[1] ከምዙይ ክንብል እንተለና ገና ንርእስና ንንእድ ዲና ዘለና? ወይ ከምቲ ገሊኣቶም ዝገብርዎ ናባኻትኩም ወይ ከዓ ኻባኻትኩም ናይ ናእዳ መልእኽቲ የድልየና ድዩ?
[2] እታ ዂሉ ሰብ ምእንቲ ኽፈልጣን ከንብባን ኣብ ልብና ዝተጽሓፈት ናይ ናእዳ መልእኽትና ንስኻትኩም ኢኹም።
[3] ንስኻትኩም ካብ ክርስቶስ ዝተልኣኸት ብኣና ዝበጽሐት ብቐለም ዘይኮነ ብመንፈስ እቲ ሕያው ዝኾነ እግዚኣብሔር ዝተጽሓፈት ኣብ ጽላት እምኒ ዘይኮነ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝተቐርጸት መልእኽቲ ምዃንኩም ግሁድ እዩ።
[4] እዙይ እንብል ዘለና ኸዓ በቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዘለና ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ እምነት እዩ።
[5] ዝኾነ ነገር ንምግባር ብቕዓት ዝሃበና እግዚኣብሔር እዩ እምበር ካብ ባዕልና ዝኾነ ብቕዓት የብልናን።
[6] ናይታ ብፊደል ዝተጽሓፈት ሕጊ ዘይኮነስ ናይታ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ሓዳስ ኪዳን ኣገልገልቲ ኽንከውን ብቑዓት ዝገበረና እግዚኣብሔር እዩ፤ ጽሑፍ ሕጊ ሞት የምጽእ መንፈስ ቅዱስ ግና ሕይወት ይህብ እዩሞ።
[7] ደቂ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ኃላፊ ዝኾነ ኽብሪ ገጽ ሙሴ ምጥማት ሰኣኑ። እታ ኣብ ጽላት እምኒ ብፊደል ዝተቐርጸት ሞት እተስዕብ ሕጊ ብኽብሪ ኻብ ተገልጸት፤
[8] እታ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ደኣ ኸመይ ኣብሊጻ ብኽብሪ ዘይትግለጽ?
[9] እታ ዂነኔ እተስዕብ ኣገልግሎት ካብ ከበረት እታ ጽድቂ እተስዕብ ኣገልግሎት ደኣ ኸመይ ኣብሊጻ ዘይትኸብር?
[10] እታ ኽብርቲ ዝነበረት እዛ ኻብኣ ዝኸበረት ብምምጻኣ ኽብሪ ኸም ዘይነበራ ኾነት።
[11] እታ እናሃሰሰት እትኸይድ ኃላፊት ብኽብሪ ኻብ መጸት እታ ነባሪት ደኣ ኸመይ ኣብሊጻ ብክብሪ ዘይትመጽእ!
[12] ከምዙይ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና ኢና ብትብዓት እንዛረብ ዘለና።
[13] ንሕና ከምቲ ሙሴ ነቲ ዝሃስስ ዝነበረ ምንጽብራቕ ገጹ ደቂ እስራኤል ከይርእይዎ ዝጕልበብ ዝነበረ ኣይኮንናን።
[14] እንተኾነ ልቦም ተደፊኑ እዩ፤ ብሉይ ኪዳን ከንብቡ እንተለዉ እቲ ጕልባብ ገና ኽሳዕ ሎሚ ኣይተቐልዐሎምን፤ እቲ ጕልባብ እቱይ ዝቕላዕ ብክርስቶስ ጥራሕ እዩሞ።
[15] እወ ክሳዕ ሎሚውን ሕጊ ኦሪት ክንበብ እንተሎ ልቦም ብጕልባብ ክዉል እዩ።
[16] ሓደ ሰብ ናብ ጐይታ እንትምለስ ግና እቲ ጕልባቡ ይቕንጠጠሉ እዩ።
[17] ጐይታስ መንፈስ እዩ፤ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።
[18] ንሕና ዂልና ኸዓ ብቕሉዕ ገጽ ክብሪ ጐይታ ኢና እነንጸባርቕ፤ እዙይ ካብቲ መንፈስ ዝኾነ ጐይታ ዝመጸ ኽብሪ ኸዓ ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ንልወጥ ኣለና።