Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:03

[1] ብምምካሕ ዝርከብ ጥቕሚ እንተዘይሃለወኳ ምምካሕ እንተድልዩስ ጐይታ ብዝሃበኒ ራእይን ምግላጽን ክምካሕ እየ።

[2] ቅድሚ ዓሠርተ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ናይ ክርስቶስ ዝኾነ ሰብ ክሳዕ ሣልሳይ ሰማይ ከም ዝተወስደ እፈልጥ። ብሥጋኡ ይኹን ካብ ሥጋኡ ወፃኢ ኣይፈልጥን እየ፤ እግዚኣብሔር ይፈልጥ።

[3] እዝ ሰብ እዙይ ዝተወስደ ብኣካል ይኹን ኣይኹን ኣይፈልጥን፤ እግዚኣብሔር ይፈልጥ።

[4] እዝ ሰብዙይ ናብ ገነት ተወስደ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽንገር ዘይከኣል ሰብ ክዛረቦ ዘይተፈቕደሉ ነገር ከም ዝሰምዐ እፈልጥ።

[5] በዝ ኸምዙይ ዝመሰለ ሰብ ክምካሕ እየ፤ ብዛዕባ ርእሰይ ግና ብድኻመይ እንተ ዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ።

[6] ክምካሕ እንተዝደልስ ሓቂ ስለ ዝዛረብ ከም ዓሻ ኣይምተቖጸርኩን። ኣነ ግና ሕዚ ሓደኳ ብዛዕባይ ልዕሊ እቲ ኣባይ ዝርእዮን ካባይ ዝሰምዖን ምእንቲ ከይግምተኒ ሸለል ኢለ አኃድጎ ኣለኹ።

[7] ብምኽንያት እቲ ብዙኅ ዝተገልጸለይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸዓ ሥጋይ ዝወግእ ናይ ሰይጣን ልኡኽ ተውሃበኒ።

[8] እዙይ ካባይ ንኸርሕቐለይ ንጐይታ ሠለስተ ሻዕ ለመንክዎ።

[9] ንሱ ግና ኃይለይ ኣብ ድኻም እዩ ፍጹም ኮይኑ ዝግለጽ እሞ ጸጋይ የኣኽለካ በለኒ። ስለዙይ ኃይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽኃድር ብብዙኅ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

[10] እንትደክም ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም ብጸርፊ ብሓሳር ብስደት ብመከራ እሕጐስ ኣለኹ።

[11] ከም ዓሻ እየ ዝተዛረብኩ። እንተኾነ ኸም ዓሻ ኽዛረብ ዝገበርኩምኒ ንስኻትኩም ኢኹም። ክትንእዱኒ ዝግብአኩም ዝነበረስ ንስኻትኩም ኢኹም። ዘይረብኅ እኳ እንተ ኾንኩ ካብቶም ብሉጻት ሓዋርያት ኢና ዝብሉ ኣይንእስን እየ።

[12] ኣነ ሓዋርያ ኸም ዝኾንኩ ዘረድእ ብዙኅ ምልክትን ተኣምራትን ዘደንቕ ነገራትን ምስ ብዙኅ ትዕግሥቲ ኣብ ማእኸልኩም ተገይሩ እዩ።

[13] ሓግዙኒ ብምባል ንኣኻትኩም ዘይምጽጋመይ እንተዘይኮይኑ ካብቶም ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ዘጕደልኩልኩም እንታይ እዩ? እዚኣ በደል እንተድኣ ኾይና ይቕረ በሉለይ።

[14] እንሆ ናባኻትኩም ንኽመጽእ እንትዳሎ እዙይ ሣልሳየይ እዩ፤ ሕዝውን ሸኽሚ ክኾነኩም ኣይደልን። ኣነ ንኣኻትኩም እምበር ገንዘብኩም ኣይኮንኩን ዝደሊ። ወለዲ እዮም ንውላዶም ገንዘብ ከዋህልሉሎም ዝግባእ እምበር ውሉድ ኣይኮኑን ንወለዲ ዘዋህልሉሎም።

[15] ኣነ ኽንዳኻትኩም ዘለኒ ዂሉ ሕይወተይውን እንተይተረፈ ምእንታኻትኩም ኣኅሊፈ ኽህብ ሕጉስ እየ። ኣብሊጸ ስለ ዘፍቀርኩኹም ዲኹም ኣንኢስኩም ተፍቅሩኒ ዘለኹም?

[16] ሸኽሚ ኣይኮንኩኹምን ግና ብጕርሒ ተጣቢበ ዝኃዝኩኹም እዩ ዝመስለኩም።

[17] በቶም ናባኻትኩም ዝለአኽኩዎም ገይረዶ ተበሊጸልኩም እየ?

[18] ንቲቶ ናባኻትኩም ክኸይድ ለሚነዮ ነይረ፤ ምስኡውን ሓደ ኃው ሰዲደ ነይረ፤ ቲቶ ደኾን ተበሊጹልኩም ኮይኑ? ኣነን ንሱን ብሓደ መንፈስን ብሓደ መንገድንዶ ኣይኮንናን እንሰርሕ?

[19] ኣብ ቅድሜኹም ንርእስና ኽንከላኸል ዝጸናሕናዶ ይመስለኩም? ኣቱም ፍቑራተይ! ከም ፍቓድ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኢና ንዛረብ ዘለና፤ እዝ ዂሉ ኸዓ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትህነጹ እዩ።

[20] ክመጽእ እንተለኹ ኸምቲ ኣነ ዘይደልዮ ዀንኩም ከይረኽበኩም ንኣይውን ከምቲ ንስኻትኩም ዘይትደልይዎ ኾይነ ከይትረኽቡኒ ምናልባሽውን ባእሲ ቅንኢ ቊጥዓ ሻራ ስም ምጽላም ሓሜት ትዕቢት ህውከት ከይህልወኩም እፈርኅ ኣለኹ።

[21] ከምኡውን እግዚኣብሔር ብሰንክኹም ከየኅፍረኒ እዙይ ከዓ እቶም ቀደም ኃጢኣት ዝገብሩ ዝነበሩ ካብቲ ዝገብርዎ ርኽሰትን ምንዝርናን ዕብዳንን ብዙኃት እንተይተነስሑ ኸይጸንሑ እሞ ከይጕሂ እፈርሕ ኣለኹ።

2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ — Chapters