Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:47

[1] ብዛዕባ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣመንቲ ዝኸውን ረድኤት ክጽሕፈልኩም ዘድሊ ኣይመስለንን።

[2] ክትሕግዙ ድልዋት ምዃንኩም እፈልጥ እየሞ። እቶም ኣብ ኣካይያ ዘለዉ ኣኅዋት ካብ ዓሚ ጀሚሮም ንምሕጋዝ ዝተዳለዉ እዮም እናበልኩ ኣብ ሰብ መቄዶንያ ተመኪሐልኩም እየ። እቲ ትግሃትኩም ከዓ ንብዙኃት ኣነቓቒሕዎም ኣሎ።

[3] እቲ ብዛዕባኻትኩም ዝተመካሕናዮ በዝ ተግባርዙይ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውን ግና ኸምቲ ዝበልክዎ ተዳሊኹም ክትጸንሑ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም ኣለኹ።

[4] እዙይ ከዓ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መጹ እሞ ከይተዳለኹም እንተ ጸናሕኹም ብኣኻትኩም ብምምካሕና ንሕና ጥራሕ ዘይኮነስ ንስኻትኩምውን ከይትኃፍሩ ኢለ እየ።

[5] ስለዙይ ነቲ ኽትልግስዎ ዘተስፎኹምዎ ውህብቶ ኣቐዲሞም ምእንቲ ኸዳልዉ ነቶም ኣሕዋት ቀቅድመይ ናባኻትኩም ክኸዱ ጠየቕኩዎም። እዙይ ከዓ ፈቲኹም እምበር ተገዲድኩም ከም ዘይገበርኩምዎ ኸረድእ እዩ።

[6] እቲ ብውሑድ ዝዘርእ ብውሑድ ከም ዝዓጽድ እቲ ብብዙኅ ዝዘርእ ድማ ብብዙኅ ከም ዝዓጽድ ፍለጡ።

[7] እግዚኣብሔር ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዝፈቱ እሞ ነፍስ ወከፍ እንተይፈተወ ወይ ብግዲ ዘይኮነስ ከምቲ ብልቡ ዝሓሰቦ የሃብ።

[8] -

[9] ከምቲ ቕዱስ መጽሓፍ ንድኻ ብልግሲ ሃበ፤ ጽድቁ ንዘለዓለም ይነብር ዝብሎ እግዚኣብሔር ከዓ ዘድልየኩም ኲሉ ረኺብኩም ብሠናይ ተግባር ኲሉ ብሉፃት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ ጸጋ ኸብዝኀልኩም ይኽእል እዩ።

[10] እቲ ንዘራኢ ዘርኢ ንተመጋቢ ምግቢ ዝህብ ኣምላኽ ዘርኢ ክህበኩምን ከበርክተልኩምን ናይ ጽድቅኹም ፍረውን ከብዝኀልኩም እዩ።

[11] ኲሉ ጊዜ ለጋሳት ምእንቲ ኽትኮኑ ብዂሉ ወገን ከሀብትመኩም እዩ፤ እቶም ነቲ ውህብቶኹም ብኢድና ኣቢሉ ዝበጽሖም ድማ ንእግዚኣብሔር ከመስግኑ እዮም።

[12] እዝ ናይ ልግሲ ኣገልግሎትኩም ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ምምላእ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰብ ንእግዚኣብሔር ዝበለጸ ምስጋና ኸም ዘቕርብ ይገብር እዩ።

[13] እዝ ናይ ልግስኹም ኣገልግሎት ንስኻትኩም ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ወንጌል ክርስቶስ እሙናት ከም ዝኾንኩምን ንኣኣቶምን ንዂሉ ሰብን ለጋሳት ከም ዝኾንኩም ስለ ዘረድእ ብዙኃት ንእግዚኣብሔር ከመስግኑ እዮም።

[14] ንሳቶም ንኣኻትኩም ይጽልዩልኩም እዮም። ስለቲ ኣባኻትኩም ዘሎ መጠን ዘይብሉ ጸጋ እግዚኣብሔር ክርእይኹም ይናፍቑ እዮም።

[15] ስለቲ ብቓል ክንገር ዘይከኣል ውህብቶኡ እግዚኣብሔር ይመስገን።

2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ — Chapters