዚኣብሔር ብትዕቢት ዝቃረን ኲሉ ነፍርሶ፤ ንዂሉ ሓሳብ ማሪኽና ድማ ንክርስቶስ ከም ዝግዛእ ንገብሮ።
[6] ንስኻትኩም ብምእዛዝ ፍጹማት ምስ ኮንኩም ነቲ ዘይእዘዝ ኲሉ ኽንቀጽዖ ድልዋት ኢና።
[7] ንስኻትኩም ንሓደ ነገር ብኣፍኣዊ ጥራሕ ኢኹም እትርእይዎ፤ ሓደ ናይ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ዝኣምን እንተልዩ ከምቲ ንሱ ናይ ክርስቶስ ዝኾነ ንሕናውን ናይ ክርስቶስ ከም ዝኾንና ኽሓስብ ይግብኦ።
[8] በቲ ጐይታ ንመጥፍኢኹም ዘይኮነስ ንምህናጽኩም ዝሃበና ሥልጣን ቊሩብ ኅልፊ ገይረ እንተ ደኣ ተመኪሐ ኾይነ ድማ ኣይኃፍርን እየ።
[9] ብመልእኽታተይ ገይረ ኸፈራርኀኩም ዝደሌኹ ኣይምሰልኩም።
[10] ሓድሓደ ሰባት እተን መልእኽታቱ ኸበድትን ብርቱዓትን እየን፤ ብኣካል ምሳና እንተሎ ግና ድኹም እዩ፤ ዘረባኡውን ንዑ ቕ እዩ ዝብሉ ኣለዉ።
[11] እቶም ከምዙይ ዝብሉ ሰባት ከምቲ ኣብ ርሑቕ እንተለና ብመልእኽታትና እንብሎ ብኣካል ኣብኡ ምሳኻትኩም እንተለናውን ከምኡ ኸም እንብል ይፍለጡ።
[12] ምስቶም ባዕላቶም ንባዕላቶም ዝንእዱ ርእስና ኽንቈጽር ወይ ክነመዓራሪ ኣይንደፍርን ኢና። ንሳቶም ንርእሶም ምስ ርእሶም ስለ ዘመዛዝኑ ንርእሶም ከዓ ምስ ርእሶም ስለ ዘመዓራርዩ ዘየስተውዕሉ እዮም።
[13] ንሕና ግና ናባኻትኩም ክሳዕ እንበጽሕ በቲ እግዚኣብሔር ዝወሰነልና መጠን እምበር ካብ መጠን ኃሊፍና ኣይንምካሕን ኢና።
[14] ቅድሚ ዂሉ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ዝሰበኽናልኩም ንሕና ኢና፤ ስለዙይ ብኣኻትኩም እንተ ተመካሕና ካብ ዝተወሰነልና ዝኃለፍና ኣይመስለንን።
[15] ንሕናስ ካብ ዝተወሰነልና ኃሊፍና በቲ ኻልኦት ዝደኸሙሉ ኣይንምካሕን ኢና። እኳ ደኣ እምነትኩም ክዓቢ እሞ እቲ ኣባኻትኩም ዝተወሰነልና ኣገልግሎት ክሰፍሕ ተስፋ ንገብር ኣለና።
[16] ኣብቲ ኻልኦት ኣቐዲሞም ብዝሠርሑሉ እንተይተመካሕና ካባኻትኩም ኃሊፍና ናብ ካልኦት ሃገራት ወንጌል ክንሰብኽ ኢና።
[17] እቲ ዝምካሕ ብእግዚኣብሔር ይመካሕ ከም ዝብሎ
[18] እቲ እግዚኣብሔር ዝንእዶ እምበር እቲ ንርእሱ ዝንእድ ሰብ ኣይኮነን ተቐባልነት ዝረክብ።