[1] እምበኣርከስ እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ነዝ ኣገልግሎት እዙይ ስለ ዝሃበና ተስፋ ኣይንቖርጽን ኢና።
[2] እኳ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ነቲ ሓቂ ኣብ ሕሊና ነፍስ ወከፍ ሰብ ብገሃድ ነቕርብ እምበር ብተንኰል ኣይተመላለስናን፤ ንቓል እግዚኣብሔርውን ኣይለወጥናን፤ ነቲ ብኅቡእ ዝግበር ነውራም ነገርውን ካባና ኣርሒቕናዮ ኢና።
[3] እቲ እንሰብኮ ወንጌል ክዱን እንተኾነ ክዱን ዝኸውን ነቶም ዝጠፍኡ ጥራሕ እዩ።
[4] ንኣኣቶም ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝኾነ ሰይጣን ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይርእዩ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ኣዕወሮ። እዝ ብርሃንዙይ ከዓ ክብሪ ናይቲ ኣርኣያ እግዚኣብሔር ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።
[5] ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝኾነ ንሕና ኸዓ ምእንቲ ክርስቶስ ኣገልገልትኹም ከም ዝኾንና እምበር ብዛዕባ ርእስና ኣይኮንናን እንሰብኽ።
[6] እቲ ኣብ ጸልማት ብርሃን ይብራህ ዝበለ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ ገጽ ክርስቶስ ክብሪ እግዚኣብሔር ዘንጸባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።
[7] ግና እቲ ዓብዪ ኃይሊ ናይ እግዚኣብሔር እምበር ናትና ኸም ዘይኮነ ምእንቲ ኽገሃድ ካብ መሬት ካብ ዝተፈጥረ ሰብነትና እዝ ናይ ፍልጠት መዝገብ ኣለና።
[8] ብዂሉ ወገን ንግፋዕ ግና ኣይንሰዓርን ኢና፤ እንገብሮ ይጠፍአና ግና ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና።
[9] የሳድዱና ግና ኣይንድርበን ኢና፤ ተወቒዕና ንወድቕ ግና ኣይንመውትን ኢና።
[10] ሕይወት ኢየሱስ ኣብ መዋታይ ሰብነትና ምእንቲ ኽትገሃድውን ሞት ኢየሱስ ኣብ ሰብነትና ዂልሻዕ ንፀውር ኣለና።
[11] ሕይወት ኢየሱስ ኣብ መዋቲ ሰብነትና ምእንቲ ኽትገሃድ ድማ ንሕና ብሕይወት እንነብር ዘለና ምእንቲ ኢየሱስ ኲልሻዕ ናብ ሞት ኣኅሊፎም ይህቡና ኣለዉ።
[12] ስለዙይ ንሕና ንመውት ኣለና፤ ንስኻትኩም ግና ብሕይወት ትነብሩ ኣለኹም።
[13] ከምቲ ኣመንኩ፤ ስለዙይ ተዛረብኩ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ ሓደ ዝዓይነቱ መንፈስ እምነት ስለ ዘለና ንሕና ድማ ነኣምን፤ ስለዙይውን ንዛረብ ኣለና።
[14] እቲ ንጐይታና ኢየሱስ ዘተሥኦ ንኣናውን ምስ ኢየሱስ ከም ዘተሥአናን ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዘቑመና ንፈልጥ ኢናሞ።
[15] እዝ ዂሉ ንጥቕምኹም እዩ፤ ምኽንያቱ ብዙኅ ጸጋ ኣብ ብዙኃት ሰባት ክብርክት እንተሎ እቲ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዝዓርግ ምስጋና ኽበዝኅ እዩሞ።
[16] ስለዙይ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፤ እቲ ናይ ወፃኢ ሰብነትና እንተ በለየ እኳ ውሽጣዊ ሰብነትና በብመዓልቱ ይሕደስ እዩሞ።
[17] እዝ ቐልጢፉ ዝኃልፍን ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ ካብ ኲሉ ዝበልጽን ማዕረ ዘይብሉን ዘለዓለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ።
[18] እቲ ዝረአ ኃላፋይ እዩ፤ እቲ ዘይረአ ግና ዘለዓለማዊ እዩ። ንሕና ኸዓ ኣብቲ ዝርአ ዘይኮነስ ኣብቲ ዘይርአ ኢና እንጥምት ዘለና።