[1] ስለዙይ ምእንቲ ኸየኅዝነኩም ኢለ መሊሰ ናባኻትኩም ከይመጽእ ወሰንኩ።
[2] ኣነ እንተኅዚነኩም እቲ ብኣይ ምኽንያት ዝኃዘነ እንተ ዘይኮይኑ ደኣ መን እዩ ዘሐጕሰኒ?
[3] እዝ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ክመጽእ እንተለኹ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዝግበአኒ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ እየ። ምኽንያቱ ሓጐሰይ ሓጐስ ኲልኻትኩም ከም ዝኾነ ኸም እትፈልጡ ስለ ዝኣምን እየ።
[4] ብብዙኅ መከራን ጭንቀት ልብን ብብዙኅ ንብዓትን ዝጸሓፍኩልኩም ክሳዕ ክንደይ ኣጸቢቐ ኸም ዘፍቅረኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ እምበር ምእንቲ ከኅዝነኩም ኢለ ኣይኮንኩን።
[5] ሰብ ዘኅዘነ እንተልዩ ንኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ ከየኽብዶ ድኣ እምበር ንዂልኻትኩም እዩ ዘኅዘነ።
[6] ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ እቲ ኻብቶም ብዙኃት ዝረኸቦ ተግሣጽ የኣኽሎ እዩ።
[7] እኳ ደኣ ብብዝኂ ኃዘን ከይወሓጥ ይቕረ በሉሉን ኣጸናንዕዎን።
[8] ስለዙይ ብልቢ ኸም እተፍቅርዎ ኽተርእይዎ እምዕደኩም ኣለኹ።
[9] ነዝ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ነቲ ፈተና ስዒርኩም ብዂሉ ነገር እዙዛት ምዃንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ ኢለ እየ።
[10] ነቲ ይቕረ እትብሉሉ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣለኹ። እቲ ይቕረ ዝበልኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ምእንታኻትኩም ኢለ እየ ይቕረ ዝበልክዎ።
[11] እዙይ ማለተይ ከዓ ተንኰል ሰይጣን ከመይ ከም ዝኾነ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ ከይብለጸልና ኢለ እየ።
[12] ወንጌል ክርስቶስ ክሰብኽ ናብ ጢሮኣዳ ምስ መጻእኹ ብጐይታ ዝተኸፍተለይ ናይ ኣገልግሎት ኣፍ ደገ ረኸብኩ።
[13] ንቲቶ ኃወይ ስለ ዘይረኸብክዎ ግና ብዙሕ ተጨነቕኩ፤ ስለዙይ ካብኣቶም ተሰናቢተ ናብ መቄዶንያ ኸድኩ።
[14] ግና ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ ዂልሻዕ ናብ ዓወት ዝመርሐና ብኣና ገይሩውን ክርስቶስ ከም ዝፍለጥ ንምግባር ከም ጥዑ ም መዓዛ ኣብ ኲሉ ቦታ ዝገልጽ እግዚኣብሔር ምስጋና ይኹኖ።
[15] ኣብ ማእኸል እቶም ዝድኅኑን እቶም ዝጠፍኡን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር መዓዛ ክርስቶስ ኢናሞ።
[16] ነዚኣቶም ካብ ሞት ናብ ሞት ዘብጽሕ መዓዛ ነቲኣቶም ከዓ ካብ ሕይወት ናብ ሕይወት ዘብጽሕ መዓዛ ኢና። ነዝ ነገርዙይ ብቑዕ እየ ዝብልከ መን ኣሎ?
[17] ብእግዚኣብሔር ተልኢኽና ብቅንዕና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣለና እምበር ከምቶም ብዙኃት ብቓል እግዚኣብሔር ዝነግዱ ኣይኮንናን።